ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/03 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 14 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 21 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 28 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 4 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 7/03 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

14 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 4 (43)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። በቲ ኣብ ገጽ 4 ዝርከብ ሓሳባት ጌርካ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኣብቲ ናይ ጉባኤኹም ዞባ ብኸመይ ከም ዝዕደላ ዘርኢ ኽልተ ኣብ ክዉንነት እተመስረተ መርኣያታት ከም ዝቐርብ ግበር። ኣብ ክልቲኡ መርኣያታት ንሓዲአን ጥራይ ኣቀራርባ ዝግበር እኳ እንተዀነ: ክልቲአን ብሓንሳእ ንምብርካት ጻዕሪ ኽግበር ኣለዎ።

15 ደቒቕ:- ንየሆዋ ምምላኽ ንህይወ​ትና ትርጕም ዘለዎ ዝገብሮ ብኸመይ እዩ፧ ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘሐጕስን ትርጕም ዘለዎን ህይወት ንኽህልወና ቐንዲ ረቛሒ እዩ። (1) ንጸገማትን ሓልዮት ናብራን ንኽንክእሎ ይሕግዘና። (ፊል. 4:6, 7) (2) ኣምላኽ ዝፈትዎ ባህርያት ንኸነማዕብል የተባብዓና። (2 ጴጥ. 1:5-8) (3) ግዜናን ጥሪትናን ብዝበለጸ መገዲ ንኽንጥቀመሉ ይሕግዘና። (1 ጢሞ. 6:17-19) (4) ንመጻኢ ርግጽ ተስፋ ይህበና። (2 ጴጥ. 3:13) (5) ምስ የሆዋ ናይ ማሕርሮ ርክብ ንኸነማዕብል የኽእለና። (ያእ. 4:8) እዚ ዅሉ እቶም ንየሆዋ ዘይፈልጥዎ ወይ ዘየገልግልዎ ኽረኽብዎ ኸም ዘይክእሉ ግለጽ።

20 ደቒቕ:- “ንምሕረት ኣምላኽ ሞሳ ምርኣይ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ቍጽሪ 3 ክትመያየጡላ ኸለኹም: ኣብቲ ናይ ጥቅ​ምቲ 1998 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 8 ተመርኲስካ መጽሔት ምብጽጻሕ ብኸመይ ከም ዝጅመር ሓሳብ ሃብ። ንሓደ ወይ ክልተ ተመክሮ ዘለዎም ኣስፋሕቲ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር እንታይ ዓይነት ኣቀራርባ ውጽኢታዊ ዀይኑ ኸም ዝረኸብዎ ሓሳብ ክህቡ ሕተት። ኵላቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከጀምሩን ክመርሑን ሸቶኦም ክገብርዎ ኣተባብዓዮም።​—⁠om (እንግሊዝኛ) ገጽ 91

መዝሙር 8 (53)ን መዕጸዊ ጸሎትን

21 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 15 (127)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታትን ዜና ህንጸትን። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።

10 ደቒቕ:- “ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣርኣያ ኹን።” ብሕቶን መልስን ዝግበር ምይይጥ።

25 ደቒቕ:- ኣስኣሰር ትብዓቶም ስዓቡ። ኣብታ ሓድነት ኣምልኾ እትበሃል መጽሓፍ ገጽ 62 ተመርኲስካ ዝግበር ምይይጥ። ሰማዕቲ ነቲ ኣብ ቍጽሪ 8 ዝርከብ ሕቶታት ንኽምልሱን ነቲ ኣብኡ ዝርከብ ጥቕስታት ኣብቲ ዝህብዎ ሓሳባት ክጠቕስዎን ዓድሞም። እተወሰነ ጥቕስታት መሪጽካ ኣንብብ። ካብዚ ጸብጻባት እዚ እንመሃሮ ትምህርትታት ከምኡውን ብዛዕባ ስብከትና: እንተላይ ብዛዕባ ካብ ቤት ናብ ቤት እንፍጽሞ ኣገልግሎት ቅኑዕ ኣረኣእያ ንኽህልወና ብኸመይ ከም ዝሕግዘና ኣጕልሕ።

መዝሙር 7 (51)ን መዕጸዊ ጸሎትን

28 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 6 (45)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ሓምለ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽር። በቲ ኣብ ገጽ 4 ዝርከብ ሓሳባት ጌርካ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዝዕደላ ዘርኢ ኽልተ እተፈላለየ መርኣያታት ከም ዝቐርብ ግበር። ኣብ ክልቲኡ መርኣያታት ንሓዲአን ጥራይ ኣቀራርባ ዝግበር እኳ እንተዀነ: ክልቲአን ብሓንሳእ ንምብርካት ጻዕሪ ኽግበር ኣለዎ። ኣብ ሓዲኡ ኻብዚ መር​ኣያታት: ናይ እግረ⁠-​መገዲ ምስክርነት ኣርኢ።

15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።

20 ደቒቕ:- “ብጕጅለ ምምስካር ሓጐስ የምጽእ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ቍጽሪ 3 ክትመያየጡላ ኸለኹም: ኣብ ናይ መስከረም 2001 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኣብ እትርከብ ሕቶ ሳጹን ዝወጸ ሓሳባት እውን ኣቕርብ። ንሓደ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ሕጽር ዝበለ ቓለ⁠-​መጠይቕ ግበረሉ። ንጕጅለ ትምህርቲ መጽሓፉ ዝገበሮ ናይ ግራት ኣገልግሎት ምድላው ሕተቶ: እታ ጕጅለ ብሓባር ብምምስካራ ብኸመይ ከም እተጠቕመት ድማ ሕተት።

መዝሙር 21 (191)ን መዕጸዊ ጸሎትን

4 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 26 (212)

10 ደቒቕ:- ናይ ጉባኤ ምልክታታት። ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ዝዕደል ጽሑፋት ጥቐስ። ኣብ ኣገልግሎት ክትጥቀሙሉ እትኽእሉ ሓደ ወይ ክልተ መርኣያታት ከም ዝቐርብ ግበር።

20 ደቒቕ:- “ብእተፈላለየ ቛንቋታት ጽሑፋት ምብርካት።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት ተጠቐም።

15 ደቒቕ:- ንኣሽቱ ንየሆዋ ይውድሱ ኣለዉ! ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን ቃለ⁠-​መጠይቕን ዘጠቓልል ዝርርብ። ንኣሽቱ ብዝግባእ ተዳልዮም ኣብ ኣኼባታት ሓሳባት ክህቡ ኸለዉ የሐጕሰና እዩ። ትግሃቶምን ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዝገብርዎ ዕቤትን ባህ እዩ ዝብለና። ኣብ ኣገልግሎት ጽቡቕ ምስክርነት ክህቡ ኸለዉ ናይ ሓቂ እምነት እዮም ዘንጸባርቑ። እቲ የሆዋ ዝፈትዎ ጠባዮም ንዕኡ ክብሪ የምጽኣሉ። (yb88 ገጽ 53-4 እንግሊዝኛ) መንፈሳዊ ዕቤቶም ኣብ መጻኢ ሓላፍነታት ንኽስከሙ መሰረት የንብረሎም። ኣብ ጉባኤ ኣብ ዝግበር ንጥፈታት ኣዘውቲሮም ንዝካፈሉ ኽልተ ወይ ሰለስተ ክርስትያን መንእሰያት ቃለ⁠-​መጠይቕ ግበረሎም። ነቶም ኣብ ጉባኤ ዝርከቡ ንኣሽቱ መንእሰያት ንየሆዋ ንምውዳስ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕርታት ካብ ልቢ ብዝመነጨ ስምዒት ንኣዶም።

መዝሙር 27 (221)ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ