ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ጥቅምቲ:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ እንተ ተረኺቡ: ነታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣበርክተሉ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ድማ ፍሉይ ጻዕሪ ግበር። ሕዳር:- ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ወይ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። እዚ ጽሑፋት እዚ ንዘለዎም ሰባት ከኣ ሓድነት ኣምልኾ ወይ ናይ ቀደም ጽሑፋት ክዕደል ይከኣል እዩ። ታሕሳስ:- ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ። ከም ኣማራጺ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት: ዘ ባይብል—ጎድስ ዎርድ ኦር ማንስ፧: ወይ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ። ጥሪ:- ቅድሚ 1988 እተሓትመ ኣብ መኽዘን ናይታ ጉባኤ ዝርከብ ዝዀነ ይኹን 192 ገጽ ዘለዎ መጽሓፍ። እዚ መጻሕፍቲ እዚ ኣብ መኽዘን ምስ ዘይህልወኩም: ጐረቤትኩም ጉባኤ ዝያዳ እንተ ሃልዩዋ ኽትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። እተን ናይ ቀደም መጻሕፍቲ ዘይብለን ጉባኤታት ማንካይንድስ ሰርች ፎር ጎድ ዘርእስቱ መጽሓፍ ክዕድላ ይኽእላ እየን።
◼ እቲ ናይ 2004 በዓል ዝኽሪ ኣብ ዝግበረሉ ወቕቲ ዝወሃብ ፍሉይ ህዝባዊ ዝርርብ ሰንበት 18 ሚያዝያ ክኸውን እዩ። ኣርእስቲ ናይቲ ዝርርብ ኣብ መጻኢ ኽግለጽ እዩ። እተን ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ናይታ ሰሙን እቲኣ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ምብጻሕ ወይ ዓብዪ ኣኼባ ዘለወን ጉባኤታት እቲ ፍሉይ ዝርርብ ኣብታ እትቕጽል ሰሙን ክወሃበን እዩ። ዝዀነት ትኹን ጉባኤ ነዚ ፍሉይ ዝርርብ እዚ ቕድሚ 18 ሚያዝያ 2004 ክትወስዶ ኣይግባእን እዩ።