ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
12 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 11 (85)
13 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት እተመርጸ ምልክታታት። በቲ ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሓሳባት ጌርካ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብኸመይ ከም እትዕድል ዘርኢ ኽልተ እተፈላለየ መርኣያ ኣቕርብ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መርኣያ “ኣቱም ሰባት: ስለምንታይ ኢኹም ደጋጊምኩም እትመጹና፧” ንዝብል ኰላፊ ዘረባ ኸመይ ጌርካ ኸም እትምልሰሉ ዘርኢ እተፈላለየ መገዲ ኣቕርብ።—ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ገጽ 12 ርአ።
20 ደቒቕ:- “መንፈሳዊ ሸቶታት ኣውጽእ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ቍጽሪ 5 ኽትመያየጠላ ኸለኻ: ነቲ ኣብታ ኣዋር ሚኒስትሪ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 114-16 ዘሎ ስርዓታዊ ፓይነርን ቤትኤላውን ኴንካ ብዛዕባ ምግልጋል እተዋህበ ዘተባብዕ ሓሳባት ኣቕርብ።
12 ደቒቕ:- ነቶም ኣስፋሕቲ ዘጋጠሞም ተመክሮታት።
መዝሙር 4 (43)ን መዕጸዊ ጸሎትን
19 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 29 (222)
12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ኣብቲ ፍሉይ ናይ ዞባ ወፈራ እተረኽበ ዘተባብዕ ፍረ እውን ንገር።
15 ደቒቕ:- ንኸየዘራርቡና ዘፍርሆም እንታይ ኢዩ፧ ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን መርኣያታትን። ኣብ ኣገልግሎትና ብዛዕባ እምነቶም ምሳና ኽዘራረቡ ዘይደልዩ ሰባት የጋጥሙና ኢዮም። እዚ ኸኣ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸይነካፍሎም ዕንቅፋት ክዀነና ይኽእል ኢዩ። ገሊኣቶም ሰባት ንምንታይ ከዘራርቡና ኸም ዘይደልዩ እንተ ፈሊጥና: ሓሳቦም ከም ዝገልጹ ዝገብር ኣቀራርባ ኽንጥቀም ንኽእል ኢና። ከምዞም ዝስዕቡ ዓይነት ሰባት ከጋጥሙና ኸለዉ ኣቀራርባና ብኸመይ ከም እንቕይሮ ተመያየጡሉ:- (1) ብዛዕባ ናይ ርእሶም ኰነ ብዛዕባ ናይ ካልኦት ሃይማኖት ዘይግደሱ። (2) ነቲ ኻብ ኣቦታቶም ዝወረስዎ ሃይማኖታዊ ልምድታት ኣጸቢቖም ዝፈትዉ። (3) ደገፍ ዝዀኖም ጥቕስታት ብዘይምፍላጦም ብዛዕባ እምነቶም ክዘራረቡ ዘይደልዩ። (4) ተጻረርትና ብዛዕባና ብዘናፍስዎ ጸለመ ብሕማቕ ዝርእዩና። ነዚ ዝርዝር ምስቲ ዞባኹም ከም ዝሰማማዕ ጌርኩም ኣተዓራርይዎ: ኣብቲ ዞባ ኻብ ዘለዉ ሰባት ብብዝሒ ዝርአ ጠባይ ተመያየጡሉ። ንሓደ ሰብ ናብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትመርሖ ዘርኢ ሓጺር መርኣያ ኣቕርብ።
18 ደቒቕ:- “ዘመድካ ኽውገድ ከሎ ክርስትያናዊ ተኣማንነት ኣርኢ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። (ቍጽሪ 1-8) ሓደ ብቕዓት ዘለዎ ሽማግለ በቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት እናተጠቕመ የቕርቦ። ሓደ ኽኢላ ኣንባቢ ነቲ ጽሑፍ ዓው ኢሉ ኸም ዘንብቦ ይገብር።
መዝሙር 6 (45)ን መዕጸዊ ጸሎትን
26 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 17 (162)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። በቲ ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሓሳባት ገይሮም ሓደ ስርዓታዊ ወይ ሓጋዚ ፓይነር መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ: ሓደ ኣስፋሒ ኸኣ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዝዕደል መርኣያ የቕርቡ። ኵሎም ኣስፋሕቲ ኣብ ኣቀራርባኦም ጥቕሲ ኸንብቡ ኣተባብዓዮም።
17 ደቒቕ:- “ነቲ መልእኽቲ ብግቡእ ኣመሓላልፎ!” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ኣብ መደምደምታ: ኵላቶም ነታ “ናይ ዝርርብ ክእለትካ ብኸመይ ከም እተመሓይሽ” ዘርእስታ ኣብታ በነፊት ፍሮም ቲኦክራቲክ ሚኒስትሪ ስኩል ኢዱኬሽን እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 62-5 ወይ መጽናዕቲ 16 ናይታ ስኩል ጋይድቡክ ከንብቡ ኣተባብዓዮም።
18 ደቒቕ:- “ዘመድካ ኽውገድ ከሎ ክርስትያናዊ ተኣማንነት ኣርኢ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። (ቍጽሪ 9-14) ሓደ ብቕዓት ዘለዎ ሽማግለ በቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት እናተጠቕመ የቕርቦ። ሓደ ኽኢላ ኣንባቢ ነቲ ጽሑፍ ዓው ኢሉ ኸም ዘንብቦ ይገብር።
መዝሙር 16 (143)ን መዕጸዊ ጸሎትን
2 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 2 (15)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ነሓሰ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽር። ነታ ኣብ ናይ 1 ግንቦት 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 25 እትርከብ “ምስ ደቅኻ ኴንካ ኣንብብ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣሕጽር ኣቢልካ ኣጕልሓያ።
15 ደቒቕ:- ቅድሚ ምኻድካ ተዳሎ። ምይይጥን መርኣያን። ንኣገልግሎትና ጽቡቕ መደብ ነውጽእ እንተደኣ ዄንና: ኣሳልጦ ንረክብ ኢና። ስለዚ ኣቐዲምካ (1) እቲ ዘድልየካ ጽሑፋት ሓዝ። (2) ካብ ቤት ናብ ቤት እትምዝግበሉ እኹል ወረቐት ከምኡውን ፒሮ ወይ ርሳስ ሓዝ። (3) መጓዓዝያ ዘድልየካ እንተደኣ ዀይኑ: እቲ ዘድሊ ምድላው ግበር። (4) ብዛዕባ እቲ ኽትገብሮ ዝመደብካ ተመላሊስካ ምብጻሕ ሕሰብ። (5) እንታይ ከም እትብል ተዳሎ። ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ትመርሕ እንተደኣ ዄንካ: እኹል ዞባታት ሓዝ። ምስቶም ተኣከብቲ ነታ ራእይ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ወርሒ መስከረም ብኸመይ ከም እትዕድል ዘርኢ ኽልተ ወይ ሰለስተ መገድታት ተመያየጡሉ። ካብዚውን ሓደ መርኣያ ኣቕርብ: ኣብቲ ምይይጥ ድማ ሓንቲ ጥቕሲ ተጠቐም።—ሓሳባት ንምርካብ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ለካቲት 1997 ገጽ 8 ከምኡውን ለካቲት 1998 ገጽ 8 ርአ።
20 ደቒቕ:- “እዱብ ኣከዳድናን ኵለንትናዊ ኣቃውማን።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ሓደ ሽማግለ ዘቕርቦ ዀይኑ: ነፍሲ ወከፍ ሕጡብ ጽሑፍ ምስ ተመያየጡላ የንብባ። ኣብ ቅድሚ ሰባት ብዛዕባ ትርኢትና ስለምንታይ ክንግደስ ከም ዘሎና ንኽርድኡ ሓግዞም።
መዝሙር 17 (187)ን መዕጸዊ ጸሎትን