ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/04 ገጽ 1
  • መለኮታዊት ጥበብ ዘለዋ ብልጫ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መለኮታዊት ጥበብ ዘለዋ ብልጫ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መለኮታዊ ትምህርቲ ዘለዎ ሓለፋ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ‘ኣየወ፡ መዓሙቝ ጥበብ ኣምላኽ!’
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ናይ ሓቂ ጥበብ ትጭድር ኣላ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ነታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ኣብ ህይወትካ ትዓይየላዶ ኣለኻ፧
    ንየሆዋ ቕረቦ
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 1/04 ገጽ 1

መለኮታዊት ጥበብ ዘለዋ ብልጫ

1 ገሊኣቶም ሰባት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ሕጂ ንደቅ​ሰብ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ብቐጥታ ኣብ ምፍታሕ ከተኵሩ ኸም ዘለዎም ኰይኑ ይስምዖም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ነቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ብልጫ ኣየስተውዕሉሉን እዮም። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ “ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ: ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።” (1 ቈረ. 1:18) እወ: ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ኣብዚ ግዜና ኣብ ምድሪ ኻብ ዘሎ ዕዮታት እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ እዩ።

2 ሕጂ ዝሓሸ ህይወት ምርካብ:- ደቅሰብ ጸገማት ንምፍታሕ ኣብ ዝገበርዎ ጻዕሪ ዘፍረይዎ ፍረ: ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ እዩ። ገበናት ንምውጋድ ዝወጽእ ሕግታት ንብዝሒ ዓመጻ ኣይዓገቶን። ውዕላት ሰላምን ዓቀብቲ ሰላምን ንውግእ መወዳእታ ኣይገበርሉን። ድኽነት ንምጥፋእ ተባሂሉ እተዳለወ ማሕበራዊ መደባት ፈሺሉ እዩ። (መዝ. 146:3, 4፣ ኤር. 8:​9) ብኣንጻሩ ግን: መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንሚልዮናት ሰባት ብኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎ ሓድሽ ሰብ ንኽለብሱ ሓጊዝዎም እዩ። (ሮሜ 12:2፣ ቈሎ. 3:​9, 10) ከምዚ ብምግባሮም ከኣ ሕጂውን እንተዀነ ዝሓሸ ህይወት እዮም ዝረኽቡ።​—⁠1 ጢሞ. 4:8

3 ብዛዕባ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ምሓዝ:- መለኮታዊት ጥበብ ነቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዘጋጥመና ጸገማት ንኽንዋጽኣሉ ኣብ ርእሲ ምሕጋዛ: ንመጻኢ ጽቡቕ መደብ ንኸነውጽእ ተኽእለና። (መዝ. 119:105) ነዚ ኣገባብ እዚ ንኸነዐሪ ኢልና ንኸንቱ ኻብ ምጽዓር ተናግፈና። (መክ. 1:15፣ ሮሜ 8:20) ንህይወትና ኽጭበጥ ኣብ ዘይክእል ነገራት ዘይነጥፍኣ ምዃንናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ! ኣብ ክንድኡስ: ኣብቲ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ጽድቂ ዝነብረሉ “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ዝኣተዎ እተረጋገጸ መብጽዓ ኢና እነተኵር። እታ የሆዋ ዝፈርደላ መዓልቲ ምስ መጸት: እቶም ኣብ መለኮታዊት ጥበብ እተወከሉ ዘበሉ ቕኑዕ ምርጫ ኸም ዝገበሩ ብዘየማትእ መገዲ ንጹር ክኸውን እዩ።​—⁠2 ጴጥ. 3:​10-13፣ መዝ. 37:34

4 መለኮታዊት ጥበብ ነቶም ኣብ “ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ” ዘተኵሩ ዘይትረብሕ ኰይና እኳ እንተ ተሰምዐቶም: ክንስዕባ ዘሎና ጠቓሚት መገዲ ንሳ ጥራይ እያ። (1 ቈረ. 1:21፣ 2:6-8) ስለዚ: ነቲ ኻብቲ “በይኑ ብዓል ጥበብ” ዝዀነ ኣምላኽ ዝመነጨ መልእኽቲ ኣብ መላእ ምድሪ ኻብ ምእዋጅ ኣይከነቋርጽን ኢና።​—⁠ሮሜ 16:26

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ