ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድግማ
እዚ ዝስዕብ ሕቶታት ኣብታ 28 ሚያዝያ 2003 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብቓል ዝውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣብቲ ኻብ 3 መጋቢት ኽሳዕ 28 ሚያዝያ 2003 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዝወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 36-7 ርአ።]
ናይ ዝርርብ ነጥብታት
1. ክፍሊ ብምልከት ንኸይተቕርብ ዝገብር ረቛሒታት እንታይ እዩ፧ [be ገጽ 93]
2. ቅኑዕ ወይ ጌጋ:- እናዕረፍካ ምዝራብ ንሰባት ሓሳባቶም ንኽገይሽን ንኸኳልፉኻን ስለ ዝፈቕደሎም ከነወግዶ ኣሎና። ግለጽ።
3. ቀንዲ ሓሳባት ምጕላሕ ንተዛራባይ ኰነ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ሰባት ንዘንብብ ሰብ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧ (ነህ. 8:8) [be ገጽ 101]
4. ቀንዲ ሓሳባት ከተጕልሕ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ [be ገጽ 102-3]
5. ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ ኣኼባ ንሓደ ጽሑፍ ዓው ኢልካ ኸተንብብ ከሎኻ: ከተጕልሖ ዘሎካ ቐንዲ ሓሳባት እንታይ እዩ፧ [be ገጽ 105]
ክፍሊ ቍ. 1
6. ወለዲ ንደቆም ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት “ምእንቲ ኺሰምዑን ኪመሀሩን” ንምስልጣኖም እንታይ ክገብሩ ኣለዎም፧ (ዘዳ. 31:12) [be ገጽ 16]
7. መንፈሳዊ ገነት እንታይ እዩ፧ [w01 1/3 ገጽ 8-10]
8. ምሳሌ 8:1-3 ኣምላኻዊት ጥበብ ኵሉ ሰብ ክረኽባ ኸም ዝኽእል እትገልጸልና ብኸመይ እያ: ብመሰረት ቈሎሴ 2:3 ኣበይ እያ ኽትርከብ እትኽእል፧ [w01 15/3 ገጽ 25, 28]
9. ስም ኣምላኽ ብኸመይ ከነፍልጥ ንኽእል፧ (ዮሃ. 17:6) [be ገጽ 273-5]
10. ሰባት ብዛዕባ “ወንጌል መንግስቲ” እንታይ ኣገዳሲ ነጥብታት እዮም ክፈልጡ ዘድልዮም፧ (ማቴ. 24:14) [be ገጽ 279-80]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
11. (ሀ) እቲ ኣብ ማርቆስ 13:14 “ርኽሰት” ተባሂሉ ተጠቒሱ ዘሎ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንመን እዩ ዘመልክት ነይሩ፧ (ለ) “ኣብ ዘይግብኦ ስፍራ ቘይሙ” ኽበሃል ከሎኸ ንምንታይ እዩ ዘመልክት ነይሩ፧
12. የሱስ ብትውልዱ ወራሲ ዙፋን ዳዊት ምዃኑ: ወንጌል ሉቃስ ብኸመይ ተረጋግጸልና፧ (ሉቃ. 3:23-38) [w92 1/10 ገጽ 1-2 ቍ. 3]
13. እቲ የሱስ ኣብ ሉቃስ 12:2 እተዛረቦ ነገር እንታይ መልእኽቲ እዩ ዘለዎ፧
14. ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ እታ ዝጠፍአት ድሪም እተዛረቦ ምስላ: እቲ መላእኽቲ እተሰምዖም ስምዒት ዘደንቕ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ እዩ፧ (ሉቃ. 15:10) እቲ ዘርኣይዎ ኣብነትከ ብኸመይ ክትንክፈና ኣለዎ፧
15. ኣብ ሉቃስ 22:29 እንታይ ክልተ ኺዳን እዩ ተጠቒሱ ዘሎ፧