ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
13 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 22 (130)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። በቲ ኣብ ገጽ 4 ዝርከብ ሓሳባት ጌርካ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዝዕደላ ዘርኢ ኽልተ ህያው መርኣያታት ከም ዝቐርብ ግበር። ኣብ ክልቲኡ መርኣያታት ንሓዲአን ጥራይ ኣቀራርባ ዝግበር እኳ እንተዀነ: ክልቲአን ብሓንሳእ ንምብርካት ጻዕሪ ኽግበር ኣለዎ። ኣብ ሓደ ኻብዚ መርኣያታት: መጽሔት ብቐጻሊ ንእተብጽሓሉ ሰብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክግበረሉ ኸሎ ይቕረብ። ነታ “ኣብታ እትቕጽል ሕታምና” ዘርእስታ ሳጹን ከም ዘተኵረላ ብምግባር ንዝቕጽል ምብጻሕ መሰረት ኣንብር።—ናይ ጥቅምቲ 1998 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 8 ቍ. 7-8 ርአ።
20 ደቒቕ:- “ንየሆዋ ‘ብሓጐስ ተገዝእዎ።’” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። (እዚ ምይይጥ እዚ ኽግበር ከሎ: ኵላቶም ነታ ናይ ጥሪ 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ከምጽእዋ ኣለዎም።) ቍጽሪ 4 ድሕሪ ምምይያጥኩም: ኣብ ወርሒ ሕዳር ነታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹርን ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍን ከም እነበርክት ጥቐስ። ካብ ናይ ጥሪ 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ሓደ ኣቀራርባ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። ድሕሪኡ ነቲ ኣቀራርባ ብኸመይ ከም እትለማመዶ ኣርኢ። ኵላቶም ንኣገልግሎት ብዝግባእ ክዳለዉ ኣተባብዓዮም።
15 ደቒቕ:- መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ በረኸት የምጽእ። ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን። ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅልጡፍ ዕቤት ዝገበሩ ብዝምልከት ሒደት ተመክሮታት ካብ ጽሑፋትና ኣዘንቱ። (w00 1/3 ገጽ 6፣ yb98 ገጽ 55-60) ካብቲ ተመክሮታት እንታይ ትምህርቲ ኸም እንረክብን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ምምራሕ ብኸመይ ከም እንጥቀምን ሓሳብ ክህቡ ንሰማዕቲ ሕተቶም።
መዝሙር 4 (43)ን መዕጸዊ ጸሎትን
20 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 23 (200)
15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ነቲ ኻብ መጀመርታ ኣገልግሎት ዓመት ኣትሒዙ እተዋህበ ናይታ ጉባኤ ጸብጻብ ኣገልግሎት ይገልጾ። ዞባታት ምሽፋን ብዝምልከት ሓሳብ ብምሃብ ኣተባብዕ።
10 ደቒቕ:- ነቲ “ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ መደብ” ኣቕርብ።
20 ደቒቕ:- “ኣኼባታት ኣብ ሰዓቱ ተጀሚሩ ኣብ ሰዓቱ ይወዳእ።” ብሕቶን መልስን ዝቐርብ ምይይጥ። ኵሉ ሕጡብ ጽሑፍ ይነበብ።
መዝሙር 16 (143)ን መዕጸዊ ጸሎትን
27 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 17 (187)
12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ኣስፋሕቲ ናይ ጥቅምቲ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽር። በቲ ኣብ ገጽ 4 ዝርከብ ሓሳባት ጌርካ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዝዕደላ ዘርኢ ኽልተ እተፈላለየ መርኣያታት ከም ዝቐርብ ግበር። ኣብ ክልቲኡ መርኣያታት ንሓዲአን ጥራይ ኣቀራርባ ዝግበር እኳ እንተዀነ: ክልቲአን ብሓንሳእ ንምብርካት ጻዕሪ ኽግበር ኣለዎ። ኣብ ሓደ ኻብዚ መርኣያታት: “ተገዳስነት የብለይን” ንዝብል ኰላፊ ዘረባ ኸመይ ጌርካ ኸም እትምልሰሉ ዘርኢ መርኣያ ይቕረብ።—ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ገጽ 8 ርአ።
20 ደቒቕ:- ነቲ ናይ መንፈስ ሰይፊ ተጠቐመሉ። (ኤፌ. 6:17) ኣብታ ሚኒስትሪ ስኩል ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 143-4 እተመስረተ ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ሓሳብ ክህቡሉ ዓድሞም:- (1) ንሕቶታት መልሲ ኽንህብ ከለና መጽሓፍ ቅዱስ እንጥቀም ስለምንታይ ኢና፧ (2) እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስም ብዛዕባና እንታይ እዩ ዝሕብር፧ (3) የሱስ እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉልና: ብኸመይከ ኽንመስሎ ንኽእል፧ (4) ኣብ ዞባና ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንምዝርራብ ካብ ዘኽእለና ኣስላጢ ዝዀነ መገድታት ገለ እንታይ እዩ፧ (5) ብእተኻእለና መጠን ብቐጥታ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብበሎም ዝሓሸ ዝኸውን ስለምንታይ እዩ፧ (6) ሽማግለታት ንኻልኦት መጽሓፍ ቅዱሶም ብዝግባእ ንኽጥቀሙሉ ኸተባብዕዎም ዝኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ሓደ ኽኢላ ኣስፋሒ ሕቶ ንምምላስ እንተ ወሓደ ሓንቲ ጥቕሲ ኸንብብ ከሎ ዘርኢ: ኣብቲ ኣብ ገጽ 144 ዝርከብ መላመዲ እተመስረተ ብዝግባእ ምድላው እተገብረሉ መርኣያ ኸም ዝቐርብ ግበር። ኵላቶም ምስክርነት ኣብ ዝሃቡሉ እዋን መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጥቀሙ ሸቶ ኽገብሩ ኣተባብዓዮም።
13 ደቒቕ:- ካብታ ጉባኤ እተረኽበ ተመክሮታት። ሰማዕቲ ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ብዛዕባ ዘጋጠሞም ወይ ከኣ ኣብ ስራሕ: ኣብ ቤት ትምህርቲ: ወይ ኣብ ካልእ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ክህቡ ኸለዉ ብዛዕባ ዘጋጠሞም ተመክሮታት ከዘንትዉ ዓድሞም።
መዝሙር 11 (85)ን መዕጸዊ ጸሎትን
3 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 2 (15)
5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።
25 ደቒቕ:- ምስቲ ሕጉስ ኣምላኽ ተሓጐስ። ኣብ ናይ 1 ግንቦት 2001 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 8-13 ተመርኲስካ ዝቐርብ ዝርርብ።
መዝሙር 5 (46)ን መዕጸዊ ጸሎትን