ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
14 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 4 (43)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት።
25 ደቒቕ:- ካብቲ ብሕያውነት እተገብረ ምድላው ጥቕሚ ምርካብ። ሓደ ብቕዓት ዘለዎ ሽማግለ ዘቕርቦ ዝርርብ። ነቲ ንሕክምና ዝምልከት ውሳነታት ኽንገብር ከሎና ንኽሕግዘና ተባሂሉ እተዳለወ ኸም ሕክምናዊ መምርሒ ካርድ ከምኡውን ኣብ ናይ 15 ሰነ 2000: ናይ 15 ጥቅምቲ 2000 ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ ኣብቲ ዝርርቡ የቕርቦ። እታ ጉባኤ እኹል ቀረብ ናይ ቅድመ-ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድ ከምኡውን ወረቐት መንነት ክህልዋ ኣለዎ። እዚ ሰነዳት እዚ ሎሚ ምሸት ድሕሪ ኣኼባ ንእተጠምቁ ኣስፋሕቲ ዝወሃብ እኳ እንተዀነ: ክምላእ ግን የብሉን። ክታም: ምስክርነት: ከምኡውን ዕለት ናይቲ ካርድታት ኣብታ ቐጺላ ዘላ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ: ብሓገዝ ናይቲ መራሒ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ኢዩ ዝግበር። እቶም ከም መሰኻኽር ኰይኖም ዝፍርሙ እቲ ወናኒ ናይቲ ሰነድ ክፍርም ከሎ ክርእይዎ ኣለዎም። ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ካብዚ ካርድ እዚ ሓሳባት ብምውሳድ ምስ ናይ ገዛእ ርእሶም ኵነታትን ምርዳእን ብምስምማዕ: ንገዛእ ርእሶምን ደቆምን ዝኸውን መምርሒ ኽጽሕፉ ይኽእሉ ኢዮም።
10 ደቒቕ:- “መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል።” ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዝዕደል መርኣያታት ኣቕርብ። ኵሎም ኣስፋሕቲ ንመዓልቲ መጽሔት ደገፎም ክህቡ ኣተባብዕ።
መዝሙር 7 (51)ን መዕጸዊ ጸሎትን
21 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 6 (45)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ነታ “እተወሰነ መድቡ” ዘርእስታ ሳጹን ኣቕርባ።
13 ደቒቕ:- ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ትምርምሩዶ ኣለኹም፧ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ዝገብርዎ ምይይጥ። ካብ ዕለት ጥቕሲ ብዝያዳ ኽጥቀሙ ስለ ዝደልዩ: በቲ ኣብ ናይ 15 ታሕሳስ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 18 ቍጽሪ 13-14 ዘሎ ሓሳባት ይመያየጡ። ክልተ ወይ ሰለስተ ኣብ ቀረባ ግዜ እተገብረ ዕለት ጥቕሲ ኣሕጽር ኣቢሎም የቕርቡ: እቲ ትምህርቲ ብፍላይ ጠቓሚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ይገልጹ። እዚ ምድላው እዚ ኣባላት ስድራቤት ንጡፋት ንኽዀኑ ዝሕግዝ ሓደ ኽፍሊ ስሩዕ ናይ ስድራቤት መጽሓፍ ቅዱሳዊ መጽናዕቲ ክኸውን ከም ዘለዎ የጕልሑ።
22 ደቒቕ:- “ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ኻብ ምሃብ ኣይተቋርጽ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ኣብ ናይ 1 መስከረም 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 19-21 ዝርከብ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ዝትንክፍ ገለ ሕቶታት እውን ሕተት።
መዝሙር 16 (143)ን መዕጸዊ ጸሎትን
28 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 12 (113)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ጥሪ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽር። በቲ ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሓሳባት ገይርካ መጽሔት ብኸመይ ከም እትዕድል ዘርኢ ኽልተ ሕጽር ዝበለ መርኣያ ኣቕርብ። ነቲ ጉባኤኹም ኣብ መኽዘን ዘለዋ መጻሕፍቲ ብምጥቃስ: ኣብ ወርሒ ለካቲት እንታይ ጽሑፋት ከም ዝዕደል ግለጽ።
20 ደቒቕ:- “ወለዲ—ንውሉዳትኩም ካብ ሕጻንነቶም ጀሚርኩም ኣላምድዎም።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 32 ዘሎ ሓሳባት ኣቕርብ። ንውሉዳቶም ካብ ሕጻንነቶም ጀሚሮም ብመንፈሳዊ መገዲ ብምልማድ ጽቡቕ ፍረ ዝረኸቡ ወለዲ ተመክሮኦም ንኸዘንትዉ ዓድሞም።
15 ደቒቕ:- ኣብታ ኣብ ናይ 1 ሕዳር 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 20-23 እትርከብ “መንፈስ ልግሲ ክዓስል ከሎ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ተመርኲሱ ዝቐርብ ዝርርብ። ኣብቲ ዓዲ ግብራዊ ክኸውን ዝኽእል ነገራት ጥራይ ኢዩ ኽጥቀስ ዘለዎ። ንህንጸት ኣደራሻት መንግስቲ: ንፍሉያት ፓይነራት: ናይ ዓበይቲ ኣኼባታት ዝግበረሉ ቦታታት ክራይ: ከምኡውን ጽሑፋት ንምሕታም ገንዘብ ከም ዘድሊ ጥቐስ። ኵሉ ሰብ ወፈያ ናይ ምሃብ መሰል ከም ዘለዎ ኣጕልሕ።
መዝሙር 13 (124)ን መዕጸዊ ጸሎትን
4 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 26 (212)
8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኵላቶም ነታ “ንወርሓት መርዓ ዝኸውን መዘኻኸሪታት” ዘርእስታ ዓንቀጽ ከስተውዕሉላ ኣዘኻኽሮም።
17 ደቒቕ:- “ከመይ ገይሮም ክሰምዑ ኢዮም፧” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ኣብ ኣወዓዕላ ናይቲ ጥቕሲ ነቶም ተኣከብቲ ሓሳብ ንኽህቡ ሕተቶም። ነቲ ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 20 ዝርከብ ናይ ቍጽሪ 17ን 18ን ሕቶታት እውን ሕተቶም።
20 ደቒቕ:- “ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክትጥቀመሉ እትኽእል ኣቀራርባ።” ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዘቕርቦ ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። እዚ እታው እዚ ኣቐዲሙ ኣብ ዝወጸ ሕታማት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝርከብን ሓደስትን ኣቀራርባታት ዝሓዘ ኢዩ። እቲ ኸይተጻሕፎ ተገዲፉ ዘሎ ቦታ ኣብ መጻኢ ዝወጽእ እሞ ኣብ ከባቢኹም ውጽኢታዊ ዝዀነ ኣቀራርባታት ክጸሓፈሉ ይከኣል ኢዩ። እቶም ተኣከብቲ ነየናይ ኣቀራርባ ብፍላይ ከም ዝፈትዉዎን ስለምንታይን ከም ዝፈተዉዎን ክነግሩ ዓድሞም። ኣብ ወርሒ ለካቲት ንዝዕደል ጽሑፍ ክትጥቀመሉ እትኽእል ሓደ ወይ ክልተ ኣቀራርባ ብመርኣያ ኣቕርብ። ኵሎም ኣስፋሕቲ ነቲ እታው ከቐምጥዎን ንኣገልግሎት ክዳለዉ ኸለዉ ኽጥቀሙሉን ኣተባብዓዮም።
መዝሙር 28 (224)ን መዕጸዊ ጸሎትን