ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/03 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 14 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
  • 21 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
  • 28 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
  • 5 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 4/03 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

14 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 8 (53)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። በቲ ኣብ ገጽ 6 ዝርከብ ሓሳባት ጌርካ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዝዕደላ ዘርኢ ኽልተ እተፈላለየ መርኣያታት ከም ዝቐርብ ግበር። ኣብ ክልቲኡ መርኣያታት ንሓዲአን ጥራይ ኣቀራርባ ዝግበር እኳ እንተዀነ: ክልቲአን ብሓንሳእ ንምብርካት ጻዕሪ ኽግበር ኣለዎ።

10 ደቒቕ:- ነቲ “ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ መደብ” ኣቕርቦ። እቲ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ መዓስ ምዃኑ ንገር: ኵላቶም ኣቐዲሞም ክመጹን ኣብቲ ኣኼባ ጽን ኢሎም ክከታተሉን ድማ ኣተባብዕ። ኣስፋሕቲ ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባትን ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ክዕድሙ ኣተባብዓዮም።

10 ደቒቕ:- “ብዛዕባ ኣገልግሎት ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ይሃልኹም።” ኣብ ናይ 1 ግንቦት 2001 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 9ን 10ን፣ ቍጽሪ 9-12 ተመርኲሱ ዝቐርብ ዝርርብ።

15 ደቒቕ:- “ከም ብርሃናት ምብራህ።”

መዝሙር 4 (43)ን መዕጸዊ ጸሎትን

21 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 9 (37)

8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ኵላቶም ኣስፋሕቲ: ፍሉይ ዝርርብ ክቐርብ ከሎ ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ብምዕዳምን ባዕላቶም ንኸየብኵሩ ጻዕሪ ብምግባርን ብሓቂ “ፍሉይ” ክገብርዎ ኣተባብዓዮም።

15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።

22 ደቒቕ:- “ተቐበሎ።” ናብራኦም ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ብዝግባእ ንዝጥቀሙሉ ዘለዉ ንጽል ዝዀኑ ሓደ ወይ ክልተ ክርስትያናት ቃለ⁠-​መጠይቕ ግበረሎም። ኣብ ኣገልግሎቶም ዕግበት ንኽረኽቡ እንታይ ከም ዝሓገዞም ሓሳብ ከም ዝህቡ ግበር። ንሸውዓተ ደቒቕ ዝኸውን ካብታ ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 20-23 ዝወጸት “ውሉዳት ዘይብሎም ስለምንታይ ኢዮም፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ: ምስዚ ዝሰማማዕ ነጥብታት ኣቕርብ። ንጽል ንዝዀኑ ወይ ውሉድ ንዘይብሎም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ምትዅታኾም ምስ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ምጽራር ምዃኑ ሓብር።

መዝሙር 23 (200)ን መዕጸዊ ጸሎትን

28 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 7 (51)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ሚያዝያ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽር። በቲ ኣብ ገጽ 6 ዝርከብ ሓሳባት ጌርካ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዝዕደላ ዘርኢ ኽልተ እተፈላለየ መርኣያታት ከም ዝቐርብ ግበር።

15 ደቒቕ:- ኣብቲ ኻብ ናይ 1 ነሓሰ 2002 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 29-31 ዝወጸ “ተጊህካ ምጽዓር በረኸት የሆዋ የምጽእ” ዘርእስቱ ዓንቀጽ እተመርኰሰ ዝርርብ። ብፍላይ ኣብ ገጽ 30 ሕጡብ ጽሑፍ 3ን 4ን ከምኡውን ኣብ ገጽ 31 ሕጡብ ጽሑፍ 3ን 4ን ኣተኵር። ካብ ኣኼባታት ከብኵረና ብዛዕባ ዝኽእል ተወሳኺ ትምህርትታት ምስቲ ኸባቢ ብዝሰማማዕ መገዲ ሓሳብ ሃበሉ።

20 ደቒቕ:- “ተመላሊስካ ምብጻሕ ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሕ።” በቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት ገይሩ ሓደ ሽማግለ ዘቕርቦ። ንሰማዕቲ ነቲ ኣብኡ ተዋሂቡ ዘሎ ነጥብታት ዝድግፍ ሕጽር ዝበለ ኣብ ኣገልግሎት ዘጋጠሞም ተመክሮታት ከዘንትዉ ዓድሞም። ቍጽሪ 5 ክትመያየጡላ ኸለኹም: ኣብ ዞባኹም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተጀመረ ዝገልጽ ተመክሮ ብመርኣያ ኣቕርብ።

መዝሙር 3 (32)ን መዕጸዊ ጸሎትን

5 ግንቦት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 2 (15)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ተመላሊስካ ምብጻሕ ብኸመይ ከም ዝቝጸር ግለጽ። መጽሔታት እነበጻጽሓሎም፣ ብተሌፎን ብተደጋጋሚ እንምስክረሎም፣ ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ናብ ኣኼባ ምውሳድ፣ ምስ ኣዝማድ: ጐረባብቲ: መሳርሕቲ: መማህርቲ ተደጋጋሚ ምምይያጥ፣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝመራሕካ መጠን፣ ወዘተ። ኣብታ ኣዋር ሚኒስትሪ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 88-89 ዘሎ ነጥብታት ጥቐስ: ነቶም ተገዳስነት ዘለዎም ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር መዓስ መደብ ከተውጽእ ከም ዝግባእ ጠቓሚ ሓሳባት ሃብ። ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ዘሎ በዓላትን ንኣገልግሎት እተገብረ ተወሳኺ ምድላዋትን ጥቐስ።

20 ደቒቕ:- “ግቡእ ኣከዳድና ንኣምላኽ ከም እተኽብሮ የርኢ።” ብሓደ ሽማግለ ዝቐርብ። ነቲ ኣብኡ ቐሪቡ ዘሎ ሕቶታት ተጠቐም። ሓደ ኽኢላ ኣንባቢ ንነፍሲ ወከፍ ሕጡብ ጽሑፍ ዓው ኢሉ የንብቦ።

15 ደቒቕ:- ብስራት ንልቢ የሐጕሶ። (ምሳ. 15:30) እታ ጉባኤ ኣብ ወርሒ መጋቢትን ሚያዝያን ፍሉይ ጻዕሪ ብምግባራ እንታይ ከም ዝዓመመት ብዝምልከት ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ኣባላት እታ ጉባኤ ኣብዚ ዝስዕብ መዳያት ዝረኸብዎ ዘተባብዕ ተመክሮታት ከዘንትዉ ዓድሞም:- (1) ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ኽመጹ ኣብ ምሕጋዝ: (2) ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ኣብ ምግልጋል: (3) ንዝዛሕተሉ ኣስፋሕቲ ኣብታ ጉባኤ ናብ ናይ ቀደም ንጥፈታቶም ክምለሱ ኣብ ምንቕቓሕ: (4) ሓደስቲ ሰባት ኣስፋሕቲ ንክዀኑ ኣብ ምሕጋዝ: (5) ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ እተኣከቡ ኣብ ምክትታል: (6) ዘይተዓየ ዞባታት ኣብ ምሽፋን። ኣብ ወርሒ ግንቦት ክግበር ዘለዎ ዝተረፈ ነገራት ግለጽ። ንገሊኣቶም ሓሳባት ንኽህቡ ኣቐዲምካ ኽትሕብሮም ትኽእል ኢኻ። ስለቲ ጻዕርታቶም ንኣዶም: ንዅሎም ድማ ኣብ መጻኢ ተጊሆም ጻዕሮም ንክቕጽሉ ኣተባብዓዮም።

መዝሙር 18 (162) መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ