ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ሓምለን ነሓሰን:- ካብዚ ዝስዕብ 32 ገጽ ዘለዎ ብሮሹራት ዝዀነ ይኹን ምጥቃም ይከኣል:- ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧፣ ንዘልኣለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ!፣ ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧፣ እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም፣ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧፣ ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ —ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧፣ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት፣ ከምኡውን ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ። መስከረም:- ብሮሹራት። ጥቅምቲ:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ እንተ ተረኺቡ: ነታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣበርክተሉ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ድማ ፍሉይ ጻዕሪ ግበር።
◼ ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ኻብ መስከረም ጀሚሮም “ንኣምላኽ እንፈርሆ ስለምንታይ ኢና፧” ዘርእስቱ ህዝባዊ ዝርርብ ክህቡ እዮም።