ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ለካቲት:- ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! መጋቢት:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ፍሉይ ጻዕሪ ኺግበር እዩ። ሰባት ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ እንተልያቶም: ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ መጽሓፍ ምዕዳል ይከኣል እዩ። ሚያዝያን ግንቦትን:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ: ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ወይ ኣብ ካልእ ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት ዚመጹ ግን ከኣ ኣዘውቲሮም ናብ ጉባኤ ዘይመጹ ነታ ሓድነት ኣምልኾ ናይቲ ሓደ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ ዘርእስታ መጽሓፍ ድማ ከተበርክተሎም ጽዓር። እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ብፍላይ እታ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ወይ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣጽኒዖም ዝወድኡ እንተ ዀይኖም: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትጅምረሎም ዚከኣለካ ዅሉ ኽትገብር ኣሎካ።
◼ እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሓው 1 መጋቢት ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ኪምርምሮ ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ ደድሕሪ እቲ ኣብ ቀጻሊ ግዜ ዚህሉ ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ነታ ጉባኤ ምልክታ ይንገር። እታ ጉባኤ ንዓለምለኻዊ ዕዮን ንኻልእ ማሕበር እተካይዶ ዕዮታትን ብዛዕባ ዝገበረቶ ወፈያ ዚገልጽ ወረቐት እንተ መጺኡ ኣንብብ።
◼ እቲ ጸሓፍን እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛብን ናይ ኵሎም ስርዓታውያን ፓይነራት ንጥፈታት ኪምርምርዎ ኣለዎም። ነቲ ዜድሊ ሰዓታት ኣብ ምምላእ ሽግር ዘለዎ ምስ ዝህሉ: እቶም ሽማግለታት ንምሕጋዙ መደብ ኪገብሩ ኣለዎም። ብዛዕባ እዚ ሓሳባት ንምርካብ ነቲ ዓመታዊ ደብዳበታት S-201 ርኣዩ።
◼ እቲ ናይ 2004 በዓል ዝኽሪ ኣብ ዚግበረሉ ወቕቲ ዚወሃብ ፍሉይ ህዝባዊ ዝርርብ “ትብዑ: ብየሆዋ ኸኣ ተኣመኑ” ዚብል እዩ። ምስዚ እተተሓሓዘ ምልክታ ኣብ ናይ ጥቅምቲ 2003adj. ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ርአ።