ኣብዚ ግዜና ኻብ ቤት ናብ ቤት ምኻድ ካብ ዝጅመር ሚእቲ ዓመት ገይሩ—ንስኻኸ እጃምካዶ ተበርክት ኣለኻ፧
1 ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ዘመናውያን ህዝቢ የሆዋ ብስሩዕ መገዲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ክኸዱ ኻብ ዝጅምሩ 100 ዓመት ከም ዝገበሩ ትፈልጥዶ፧ ገሊኣቶም ኣሕዋት ኣቐዲሞም ብውልቆም ካብ ቤት ናብ ቤት ምኻድ ጀሚሮምዎ እኳ እንተ ነበሩ: ኣሕዋት ካብ ቤት ናብ ቤት ትራክትታት እናዓደሉ ንዅሉ ሰብ ክበጽሕዎ ጻዕሪ ኽገብሩ ኸም ዘለዎም ምሕጽንታ እተዋህበ ግን ኣብ ናይ 15 ግንቦት 1903 ግምቢ ዘብዐኛ እዩ ነይሩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ እዚ የሱስን ሃዋርያቱን ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ናይ ስብከት ሜላ: ብፍላይ ኣቐዲምካ ቅዱስ ጽሑፋዊ መእተዊታት ብምጥቃም: ኣጸቢቑ እናሰፍሐን እናተመሓየሸን ከደ። (ማቴ. 10:12፣ ግብ. 5:42) ካብ ቤት ናብ ቤት ዝግበር ኣገልግሎት መለለዪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ዝኸውን ነዊሕ እዋን ገይሩ ኣሎ።
2 ኣብ ዝበዝሕ ክፍልታት ዓለም: ቀናኣት ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዓመት ብተደጋጋሚ: አረ ኣብ ገሊኡስ ኣብ ወወርሒ ንዅሉ ዞባታት ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱ ይበጽሕዎ እዮም: እንተዀነ ግን: ኣብ ገሊኡ ሃገራት መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ኣብ ቤቶም ኣይርከቡን እዮም። ስለዚ: ኣብ መገዲ: ኣብ መናፈሻታት: ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታትን ካልእን: ኰታስ ሰባት ኣብ ዝርከቡሉ ቦታን እዋንን ክንከይድ ምትብባዕ ክወሃብ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ዞባና ንሓያሎ ዓመታት ሰባት ክርከቡሉ ኣብ ዝኽእሉ ቦታታት ናይ እግረ-መገዲ ዀነ ንኣገልግሎት ተዳሊኻ ብምኻድ ምስክርነት ተዋሂብዎም እዩ: እዚውን ጽቡቕ ፍረ ኣፍርዩ እዩ። ይኹን እምበር: ማዕጾ ንዝኸፈተና ዝዀነ ይኹን ሰብ ብዘይ ኣድልዎ ንምንጋር ዘኽእለና ኻብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዝግበር ኣገልግሎት ብምስታፍ ዞባና ኽንሽፍን ኣሎና። ኣብ ዞባና መብዛሕትኡ ግዜ ሰብ ኣብ ቤት ንረክብ ኢና። ዝበዝሕ እዋን ጽቡቕ ምይይጥ ክንገብር ንኽእል ኢና: ተመላሊስካ ምብጻሕ ንኽንገብር ድማ ኣጸጋሚ ኣይኰነን። እዚ ኸኣ ኣብ ዞባና ምምሕያሽ ክንገብረሉ ዘሎና መዳይ ኣገልግሎት እዩ።
3 ካብ ቤት ናብ ቤት ምግልጋል ኣብ የሆዋ ብዝያዳ ንኽንውከል ስለ ዝሓተናን ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ንኽንጥቀመሉ ኣጋጣሚ ስለ ዝኸፍተልናን ንመንፈሳውነትና ኣብ ምድልዳል ብዙሕ ኣበርክቶ ይገብር እዩ። እወ: በዚ ኸምዚ ዞባታት ምሽፋን ንሓደ መጽሔት ጥራይ ዝዕድል ዝነበረ ኣስፋሒ: ቅዱሳት ጽሑፋት ንኽጥቀም የኽእሎ። ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ዝጀመሮ መለለዪና ዝዀነ ሜላ ስብከት ብምክፋልና እውን ፍሉይ ዕግበት ይስምዓና።
4 ካብ ቤት ናብ ቤት ምግልጋል ፍሉይ ጸገማት ከም ዘለዎ ዘይከሓድ እዩ። ኣብ ቤቶም ካብ ዝጸንሑና ሰባት ብዝያዳ ዘይእሩም ዘረባ ንሰምዕ ወይ ሕማቕ ተግባራት ንርኢ ንኸውን። መብዛሕትኡ ግዜ ግን እዚ ዅሉ ንዓና ብብሕቲ ዘይኰነስ ንየሆዋን ነቲ ናይ መንግስቱ ሓቅታትን ዝነቅፍ እዩ። ነዚ እንተ ዘኪርና: እቲ ዘጋጥመና ሓሳረ መከራ ሓጐስ ከምጽኣልና ዝኽእል ኣጋጣሚ ጌርና ኽንወስዶ ንኽእል ኢና። እዚ ኣብ ፊልጲ 1:27-29 ከምኡውን ማቴዎስ 5:11, 12 ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ።
5 ሓሓሊፉ ሃይማኖታውያን ጥሩፋት ብዛዕባ ዝፈጸምዎ ዓመጻ ዝመጽእ ወረ ኣብዚ ዕዮ እዚ ንኸይንካፈል ተስፋ ኸቍርጸናዶ ይግባእ፧ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 10:26-31 ተገሊጹ ዘሎ የሱስ ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት ንሃዋርያቱ ዝሃቦም ምኽሪ እንተ ኣንቢብናዮን እንተ ዘኪርናዮን ቅኑዕ ኣረኣእያ ንኽህልወና ኽሕግዘና ይኽእል። እወ: ኣብ መምርሕን ዕቝባን የሆዋ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ሓደ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመት ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዝገበሮ ኣገልግሎት 1,500 ሰዓት ኣቢሉ ዝኸውን ዘሕለፈ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ: ብዙሕ ዘሐጕስ ተመክሮታት ከም ዘጋጠሞ ኽዝክር ከሎ: ጕድኣት ከም ዘውርዱሉ ዘጕባዕብዑሉ ግን ክልተ ሳዕ ጥራይ ምዃኑ እዩ ትዝ ዝብሎ። ኣብ ክልቲኡ እዚ ኣጋጣሚታት እዚ እውን ዋላ ሓንቲ ጕድኣት ኣየጋጠሞን። ኣዝማድና ሃይማኖታውያን ጥሩፋት ምስ ዝዀኑ ወይ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ኽንከይድ ከለና ተመሳሳሊ ጕድኣት ከጋጥመና ከም ዝኽእል ምዝካርና እውን ነዚ መዳይ ኣገልግሎት ቅኑዕ ኣረኣእያ ኽህልወና ይኽእል። ይኹን እምበር: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኣብ የሆዋ ኢና እንእመን።—ምሳ. 29:25
6 እቶም ኣብ ቤቶም ዝጸንሑ ሰባት ነቲ ኽቡር መልእኽትና ኽሰምዑ ኣጋጣሚ ምእንቲ ኽረኽቡ: ኣብዚ ፍሉይ ናይ ዞባ ወፈራ ኣብ እንገብረሉ እዋን ዞባና ንምሽፋን ቀዳምነት ክንህቦ ይግባእ። ኣብ መጻኢ እውን እንተዀነ: እቶም እንኽእል ዘበልና ዅላትና ኣብዚ መዳይ ኣገልገሎት እዚ ብትብዓትን ብቕንኣትን ንሳተፍ። የሆዋ ብርግጽ ክባርኸና እዩ። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 20:21, 26 ዝበሎ ‘መስከርኩልኩም’ ከምኡውን ‘ካብ ደም ኵልኻትኩም ንጹህ እየ’ ክንብል ስለ እንኽእል: ዕግበት ክስምዓና እዩ።