ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ መስከረም:- ብሮሹራት። ጥቅምቲ:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ እንተ ተረኺቡ: ነታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣበርክተሉ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ድማ ፍሉይ ጻዕሪ ግበር። ሕዳር:- ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ወይ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። እዚ ጽሑፋት እዚ ንዘለዎም ሰባት ከኣ ሓድነት ኣምልኾ ወይ ናይ ቀደም ጽሑፋት ክዕደል ይከኣል እዩ። ታሕሳስ:- ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ። ከም ኣማራጺ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት፣ ዘ ባይብል—ጎድስ ዎርድ ኦር ማንስ፧፣ ወይ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ።
◼ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ነቲ ኣስፋሕቲ ብብሕቶም ዝገብርዎ ናይ ጽሑፍ ትእዛዝ ክቕበል ኣይክእልን እዩ። እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ እቶም ናይ ብሕቶም ጽሑፍ ክለኣኸሎም ዝደልዩ ነቲ ጽሑፋት ዝሕዝ ሓው እቲ ብብሕቶም ዝደልይዎ ጽሑፋት ምእንቲ ኽነግርዎ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ቕድሚ እቲ ናይ ጉባኤ ወርሓዊ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ናብ ማሕበር ምልኣኹ ምልክታ ኸም ዝንገር ክገብር ይግብኦ። ብፍሉይ ትእዛዝ ዝመጽእ ጽሑፋት ኣየናይ ምዃኑ በጃኹም ኣይትረስዑ።
◼ ሽማግለታት ብዛዕባ እቶም ተወጊዶም ወይ ርእሶም ኣግሊሎም ዝነበሩ እሞ ክምለሱ ዝደልዩ ሰባት ዝገልጽ ሓበሬታ ንምርካብ ነቲ ኣብ ናይ 8/112 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 12-16 ዘሎ መምርሒ ኽስዕቡ ኸነዘኻኽሮም ንፈቱ።