ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ግንቦት:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ወይ ኣብ ካልእ ቲኦክራሲያዊ ኣኼባታት ዝመጹ ኣዘውቲሮም ግን ናብ ጉባኤ ዘይመጹ ሰባት ኰነ ንኻልኦት ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ: እታ ሓድነት ኣምልኾ ናይቲ ሓደ በይኑ ሓቀኛ ዝዀነ ኣምላኽ ዘርእስታ መጽሓፍ ከተበርክተሎም ጽዓር። እቲ ውልቀ-ሰብ እታ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍን ብቕዓት እትበሃል ብሮሹርን ዘጽንዐ እንተ ዀይኑ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጅመረሉ ፍሉይ ጻዕሪ ኽግበር ኣለዎ። ሰነ:- እታ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍን ብቕዓት እትበሃል ብሮሹርን። እዚ ጽሑፋት እዚ ንዘለዎም ሰብ ቤት ካብቲ እታ ጉባኤ ኣብ መኽዘን ዘለዋ ብሮሹር ኣበርክተሎም። ሓምለን ነሓሰን:- ካብዚ ዝስዕብ 32 ገጽ ዘለዎ ብሮሹራት ዝዀነ ይኹን ምጥቃም ይከኣል:- ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧፣ ንዘልኣለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ!፣ ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧፣ እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም፣ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧፣ ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ—ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧፣ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት፣ ከምኡውን ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ።
◼ እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሓው 1 ሰነ ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ክምርምሮ ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ ደድሕሪ እቲ ኣብ ቀጻሊ ግዜ ዝህሉ ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ነታ ጉባኤ ምልክታ ይንገር።