ግቡእ ኣከዳድና ንኣምላኽ ከም እተኽብሮ የርኢ
1. ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ክንገልጽ ንኽእል፧
1 ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብቲ “ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ” ዘርእስቱ ናይ 2003 ኣውራጃዊ ኣኼባ ኣጋይሽ የሆዋ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ክንረክብ ኢና። የሆዋ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ሽሻይ ብምዕዳሙ ኣዚና ኢና ነመስግኖ! ንዕኡ ዘሎና ኣኽብሮትን ነቲ መንፈሳዊ ምድላዋቱ ዘሎና ሞሳን ኣብዚ ኣውራጃዊ ኣኼባ ወይ ኣብ ካልእ እዋን በከዳድናና ዀነ ብትርኢትና ኸነርኢ ንኽእል ኢና።—መዝ. 116:12, 17
2. ጽሩያትን ጽፉፋትን ክንከውን ዘድልየና ስለምንታይ እዩ፧
2 ጽሩይን ጽፉፍን:- ትርኢትና ነቲ ዝርግርግ ዘይፈቱን ቅዱስን ዝዀነ ኣምላኽ ዝሰርዖ ስርዓታት ዘንጸባርቕ ክኸውን ኣለዎ። (1 ቈረ. 14:33፣ 2 ቈረ. 7:1) ኣካላትናን ጸጕርናን ጽፍርናን ጽሩይ ክኸውን: ትርኢትና ድማ ጽፉፍ ክኸውን ይግባእ። ወዛል ምዃን ኣብዚ ግዜና ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። ይኹን እምበር: ሓደ ውሩይ ተዋሳኢ ወይ ስፖርተኛ ወዛል ስለ ዝዀነ ጥራይ ክርስትያናት ክመስልዎ ኣለዎም ማለት ኣይኰነን። ዘበን-ኣምጽኦ ኣከዳድና ንስዕብ እንተደኣ ዄንና: ሰባት ኣብ መንጎ እቶም ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዘገልግልዎን ዘየገልግልዎን ዘሎ ፍልልይ ክርእዩ ኸጸግሞም ይኽእል።—ሚል. 3:18
3. ትርኢትና ምስቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10 ዘሎ ማዕዳ ዝሰማማዕ ምዃኑ ብኸመይ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧
3 ንክርስትያናት ኣገልገልቲ ዝግባእ ክዳን:- ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ክርስትያን ተዓዛቢ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ክጽሕፈሉ ኸሎ: “ኣንስቲ . . . ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍሰንን: ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ: ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ” ኣተባብዐ። (1 ጢሞ. 2:9, 10) ኣከዳድናና ግቡእ ምዃኑ ርግጸኛታት ምእንቲ ኽንከውን ተጠንቂቕና ኽንሓስበሉ የድልየና። ክዳውንትና ጽፉፍን ጽሩይን ትሕትና ዘርእን ደኣ እምበር እምብዛ ዘብለጭልጭ ወይ ስምዒት ዘለዓዕል ክኸውን ኣይግባእን።—1 ጴጥ. 3:3
4, 5. ክርስትያናት ሰብኡትን ኣንስትን እንታይ ጥንቃቐ እዮም ክገብሩ ዘለዎም፧
4 ጳውሎስ “ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ” ሚዛንና ኸይንስሕት እውን ኣጠንቂቑ ኣሎ። (1 ጢሞ. 2:9-10) ክርስትያናት ኣንስቲ ስልማትን መጸባበቕን ክጥቀማ ኸለዋ ሚዛናውያን ምስ ዝዀና ጥበባዊ እዩ።—ምሳ. 11:2
5 እቲ ጳውሎስ ንክርስትያናት ኣንስቲ ዝሃበን ማዕዳ: መሰረታዊ ስርዓቱ ንክርስትያናት ሰብኡት እውን ዝዓዪ እዩ። ኣሕዋት ነተሓሳስባ ዓለም ዘንጸባርቕ ነገራት ከርሕቑ ኣለዎም። (1 ዮሃ. 2:16) ንኣብነት: ኣብ ገሊኡ ሃገራት ጀልጋድ ክዳን ምኽዳን ልሙድ ኰይኑ ኣሎ: እዚ ግን ንኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝግባእ ኣይኰነን።
6. ናብቲ ኣኼባ ዝግበረሉ ኽንከይድን ካብኡ ኽንመጽእን ከለና ከምኡውን ኣብቲ ኣኼባ ዀነ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ኣከዳድናናን ትርኢትናን ጥንቁቓት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧
6 ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኣብ ዘሎ እዋን:- ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብቲ ኣኼባ ኽካፈሉ ኸለዉ በከዳድናኦም ኰነ ትርኢቶም ብሉጻት ኣብነታት ክዀኑ ኸለዉ: ገሊኣቶም ግን ናብቲ ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታ ክኸዱን ካብኡ ኽመጹን ከለዉ ወይ ኣብ ካልእ ንጥፈታት ክካፈሉ ኸለዉ ነዚ ስርዓታት እዚ ከም ዝዝንግዕዎ ጸብጻባት መጺኡና ኣሎ። እቲ ኣኼባ ኣብ ዝካየደሉ ግዜ ዀነ ኣብ ካልእ እዋን: ትርኢትና ነቲ ኻልኦት ብዛዕባ ህዝቢ ኣምላኽ ዘለዎም ኣረኣእያ ይጸልዎ እዩ። ናይቲ ኣኼባ ባጅ ካርድ ስለ እንልጥፍ: ወትሩ ንክርስትያናት ኣገልገልቲ ኸም ዝግባእ ክንክደን ኣሎና። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኻልኦት ንኽንእዱና ይድርኾም: ምስክርነት ንኽንህቦም ድማ መገዲ ይኸፍት።—1 ቈረ. 10:31-33
7. ግቡእ ኣከዳድናናን ትርኢትናን ኣብ ካልኦት እንታይ ጽልዋ ኽህልዎ ይኽእል፧
7 ልክዕ ከምቲ ባህ ዘብል ፍሽኽታ ንገጽና ዘብርሆ: ግቡእ ኣከዳድናናን ትርኢትናን ከኣ ነቲ ሒዝናዮ ዘለና መልእኽትን ነታ እንውክላ ማሕበርን ክብሪ የምጽእ። ኣብቲ “ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ወይ ኣብ ካልእ እዋን ዝርእዩና ገሊኣቶም ሰባት ንምንታይ ፍልይ ዝበልና ኸም ዝዀንና ንኽሓቱን ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ “እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዝዀነ ሰሚዕና [ተዓዚብና እውን] ኢና እሞ: ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና” ንኽብሉን ይድረኹ ይዀኑ። (ዘካ. 8:23) እምበኣር ኵላትና ንየሆዋ ኸም እነኽብሮ በከዳድናናን ብትርኢትናን ነርኢ።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
ትርኢትካ ምዕሩግ ይኹን
▪ ክትጐዓዝ ከሎኻ
▪ ኣብቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ
▪ ኣብ ካልእ ንጥፈታትካ