ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድግማ
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 23 ለካቲት 2004 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብቓል ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣብቲ ኻብ 5 ጥሪ ኽሳዕ 23 ለካቲት 2004 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 36-7 ርአ።]
ናይ ዝርርብ ነጥብታት
1. ሓደ ትምህርቲ ንሰማዕትና ንጹርን ብሓቂ ዚጠቕሞምን ንኪኸውን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ [be ገጽ 158 ሕጡብ ጽሑፍ 2-4]
2. ቃላትና ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ [be ገጽ 160 ሕጡብ ጽሑፍ 1 ከምኡውን ካልአይቲ ሳጹን]
3. ኣብ 1 ቈረንቶስ 14:9 ጽቡቕ ዝርርብ ንምቕራብ እንታይ መሰረታዊ ብቕዓት ከተማልእ ከም ዘሎካ እዩ ዜጕልሕ: ነዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ንሰባት ክንምህር ከለና ኽንዓየሉ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧ [be ገጽ 161 ሕጡብ ጽሑፍ 1-4]
4. ኣብ ማቴዎስ 5:3-12 ከምኡውን ማርቆስ 10:17-21 ከም እንረኽቦ: ሓደ ኻብቲ ኽንቀድሖ ዘሎና ዜደንቕ ኣመሃህራ የሱስ እንታይ እዩ፧ [be ገጽ 162 ሕጡብ ጽሑፍ 4]
5. ኣብ ኣገልግሎትና ወይ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ሓሳባት ክንህብ ከለና: ውዕዉዕ ስምዒት ዜንጸባርቕ ቃላት ክንጥቀም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ማቴ. 23:37, 38) [be ገጽ 163 ሕጡብ ጽሑፍ 3–ገጽ 164 ሕጡብ ጽሑፍ 1]
ክፍሊ ቍ. 1
6. ናይ ዝርርብ ቀንዲ ኣርእስቲ እንታይ እዩ: ንዝርርብ ዚኸውን ሓሳባት ክትመርጽን ከተዳሉን ከለኻ ነዚ ምዝካርካ ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ [be ገጽ 39 ሕጡብ ጽሑፍ 6–ገጽ 40 ሕጡብ ጽሑፍ 1]
7. (ሀ) ብመንፈስ ንጹህ ምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ: መንፈሳዊ ንጽህና ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ንጽህና ኪበሃል ዝከኣልከ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ክርስትያናት ነቲ ኣብ ዓለም ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ስነ-ምግባራዊ ርኽሰት ንኸይቕበሉ ኺጥንቀቑ ዝኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ [w02 1/2 ገጽ 5-6]
8. ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓታት ኣየናይ እዩ ዝያዳ ኽብደት ዘለዎ፧ [w02 15/2 ገጽ 5 ሕጡብ ጽሑፍ 1, 4, 6]
9. ሓልዮት እንታይ እያ: የሱስ ነዛ ባህሪ እዚኣ ዘንጸባረቓኸ ብኸመይ እዩ፧ [w02 15/4 ገጽ 25 ሕጡብ ጽሑፍ 4-5]
10. ኣብ ምሳሌ 11:11 ዘሎ ሓሳባት ኣብ ጉባኤታት ህዝቢ የሆዋ ዚዓዪ ብኸመይ እዩ፧ [w02 15/5 ገጽ 27 ሕጡብ ጽሑፍ 1-3]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
11. እታ ኣብ ዘፍጥረት 2:9 ተጠቒሳ ዘላ “ኦም ህይወት” ንምንታይ እያ እተመልክት፧
12. ሰበይቲ ሎጥ ዝሞተት ስለምንታይ እያ፧ (ዘፍ. 19:26) [w 8/4/111 ገጽ 12 ቍ. 10]
13. ኣብቲ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 24 ዚርከብ ትንቢታዊ ድራማ: (ሀ) ኣብርሃም ንመን የመልክት: (ለ) ይስሃቅ ንመን የመልክት: (ሐ) እቲ ንኣብርሃም ግዙኡ ዝነበረ ኣልኣዛር ንመን የመልክት: (መ) እተን ዓሰርተ ኣግማል ንመን የመልክታ: (ረ) ርብቃ ንመን ተመልክት፧
14. ኣምላኽ ንያእቆብን ንኤሳውን ኣቐዲሙ እንታይ ከም ዚዀኑ መዲቡ ነይሩ ድዩ፧ (ዘፍ. 25:23)
15. ራሄል ተጊህካ ምጽዓር በረኸት የሆዋ ኸም ዜምጽእ እተርኢ ሰናይ ኣብነት ዝዀነት ብኸመይ እያ፧ (ዘፍ. 30:1-8) [w02 1/8 ገጽ 29-30]