ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድግማ
እዚ ዝስዕብ ሕቶታት ኣብታ 27 ጥቅምቲ 2003 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብቓል ዝውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣብቲ ኻብ 1 መስከረም ኽሳዕ 27 ጥቅምቲ 2003 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዝወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 36-7 ርአ።]
ናይ ዝርርብ ነጥብታት
1. እቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 2:9 ዝርከብ ሓደ ሰብ ‘ግቡእ ክዳውንቲ’ ክኽደን ከም ዘለዎ ዝገልጽ ምኽሪ እንታይ ማለት እዩ: እዚኸ ካብ መድረኽ ክፍሊ ኣብ እነቕርበሉ እዋን ወይ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብኸመይ እዩ ኽጸልወና ዘለዎ፧ [be ገጽ 132 ሕጡብ ጽሑፍ 4-5]
2. እቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 2:15-17: ኤፌሶን 2:2: ከምኡውን ሮሜ 15:3 ዝርከብ መሰረታዊ ስርዓት ንትርኢትና ዝጸልዎ ብኸመይ እዩ፧ [be ገጽ 133 ሕጡብ ጽሑፍ 2-4]
3. ርግኣት ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ እዩ: ኣብ መድረኽ ኴንና ኽፍሊ ከነቕርብ ከለና ወይ ኣብ ኣገልግሎት ክንካፈል ከለና ርግኣት ክህልወና ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧ [be ገጽ 135 ሳጹን፣ ገጽ 136 ሕጡብ ጽሑፍ 5: ሳጹን]
4. የሱስ ከም “እሙን ሓቀኛ ምስክር” መጠን ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎት ብምጥቃም ዝመጸ ኸመይ ዝበለ ኣብነት እዩ ገዲፉልና፧ (ራእ. 3:14) [be ገጽ 143 ሕጡብ ጽሑፍ 2-3]
5. ኣብ ኣጠቓቕማ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኢና ዝያዳ ኽእለት ከነጥሪ እንኽእል፧ (ቲቶ. 1:9) [be ገጽ 144 ሕጡብ ጽሑፍ 1: ሳጹን]
ክፍሊ ቍ. 1
6. መጽናዕቲ እንታይ የጠቓልል: ገለ ኻብቲ ስሩዕ መጽናዕቲ ቃል ኣምላኽ ዘምጽኦ ረብሓታት እንታይ እዩ፧ [be ገጽ 27 ሕጡብ ጽሑፍ 3፣ ገጽ 32 ሕጡብ ጽሑፍ 4]
7. ከቢድ ውሳነ ኽንገብር ከለና: ምስ ያእቆብ 1:5, 6 ብምስምማዕ እንታይ ክንገብር እዩ ኣድላዪ ዝዀነ፧ [w01 1/9 ገጽ 28 ሕጡብ ጽሑፍ 4]
8. መበገሲ ዕለት ዝበሃል እንታይ እዩ: ብዙሕ ኣገዳስነት ዘለዎኸ ስለምንታይ እዩ፧ [si ገጽ 282 ቍ. 27]
9. ‘ሕሜት ዚዝርግሕ ዓሻ’ ዝኸውን ብኸመይ እዩ፧ (ምሳ. 10:18) [w01 15/9 ገጽ 25 ሕጡብ ጽሑፍ 3]
10. ደቅሰብ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ግዜ ዘለዎ ኣረኣእያ ኣብ ሓዳስ ዓለም ብዝግባእ ዝርድእዎ ብኸመይ እዮም፧ [si ገጽ 283 ቍ. 32]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
11. ቅኑዕ ወይ ጌጋ:- ኣብ 1 ቈረንቶስ 2:9 ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባቲ የሆዋ ንእሙናት ህዝቡ ዘውርሶም ነገር እዩ ዝዛረብ ነይሩ። ግለጽ። [ip-2 ገጽ 366 ሳጹን]
12. እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:13 ዝርከብ ቃላት ነየናይ ፈተና እዩ ዝምልከት: የሆዋ “መውጽኢ” ዝገብርከ ብኸመይ እዩ፧ [w 19/112 ገጽ 4-5 ቍ. 11-14]
13. የሱስ ብልግሲ ዝመጸ ዝገደፎ ኣብነት ንክርስትያናት ብኸመይ ይትንክፎም፧ (2 ቈረ. 8:9) [w92 15/1 ገጽ 12 adj.ቍ. 10]
14. እቲ ሕጊ ‘ናብ ክርስቶስ ዘብጽሕ ቀጻዒ [“ሓላዊ:” ትርጕም 1990 ]’ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ (ገላ. 3:24) [w02 1/6 ገጽ 15 ቍ. 11]
15. እቲ መገድና ንኸየስሕተና ኽንጥንቀቐሉ እተነግረና “ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ” ተባሂሉ ዘሎ እንታይ እዩ፧ (ቈሎ. 2:8)