ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ
ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን:-
“ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።” (1 ቈረ. 1:3) ነቲ ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንየሆዋ እቲ ዚግብኦ ኽብሪ ዚህበሉ እዋንስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ብሃረርታ እንጽበዮ! (መዝ. 150:6) ነታ ዓባይ መዓልቲ እቲኣ ኽንጽበ ኸለና: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ኻብ ምግባርን ኣይከነቋርጽን ኢና።
ኣብዚ እዋን እዚ የሆዋ ኣብ ምድሪ ኣተኲሩሉ ዘሎ ነገር: ኣገልግሎት ወንጌላውነት እዩ። (ማር. 13:10) የሆዋ ነዚ ዕዮ እዚ ኣጸቢቑ ኸም ዚግደሰሉን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብቲ በጅነታዊ መስዋእቲ ንኺጥቀም ኣጋጣሚ ኸም ዘለዎን ስለ እንፈልጥ: ነዚ ዕዮ እዚ ንኽንፍጽም የሆዋ ንኺሕግዘና ንጽሊ ኢና። (ራእ. 14:6, 7, 14, 15) ጸገማት ዜጋጥመና እኳ እንተዀነ: ኣገልግሎትና ንምፍጻም ‘ካብ ላዕሊ ሓይሊ ንለብስ’ ብምዃንና ግን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ!—ሉቃ. 24:49
ንዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ምልስ ኢልና ኽንርእን የሆዋ ብእሙናት ኣገልገልቱ ኣቢሉ ዝፈጸሞ ነገራት ከነስተንትነሉን ከለና ዕግበት እዩ ዚስምዓና። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ተበራቲዖም ነዚ ኣብ መላእ ዓለም ሰፊኑ ዘሎ ጽልኢ ብምስጋር ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ኣንጸባሪቖም እዮም። ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትና ተራእያ እያ። ካብ ሰነ ኽሳዕ ታሕሳስ 2003 ካብ ልዕሊ ሚእቲ ሃገራት እተዋጽኡ ልኡኻት ናብተን ኣብ ሽዱሽተ ክፍላተ-ዓለም እተገብረ 32 ኣህጉራዊ ኣኼባታት ከይዶም እዮም። ሚስዮናውያን: ኣህጉራውያን ኣገልገልቲ: ከምኡውን ኣብ ወጻኢ ሃገር ዜገልግሉ ቤትኤላውያን ኣብ ኣውራጃውን ኣህጉራውን ኣኼባታት ቃለ-መጠይቕ ተገይሩሎም እዩ።
ኣብዚ ዓበይቲ ኣኼባታት እዚ ‘ነታ ጽብቕቲ ምድሪ ርኣያ’ ከምኡውን ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስተን ጽሑፋት ተቐቢልና ኢና። ብተወሳኺውን ኣብ መወዳእታ ናይ 2004 ዓመት ኣገልግሎት ከም ብሓድሽ ተመሓይሹ እተዳለወ ንናይ ፓይነር ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዚኸውን መጽሓፍ ኪዳሎ ምዃኑ ምልክታ ተነጊሩና እዩ። በብደረጃኡ እቶም ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ እተኻፈሉ ንነዊሕ እዋን ዜገልገሉ ፓይነራት ምስቶም ሓደስቲ ፓይነራት ሓቢሮም ኪመሃሩ እዮም።
ሳላ እቲ ኣምላኽ ዚገበረልና ሓገዘን ሰባት ዘርኣይዎ ልግስን ብፍላይ ኣብተን ድኻታት ሃገራት ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኪህነጽ ተኻኢሉ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም መንፈሳዊ ምግቢ ዚደልዩ ሰባት እናበዝሑ ይኸዱ ብምህላዎም: ጨንፈራት ኣብያተ-ጽሕፈት ንምስፋሕ ዚግበር ፕሮጀክትታት ኣብ ሓያሎ ሃገራት ይስርሓሉ ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ እታ ንዘልኣለም ኣብ ምድሪ ብምንባር ተሓጎሱ! ዘርእስታ ብሮሹር ብ299 ቋንቋታት ብድምር ብ139 ሚልዮን ቅዳሓት ተሓቲማ ኣላ፣ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ብ161 ቛንቋታት ብልዕሊ 93 ሚልዮን ቅዳሓት ተሓቲማ ኣላ፣ ከምኡውን እታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ዘርእስታ ብሮሹር ብ267 ቋንቋታት ብልዕሊ 200 ሚልዮን ቅዳሓት ተሓቲማ ኣላ።
ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ህይወቶም ከም ዝወፈዩ ኣብ ማይ ብምጥማቕ ዘርኣዩ 258,845 ሰባት መርሓባ ክንብሎም ንፈቱ! ንመንግስቲ ኣምላኽ ምድጋፍኩም ንሰይጣን ብፍላይ ከም ዚጸልኣኩም ዚገብሮ እኳ እንተዀነ: ነቲ ኣብ ቅድሜኹም ተሓንጺጹልኩም ዘሎ መቀዳደሚ ብትዕግስቲ ኽትጐዩ ኸለኹም ግን በረኸት የሆዋ ንኽትቅበሉን መንፈሳዊ ዕቝባ ንኽትረኽቡን የኽእለኩም ኣሎ። (እብ. 12:1, 2፣ ራእ. 12:17) እወ: ‘ሓላዊኹም ከም ዘይታኸስ’ ተኣማመኑ።—መዝ. 121:3
እታ “ንቕሑ . . . እተዳሎኹም ኩኑ” እትብል ናይ 2004 ዓመታዊት ጥቕሲ ብሓቂ ነዚ ግዜና እትኸውን እያ። (ማቴ. 24:42, 44) ክርስትያናት ኣብዚ መወዳእታኡ ቐሪቡ ዘሎ ኣገባብ ከም ስደተኛታት ምዃኖም እዩ ቓል ኣምላኽ ዚገልጽ። (1 ጴጥ. 2:11፣ 4:7) ስለዚ: ናብራና ቐሊል ንምግባርን ልብና ተጠንቂቕና ንምምርማርን ወትሩ ትኵራት ክንከውን ኣሎና። እቲ “ዓብዪ ገበል” ኪውሕጠና ወይ ምስዚ ኣገባብ እዚ ኸም እንሕወስ ኪገብረና እዩ ዚደሊ።—ራእ. 12:9
ተጊህና መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ኣሎና። እዚ ኸኣ ንወፈያና ብዚምልከት ‘እቲ እወና እወ’ ንኪኸውን ከምኡውን ‘ነታ መጀመርታ እሙንቶና ኽሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና ንኽንሕዛ’ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። (ያእ. 5:12፣ እብ. 3:14) መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ምስ እነንብብ: ዓለም ካብቲ ዘይቅየር መለክዒታት ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝረሓቐት ንኽንዝክር ይሕግዘና። (ሚል. 3:6፣ 2 ጢሞ. 3:1, 13) ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንረኽቦ ፍልጠት ነቲ ሰባት “እተጣበብዎ ጽውጽዋያት” ንኽንፍንፍኖን ንየሆዋ እሙናት ኴንና ንኽንቅጽልን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—2 ጴጥ. 1:16፣ 3:11
ኣቱም ወለዲ: ንደቅኹም ብናይ የሆዋ ተግሳጽን ምዕዶን ከተዕብይዎም ከለኹም: መንፈሳዊ ሸቶታት ንኼውጽኡን ‘ንኺነቕሑን’ ትሕግዝዎምዶ ኣለኹም፧ (ኤፌ. 6:4) ብዛዕባ መጻኢኦም ከምቲ እቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ልዕሊ ዅሉ ጥበበኛ ዝዀነ ሰብ ዝነበሮ ኣረኣእያ ንኽሓድሮም ተሰልጥንዎምዶ ኣለኹም፧ የሱስ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ እቲ ዝበለጸ ጸራቢ: መሃዚ: ወይ ሓኪም ኪኸውን ይኽእል እኳ እንተ ነበረ: ንሱ ግን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀነ። እምበኣር: በቲ ዝገደፎ ኣብነት ተደሪኽኩም ንደቅኹም መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ቀዳማይ ቦታ ንኺህብዋ ሓግዝዎም።
እቲ እሙን ባርያ በቲ ተወካሊኡ ዝዀነ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣቢሉ ነቶም “ብዙሓት ሰብ” ‘እዚ ወንጌል መንግስቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ንኪስበኽ’ እተዋህቦ ሓላፍነት ኣብ ምፍጻም ስለ ዝሓገዝዎ ልባዊ ምስጋና ኬቕርበሎም ይፈቱ። (ራእ. 7:9፣ ማቴ. 24:14, 45) ኣቱም ፍቑራትና: የሆዋ “ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም” ከም ዚዝክሮ: ባዕሉ ኣረጋጊጹልኩም ኣሎ። (እብራውያን 6:10) ዜሐጕስ ተመክሮታት ከተንብቡን እቲ ብሕብረት ዝገበርኩምዎ ጻዕሪ ዘፍረዮ ፍረ ኽትርእዩን ከለኹም: ኣብዚ ዓለምለኻዊ ምስክርነት እዚ ኣገዳሲ እጃም ከም ዘበርከትኩም ኣይትረስዑ።
ዋላ ሓደ ሰብ ወይ ጋኔን ነቲ ዓስብኹም ኪዝርፈኩም ከየፍቀድኩም ወትሩ ‘ናብቲ ዓስቢ ብምጥማት’ ድንምብርጽ ከይበለኩም ተጸበዩ። (እብ. 11:26፣ ቈሎ. 2:18) እወ: የሆዋ ንዅሎም እቶም ዜፍቅርዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኺረኽቡ ኸም ዚሕግዞም ብምትእምማን ኣብኡ ተወከሉ።—ዮሃ. 6:48-54
ምሳኻትኩም ሓቢርና ኽብሪ የሆዋ ንምውዳስ ከነገልግል ከለና ሕጉሳት ምዃንና ኸነረጋግጸልኩም ንፈቱ።
ኣሕዋትኩም:
ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር