ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
8 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 22 (130)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። ነቲ ኣብ እትቕጽል ሰሙን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ዝውሰድ ክፍሊ ንምድላው: ነቲ ዓሚ ኣብ ናይ ወረዳ ኣኼባ ዝጸሓፍዎ መዘኻኸሪ ኽውከሱ ንዅሎም ኣተባብዓዮም። በቲ ኣብ ገጽ 4 ዝርከብ ሓሳባት ጌርካ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዝዕደላ ዘርኢ ኽልተ እተፈላለየ ህያው መርኣያታት ከም ዝቐርብ ግበር። ሓዲኡ ኻብዚ መርኣያታት ሓደ ተማሃራይ ወይ ወላዲ ንመምህር ክምስክረሉ ኸሎ ዘርኢ እዩ።
10 ደቒቕ:- “ትንቢት ዳንኤል ምጽናዕ።” ሕቶን መልስን። ነታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ትንቢት ዳንኤል ምጽናዕና ብኸመይ ከም እንጥቀም ኣሕጽር ኣቢልካ ሓሳብ ሃብ። (ኣብታ ትንቢት ዳንኤል ዘርእስታ መጽሓፍ: ኣብ ምዕራፍ 1 ቍጽሪ 15-17 ተወከስ።) ኵላቶም ኣብ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ክእከቡ ኣተባብዓዮም።
25 ደቒቕ:- “ኣቱም መንእሰያት ንመጻኢ ጽቡቕ መሰረት ኣንብሩ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ሓደ ሽማግለ በቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት ገይሩ ዘቕርቦ። ቍጽሪ 5 ክትመያየጡላ ኸለኹም: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘምጽኦ ሓጐስን በረኸታትን ኣጕልሕ።
መዝሙር 27 (221)ን መዕጸዊ ጸሎትን
15 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 11 (85)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።
10 ደቒቕ:- “‘ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ’—ናይ 2003 ኣውራጃዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር።” ነቶም ኣቐዲሞም ነቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ምድላዋት ዝገበሩ ጽቡቕ ጌርካ ንኣዶም: እቶም ክሳዕ ሕጂ ምድላዋት ዘይገበሩ ድማ ቀልጢፎም ክገብሩ ኣተባብዓዮም።
25 ደቒቕ:- “ብየሆዋ ተማዕቈብ: ሰናይ ድማ ግበር።” (መዝ. 37:3 NW) ኣብዚ ስዒቡ ዘሎ ቐንዲ ነጥብታት ናይቲ ዓሚ እተገብረ ናይ ወረዳ ኣኼባ ዘጕልሕ ሕቶታት ተመርኲስካ ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ሰማዕቲ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ብብሕቲ ወይ ከም ስድራቤት መጠን ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸውዕልዎ ኸም ዝኸኣሉ ሓሳብ ክህቡ ዓድሞም። ነዚ ዝስዕብ ኣብቲ ኣኼባ ዝቐረበ ኽፍልታት ተመያየጡሉ:- (1) “ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ምንጽብራቕ።” ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትና ንየሆዋ ዘሎና እምንቶ ኸነንጸባርቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (it-2 ገጽ 521 እንግሊዝኛ) ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ ብኸመይ ክሕግዘና ይኽእል፧ (2) “ካብ ከንቱነት ህይወት ተጠንቀቑ።” (መክ. 2:4-8, 11) ካብ እንታይ ከንቱ ዝዀነ ተግባራት ኢና ኽንጥንቀቕ ዘሎና: ነዚኸ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧ (3) “ካብ እከይ ርሓቑ: ገበርቲ ሰናይ ድማ ኹኑ።” ስርዓታት የሆዋ ጠቢቕና ምስዓብ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ኢሳ. 5:20) ብምንታይ ሰናይ ተግባራት ኢና ትሑዛት ክንከውን ዘሎና፧ (4) “ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ምዕቃብ።” ኣብ እዋን ፈተናታት ጸኒዕና ንኽንቀውም ዘኽእለና እንታይ እዩ፧ ገሊኡ ነገራት ኣብ ኢድ የሆዋ ኽንገድፎ ዘድልየና ስለምንታይ እዩ፧ (5) “ንመንግስቲ ኣምላኽ እትበቅዑ ዲኹም፧” (ቈሎ. 1:10) ንኣምላኽ ብቑዓት ኴንና ንኽንመላለስ ዘተባብዓና እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣብነታት እዩ፧ (6) “ኣብ መብጽዓታት የሆዋ እምንቶ ግበር።” እዚ ንህይወትና ዝጸልዎ ብኸመይ እዩ፧
መዝሙር 7 (51)ን መዕጸዊ ጸሎትን
22 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 2 (15)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታትን ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ መዘኻኸሪታትን። በቲ ኣብ ገጽ 4 ዝርከብ ሓሳባት ጌርካ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዝዕደላ ዘርኢ ኽልተ እተፈላለየ መርኣያታት ከም ዝቐርብ ግበር። ሓደ ሽማግለን ሓደ ብሰንኪ ሕማም ክንቀሳቐስ ዘይክእል ኣስፋሕን ብሓባር ኰይኖም ብተሌፎን ክምስክሩ ኸለዉ ኣርኢ።
15 ደቒቕ:- ዓሚ እንታይ ዓሚምና፧ እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ናይታ ጉባኤ ጸብጻብ ናይ 2003 ዓመት ኣገልግሎት የጕልሕ። ንኣባላት እታ ጉባኤ ስለቲ ዝፈጸምዎ ሰናይ ነገራት ንኣዶም። ካብ ናይ ዝሓለፈ ጸብጻብ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ምስዚ ዝተሓሓዝ ነጥብታት ኣጕልሕ። ኣብዚ ዓመትዚ ኽትበጽሕዎ እትኽእሉ ሓደ ወይ ክልተ ሸቶታት ጥቐስ።
20 ደቒቕ:- ኣምላኽ ንዅለን ሃይማኖታት ይቕበለን ድዩ፧ ኣብ መጽሓፍ ሪዝኒን (እንግሊዝኛ) ተመርኲስካ ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ኣብዚ ጕዳይ እዚ ንሓደ ሰብ ብኸመይ ከነረድኦ ኸም እንኽእል ተመያየጡሉ። (rs ገጽ 322-3) ቅንዕቲ ሃይማኖት እትልለየሉ እተወሰነ መገድታት ኣጕልሕ። (rs ገጽ 328-30) ኣገልግሎትና ኻልኦት ሰባት ነቲ ኣምላኽ ዝቕበሎ ዓይነት ኣምልኾ ንኽመርጹ ይሕግዞም እዩ።—ቈሎ. 1:9, 10
መዝሙር 4 (43)ን መዕጸዊ ጸሎትን
29 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 22 (130)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ መስከረም ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽር። ኣብ ጥቅምቲ ዝዕደል ጽሑፋት ጥቐስ። በታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ጌርካ ብኸመይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተጀምር ዘርኢ ሕጽር ዝበለ መርኣያ ኸም ዝቐርብ ግበር።
15 ደቒቕ:- ካብታ “ኣብዚ ግዜና ኻብ ቤት ናብ ቤት ምኻድ ካብ ዝጅመር ሚእቲ ዓመት ገይሩ—ንስኻኸ እጃምካዶ ተበርክት ኣለኻ፧” እትብል ኣብ ናይ ግንቦት 2003 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እትርከብ ዓንቀጽ ቀንዲ ነጥብታት ኣጕልሕ። ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ዞባታት ብኸመይ ከም እተሸፈነ ግለጽ።
20 ደቒቕ:- “ትሕትና ልበሱ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። እቶም ሰማዕቲ ንኣወዓዕላ እቲ ጥቕስታት ከም ዝገልጹ ግበር።
መዝሙር 28 (224)ን መዕጸዊ ጸሎትን
6 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 25 (204)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣብዛ ወርሒ እዚኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ፍሉይ ጻዕሪ ንገብር ኣሎና። ነቲ ኣብ ናይ ግንቦት 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 1: ቍጽሪ 1 ዝርከብ ሓሳባት ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ።
15 ደቒቕ:- ነቲ ቐዳምነት ዘድልዮ ቀዳምነት ምሃብ ኣይትረስዕ! ኣብታ ናይ 1 መስከረም 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 19-21 ተመርኲስካ ዝቐርብ ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን። ኣብ ዝቕጽል እተወሰነ ኣዋርሕ ንቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት ብዝምልከት እተገብረ መደብ ጥቐስ: ኵላቶም ነዘን ዕለታት እዚኣተን ኣብ ዓውደ-ኣዋርሖም ምልክት ክገብሩለን ኣተባብዓዮም። ሰማዕቲ እቲ ዝግበር መንፈሳዊ ምድላዋት ንኸየምልጦም እንታይ ክገብሩ ኸም ዘለዎም ሓሳባት ክህቡ ዓድሞም።
20 ደቒቕ:- ንናይ መዛኑ ጸቕጢ ብትብዓት ምቅዋሙ። ንሓደ ኣብ ክርስትያን ስድራቤት ዝዓበየ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ቓለ-መጠይቕ ግበረሉ። ካብ ናይ 15 ለካቲት 2003 ግምቢ ዘብዐኛ እተመርጸ ነጥብታት ጥቐስ። እቲ ሓው ኣብ ቤት ትምህርቲ እንታይ ጸቕጥታት የጋጥሞ ነይሩ፧ (ገጽ 24 ሕጡብ ጽሑፍ 3፣ ገጽ 25 ሕጡብ ጽሑፍ 4-5) ካብ ካልኦት ሕማቕ ጽልዋ ኣጋጢምዎዶ ነይሩ፧ (ገጽ 26 ሕጡብ ጽሑፍ 4-6) ምስ ዓበየኸ ናይ መዛኑ ጸቕጢ የጋጥሞዶ ኣሎ፧ ተለማሚጡ ንኽነብር ዝወርዶ ጸቕጢ ኽቃወሞ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ መደምደምታ ዝርርብካ ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 24-5 ተመርኲስካ ጥዑይ ዕርክነት ምግባር ዘለዎ ጥቕሚ ኣሕጽር ኣቢልካ ኣጕልሕ።
መዝሙር 9 (37)ን መዕጸዊ ጸሎትን