ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/02 ገጽ 1-7
  • እዱብ ኣከዳድናን ኵለንትናዊ ኣቃውማን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እዱብ ኣከዳድናን ኵለንትናዊ ኣቃውማን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ግቡእ ኣከዳድና ንኣምላኽ ከም እተኽብሮ የርኢ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ኣከዳድናኻ ንኣምላኽ የኽብሮ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ኣከዳድናናን ትርኢትናን ዜገድስ ስለምንታይ እዩ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
km 8/02 ገጽ 1-7

እዱብ ኣከዳድናን ኵለንትናዊ ኣቃውማን

1 “ኵላቶም ሰብኡት ይኹኑ ኣወዳት ክራባታ ኣሲሮም ኣለዉ። ኵላተን ኣንስቲ ይኹና ኣዋልድ ከኣ ቀምሽ ወይ ጐና ተኸዲነን ኣለዋ። ጂንስ እተኸድነ ወይ ብዘይ ክራባታ ዝመጸ ሰብ የለን። ኵላቶም ባህ ዘብሉ ኢዮም።” እዚ ጸብጻብ እዚ ኣብ ዜና ዝቐረበ ኢዩ። ብዛዕባ መን ኰን ኢዩ ዝገልጽ ነይሩ፧ ኣብ ዝሓለፈ ኽረምቲ ኣብ እተገብረ ኣውራጃዊ ኣኼባ ብዛዕባ እተረኽቡ ኣወዳትን ኣዋልድን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዩ ዝገልጽ ነይሩ። ሓደ ናይ ጸጥታ ሓላዊ ድማ “እዱባት: ንሰብ እተኽብሩ: ጽሩያትን ጽፉፋትን ኢኹም። ኵልኻትኩም ባህ እተብሉ ኢኹም። ኣብዛ ረሳሕ ዓለም ድማ ጽሩያት ክትኰኑ ኽኢልኩም ኣሎኹም” በለ። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዘብል ናእዳ ዀን ኢዩ! ከምዚ ዝኣመሰለ ናእዳ ብምርካብናስ ከነማስወሉዶ ኣይግባእን፧ ኵላቶም እቶም ተኣከብቲ ጽቡቕ ትርኢት ስለ ዝነበሮም እዚ ናእዳ እዚ ንኽወሃብ ኣበርክቶ ገይሮም ኢዮም።

2 ብትርኢትና ኻብ ካልኦት ፍልይ ዝበልና ብምዃንና ኣብ መላእ ዓለም ፍሉጣት ኢና። (ሚል. 3:⁠18) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ነቲ ‘ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስናን: ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለዎም ሰባት ከም ዝግባእ ንኽንስለም’ እተዋህበና ቕዱስ ጽሑፋዊ ማዕዳ ንስዕብ ኢና።​—⁠1 ጢሞ. 2:9, 10

3 ኣከዳድናኻን ኵለንተናዊ ኣቃውማኻን እንታይ ይሕብር፧ ኣከዳድናና ብዛዕባ እምነትናን ኣረኣእያናን ዕላማናን ኰታ ብዛዕባ እንታይነትና ንጹር መልእኽቲ የመሓላልፍ ኢዩ። ናይቲ እንኽደኖ ኽዳን ቅዲ መን ምዃንናን ንመን ከም እንውክልን ዘመልክት ኢዩ። ነቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ዘይጥዑይ ኣረኣእያን ጠባይን እነተባብዕ ክንከውን የብልናን። እቲ ዘገድሰና ነገር እቲ ቕዲ ኽዳን ኣዝዩ ዘመናዊ ድዩ ኣይኰነን ዝብል ዘይኰነስ: ንሓደ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኢየ ዝብል ሰብ ዝግባእ ድዩ ዘይግባእ ዝብል ኢዩ። (ሮሜ 12:⁠2) ነቲ ብርእስኻ ጥራይ ናይ ምኻድ መንፈስ ወይ ንብዕሉግ ኣነባብራ ዘንጸባርቕ ክዳን ዘይኰነስ: ብሓቂ ‘ንኣምላኽ ከነመስግኖ’ ከም እንደሊ ኸነርኢ ኣሎና።​—⁠1 ጴጥ. 2:⁠12

4 ሓድሓደ ግዜ ሓደስቲ: ተመክሮ ዘይብሎም: ወይ ብመንፈስ ዝደኸሙ ሰባት ኣብ የሆዋን ኣብ ማሕበሩን ዘምጽኦ ጸርፊ ብዘይ​ምስትውዓል ንዅሉ እቲ ዓለም እትስዕቦ ዓይነት ኣከዳድናን ኵለንተናዊ ኣቃውማን ይስዕቡ ይዀኑ። ብናይዛ ዓለም ኣተሓሳስባ ተጸሊና ኸይንህሉ: ኵላትና ንርእስና ኽንምርምር ኣሎና። ንሓደ ብመንፈስ ዝበሰለ ሓው ወይ ሓብቲ ቐሪብና: ብዛዕባ ኣከዳድናናን ኵለንትናዊ ኣቃውማናን ርእይቶ ኽንሓትት: ነቲ ዝወሃበና ሓሳባት ከኣ ኣርዚንና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና።

5 ገሊኣቶም ነቲ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ዝኽደንዎ ኽዳን ተጠንቂቖም ክመርጹ ኸለዉ: እቲ ፕሮግራም ምስ ተወድአ ኽዘናግዑ ኸለዉ ግን ብዛዕባ ኣከዳድናኦም ብዙሕ ግዲ የብሎምን። እቲ ንክርስትያናት ኣገልገልቲ ዝግባእ ልዑል ስርዓታት ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ኣይትቐይርዎ። (2 ቈረ. 6:⁠3, 4) ኣብ እንኸዶ ዘበለ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃንና እንልለየሉ ባጅ ክንገብር: ግቡእ ኣከዳድናን ኵለንትናዊ ኣቃውማን ድማ ክህልወና ይግባእ። ስለዚ ኣከዳድናና ‘ካብ ዓለም ከም ዘይኰንና’ ዝሕብር እዱብን ሕንኪ ዘለዎን ክኸውን ኣለዎ።​—⁠ዮሃ. 15:⁠19

6 ኣብቲ ኣብዚ ዓመት እዚ እንወስዶ “ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ንየሆዋ “እተቐደሰ ህዝቢ” ምዃንና ምእንቲ ኸነርኢ ዝከኣለና ዅሉ ንግበር። እዚ ዘሕድሮ ኣወንታዊ ጦብላሕታ “ንውዳሴን ንስምን ንኽብርን” የሆዋ ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ።​—⁠ዘዳ. 26:⁠19

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን]

ንየሆዋ እነኽብረሉ መገድታት:-

■  ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝግባእ ኣከዳድና ይሃልውካ።

■  ንመንፈስ ናይዛ ዓለም ዘንጸባርቕ ኣከዳድናን ኵለንተናዊ ኣቃውማን ንየው በሎ።

■  ሕንኪ ዘለዎ ኣከዳድና ይሃልውካ: እዚ ኸኣ ልቦናኻ ዘርኢ ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ