ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/03 ገጽ 3
  • ዜና ህንጸት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዜና ህንጸት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 7/03 ገጽ 3

ዜና ህንጸት

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብዙሕ ምዕባለ ገይሩ ኣሎ። እቲ ሰለስተ ደርቢ ዘለዎ ሰማንያ ሜትሮ ዝንውሓቱ ቐንዲ ህንጻ ኽሳዕ ናሕሲ ተሃኒጹ: ቅድሚ ኽረምቲ ምእታዉ ድማ ዚንጎ ኽግበረሉ እዩ። ኣብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት ዝበዝሕ ክፍልታት ተለሲኑ እዩ። ኣብ ታሕተዋይ ሸነኽ እዚ ህንጸት ዝካየደሉ ቦታ: እቲ ን1,700 ተኣከብቲ ኽሕዝ ዝኽእል ንመአከቢ ዓበይቲ ኣኼባታት ዝህነጸሉ ቦታ ብንጹር ይርአ ኣሎ። ዝበዝሕ ክፋል እቲ መድረኽ: መጠመቒ ጋብላ: መቐየሪ ኽዳን ዝኸውን ክፍልታት: ኣብያተ⁠-​ጽሕፈትን ሽማግለታት ዝእከቡሉ ኽፍልን ተሃኒጹ እዩ። ኣብ ጐድኒ እቲ ኣብቲ ቐጽሪ ዘሎ ጽርግያን ማካይን ደው መበልን ነቲ ሓመድ ሃደሽደሽ ኢሉ ኸይፈርስ ዝሕዞ ግምቢ ተሃኒጹ እዩ። ትራንስፎርመርን ጀነሬተርን ዝሕዝ ህንጻ ከምኡውን ነቲ ንዓይኒ ምድሪ ናይቲ መአከቢ ዓበይቲ ኣኼባታት ዝኸውን ጕድጓድ ኣብ ወርሒ ግንቦት ይህነጽ ነይሩ። እቲ ፕሮጀክት ካብ ዝጅመር ልዕሊ ፍርቂ ዝኸውን ዕዮ ተሰላሲሉ: ኣብ መጀመርታ 2004 ክዛዘም ድማ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ። ነቲ ዝገበርኩምዎ ወፈያታት ከነመስግነኩም ንፈቱ: የሆዋ ነዚ ዕዮ እዚ ኽባርኾ እውን ንጽሊ ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ