ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ወይ ኣብ ካልእ ቲኦክራሲያዊ ኣኼባታት ዝመጹ ኣዘውቲሮም ግን ናብ ጉባኤ ዘይመጹ ሰባት ኰነ ንኻልኦት ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከሎኻ: እታ ሓድነት ኣምልኾ ናይቲ ሓደ በይኑ ሓቀኛ ዝዀነ ኣምላኽ ዘርእስታ መጽሓፍ ከተበርክተሎም ጽዓር። እቲ ውልቀ-ሰብ እታ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍን ብቕዓት እትበሃል ብሮሹርን ዘጽንዐ እንተ ዀይኑ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጅመረሉ ፍሉይ ጻዕሪ ኽግበር ኣለዎ። ሰነ:- እታ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍን ብቕዓት እትበሃል ብሮሹርን። እዚ ጽሑፋት እዚ ንዘለዎም ሰብ ቤት ካብቲ እታ ጉባኤ ኣብ መኽዘን ዘለዋ ብሮሹር ኣበርክተሎም። ሓምለን ነሓሰን:- ካብዚ ዝስዕብ 32 ገጽ ዘለዎ ብሮሹራት ዝዀነ ይኹን ምጥቃም ይከኣል:- ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧፣ ንዘልኣለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ!፣ ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧፣ እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም፣ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧፣ ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ—ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧፣ ከምኡውን እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት።
◼ ኣዘውቲሮም ኣብ ኣኼባታት ዝመጹ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ታሪኽ ዝሓዘት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኢትዮጵያ—ኣፍቀርቲ ናጽነት ዘርእስታ ብሮሹር (ኣምሓርኛ) ኸንብቡ ምትብባዕ ክወሃቦም ይከኣል እዩ። ጉባኤኹም እዛ ብሮሹር እዚኣ ኣብ መኽዘን እንተ ዘይብላ: ኣብቲ ዝቕጽል ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ኽትመልእ ትኽእል እያ።
◼ ካብ ሚያዝያ እትሒዙ ንናይ 2003 ኣውራጃዊ ኣኼባ ዘድሊ ባጅ ካርድ ምስቲ ጽሑፋት ክለኣኽ እዩ። ስለዚ ምሕታት ኣይከድልን እዩ። ከከም ጉባኤኡ ዘድሊ ካርድ ክለኣኽ እዩ። እታ ጉባኤ ተወሳኺ ባጅ ካርድ እንተ ደልያ: ብናይ ጽሑፋት መሕተቲ ቕጥዒ (S-14) ክትሓትት ኣለዋ። ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ናይ ካርድ መትሓዚ ፕላስቲክ ዝደልዩ ክሕተተሎም ኣለዎ።
◼ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ ኵሎም ኣወሃሃድቲ ተዓዘብትን ጸሓፍትን ኣድራሻን ቍጽሪ ተሌፎንን ክሕዝ ይደሊ እዩ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ለውጢ እንተልዩ: እቲ ጸሓፊ ነቲ ናይ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ/ጸሓፊ ለውጢ ኣድራሻ ዝሕብር ቅጥዒ (S-29) መሊኡ ናብ ማሕበር ብቕልጡፍ ክልእኾ ኣለዎ።
◼ ናይ ጉባኤ ጸሓፍቲ እኹል ቀረብ ናይቲ ስርዓታዊ ፓይነር ንምዃን መመልከቲ ቅጥዒ (S-205) ከምኡውን ሓጋዚ ፓይነር ንምዃን መመልከቲ ቅጥዒ (S-205b) ክሕዙ ኣለዎም። እዚ ብናይ ጽሑፋት መሕተቲ ቕጥዒ (S-14) ጌርካ ክእዘዝ ይከኣል እዩ። እንተ ወሓደ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ሓዙ። ነቲ ስርዓታዊ ፓይነር ንምዃን መመልከቲ ቅጥዒ ቕድሚ ምልኣኽኩም ብግቡእ ከም እተመልአ ኣረጋግጹ። እቶም ኣመልከትቲ ንእተጠመቑላ ዕለት ብልክዕ ክዝክርዎ ዘይክእሉ እንተደኣ ዀይኖም: ብግምት መዓስ ምዃኑ ኽመልኡ: ነታ ዕለት ድማ ኽምዝግብዋ ኣለዎም።
◼ ብጕዳይኩም ናብ ካልእ ዓዲ ምስ እትገሹ: ኣብቲ ቦታ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ናይ ወረዳ ኣኼባ: ወይ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኽትካፈሉ ምስ እትደልዩ: እዚ ኣኼባታት መዓስን ኣበይን ከም ዝግበር ንምፍላጥ ኣብታ ሃገር ዝግበር ዕዮ ስብከት ንእተወሃህድ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ሕተቱ። ኣድራሻታት ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈት ኣብ ናይ መወዳእታ ገጽ ኣብዚ ዓመት እዚ ዝወጸ ዓመት መጽሓፍ ክርከብ ይከኣል እዩ።
◼ ናይ ጉባኤ ጸሓፍቲ ነዚ ዝስዕብ ቅጥዕታት ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ንኣስፋሕቲ ድሉው ክገብሩሎም ከነዘኻኽሮም ንፈቱ:- ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት (S-4): ጸብጻብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ (S-3): ከምኡውን ካብ ቤት ናብ ቤት መመዝገቢ (S-8)። እዚ ወረቓቕቲ እዚ ኣብ ጥቓ እቲ ጸብጻባት ዝቕመጠሉ ሳጹን እንተ ተቐመጠ ዝሓሸ እዩ። ልክዕ እዩ: ኣስፋሕቲ ጸብጻቦም ንናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ኽህብዎ ይኽእሉ እዮም። ቅድሚ ሕጂ ኸም እተጠቕሰ: እዚ ወረቓቕቲ እዚ ነቲ እተሓስበሉ ዕላማ ጥራይ ደኣ እምበር ከም መዘኻኸሪ ወረቐት ኰይኑ ኸገልግል የብሉን።
◼ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ጕጅለኹም ክሳዕ ሕጂ ናይ ውጽኢት ሳጹን እንተ ዘይብላ: ብመፍትሕ ክዕጾ ዝኽእል ጥዑይ ሳጹን ከተዳልዉላ ነተባብዓኩም።