ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/02 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 8 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 15 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 22 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 29 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
  • 5 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
km 7/02 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

8 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 22 (130)

15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። በቲ ኣብ ገጽ 1 ዘሎ ሓሳባት ጌርካ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብኸመይ ከም እትዕድል ዘርኢ ኽልተ እተፈላለየ መርኣያ ኣቕርብ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መርኣያ “ኣብዚ ዘሎና ኣመንቲ ክርስትና ኢና” ንዝብል ኰላፊ ዘረባ ኸመይ ጌርካ ኸም እትምልሰሉ ዘርኢ እተፈላለየ መገዲ ኣቕርብ።​—⁠ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ገጽ 11 ርአ።

10 ደቒቕ:- ሕቶ ሳጹን። ሓደ ሽማግለ: ምስ ጉባኤኡ ብዝሰማማዕ መገዲ ገይሩ ብዝርርብ የቕርቦ።

20 ደቒቕ:- ናይ እግረ⁠-​መገዲ ምስክርነት ንምሃብ ድሉው ምዃን። ካብታ ኦርጋናይዝድ ቱ ኣኮምፕሊሽ ኣዋር ሚኒስትሪ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 93-4 ተመርኲስካ ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ካብ ናይ ጥሪ 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ናይ መጀመርታ ገጽ ተጠቒምካ ንሓደ ወጻእተኛ: ጐረቤት: ዘመድ ወይ ምሳኻ ሌላ ንዘለዎ ሰብ ንኽትምስክረሉ እተጠቐምካሉ ክልተ ወይ ሰለስተ መገድታት ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ።

መዝሙር 18 (162)ን መዕጸዊ ጸሎትን

15 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 23 (200)

7 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።

18 ደቒቕ:- “ከምኡ ጕየዩ።” ኣብ ናይ 1 ጥሪ 2001 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 28-31 እተመርኰሰ ዝርርብ።

20 ደቒቕ:- መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎትና ንኽንጥቀመሉ ዝድርኸና ርጡብ ምኽንያታት። ብዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ብምምይያጥን ዝቐርብ። የሱስ ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት ዓሚቝ ፍልጠት ነይርዎ ኢዩ: ክምህር ከሎ ኸኣ ብተደጋጋሚ ይጠቅስ ነበረ። (ሉቃ. 24:​27, 44-47) እቲ ዝምህሮ ዝነበረ ካብ ገዛእ ርእሱ ኣይኰነን ነይሩ። (ዮሃ. 7:⁠16-18) ንሕናውን ቃል ኣምላኽ ክንጥቀም ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። ካብቲ ንሕና ብቓልና እንዛረቦም ንላዕሊ ዝያዳ ሓይሊ ኣለዎ። (ዮሃ. 12:⁠49, 50፣ እብ. 4:⁠12) ቅኑዓት ሰባት በቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝህቦ ምጽንናዕን ተስፋን ይሰሓቡ ኢዮም። ኣብ ኣቀራርባኻ እንተ ወሓደ ሓንቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ንምንባብ ዕላማ ይሃልኻ። ኣብዚ ወርሒ እዚ ንኽትጥቀመሉ ኣብ እተዳለወ ኣቀራርባ መጽሔት እተጠቕሰ ጥቕስታት ኣጕልሕ። ኣሕዋት ኣብ ኣገልግሎቶም ብኸመይ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝጥቀሙ: እዚ ድማ ኣባታቶምን ኣብቶም ዝሰብኩሎም ሰባትን እንታይ ጽልዋ ከም ዘሕደረ ገለ ሓሳባት ክህቡ ዓድሞም።

መዝሙር 2 (15)ን መዕጸዊ ጸሎትን

22 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 11 (85)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣብ ኣገልግሎት ሓቢሮም ዝዓዩ ወላድን ውሉድን ነቲ ኣብ ገጽ 1 ዘሎ መርኣያ ተጠቒሞም ብኸመይ መጽሔት ከም ዘበርክቱ መርኣያ የቕርቡ። እቲ ሓደ ግምቢ ዘብዐኛ ክዕድል ከሎ እቲ ሓደ ኸኣ ንቕሑ! ይዓድል። ወለዲ ንውሉዳቶም ኣብ ኣገልግሎት በብቕሩብ ከለማምድዎም ኣተባብዓዮም።

17 ደቒቕ:- ንሓደ ብዛዕባ ምስልምና ሕቶ ዘበግስ ሰብ እንታይ ኢልካ ምመለስካሉ፧ ዝርርብን መርኣያን። ነታ ማንካይንድስ ሰርች ፎር ጎድ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ምዕራፍ 12 ዘሎ ሓሳባት ተጠቒምካ: ኣብ መንጎ መጽሓፍ ቅዱስን ቍርኣንን ዘሎ ርክብ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። (ነቲ ኣብ ገጽ 285 ዘሎ ሳጹን ርአ።) ብዛዕባ ነፍሲ (ገጽ 297-300) ነቲ ኣብ መንጎ ትምህርቲ ምስልምናን መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ መግለጽን ዘሎ ፍልልይ ኣነጻጺርካ ግለጽ። (ኣብ ገጽ 299 ዘሎ እግረ⁠-​ጽሑፍ ርአ።) ነቲ ኣብ ገጽ 375-9 ናይ መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) ዘሎ ሓሳባት ተጠቒምካ ንሓደ ተገዳስነት ዘርኣየ ሓድሽ ሰብ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ነፍሲ ዝህቦ ሓሳባት ብኸመይ ከም እትገልጸሉ ዘርኢ መርኣያ ኣቕርብ።

18 ደቒቕ:- “ጽቡቕ ናይ ኣመጋግባ ልምዲ ኣማዕብል።” ሓደ ሽማግለ ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 21-23 ቍጽሪ 11-18 ተመርኲሱ ዝርርብ የቕርብ: ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ቐንዲ ቐንዲ ነጥብታት ዘጕልሕ ናይ ድግማ ሕቶታት ብምቕራብ ይድምድም።

መዝሙር 16 (143)ን መዕጸዊ ጸሎትን

29 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 12 (113)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ሓምለ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽር።

10 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ

25 ደቒቕ:- “ስሙራት ኩኑ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ቍጽሪ 3 ክትመያየጠላ ከሎኻ ነቲ ኣብ 22 ሚያዝያ 2000 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 9-10 ዘሎ ሓሳባት ኣቕርብ። ቍጽሪ 4 ካብቲ ኣብ ናይ 1 ሚያዝያ 1995 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 16-17 ቍጽሪ 4-6 ዘሎ ሓሳባት ገይርካ ኣቕርባ።

መዝሙር 29 (222)ን መዕጸዊ ጸሎትን

5 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 7 (51)

13 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታትን ተመክሮታትን። ኣሕዋት ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ብምግልጋሎም ወይ ኣብ ካልእ መንፈሳዊ ንጥፈታት ብምጽማዶም ዝረኸብዎ ዝሃንጽ ተመክሮታት ከካፍሉ ዓድሞም።

20 ደቒቕ:- “ንሓድሕድና እንጸናንዓሉ ፍሉይ ኣጋጣሚ።” ምስ ሰማዕቲ ብምምይያጥ ዝቐርብ ዝርርብ። ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ንምክፋል ህንጥዮት ከም ዝሓድሮም ግበር። ኵሎም ካብ ዓርቢ ንግሆ ኣትሒዞም ክሳዕ ሰንበት ምሸት ክእከቡ ኣተባብዓዮም።

12 ደቒቕ:- “ኵሉ ሳዕ ሰናይ ንምግባር ተጋደሉ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሰናይ ባህሪ ከርእየሉ ዘለዎ ምኽንያት ስለምንታይ ምዃኑ ግለጽ።

መዝሙር 28 (224)ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ