ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/02 ገጽ 1
  • ‘ከመይ ገይሮም ክሰምዑ ኢዮም፧’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ከመይ ገይሮም ክሰምዑ ኢዮም፧’
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • መዓልቲ የሆዋ እናቐረበት ክትከይድ ከላ ንሰባት ብኸመይ ክንርእዮም ኣሎና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ነቲ መሓሪ ዝዀነ “ፈራድ ኵላ ምድሪ” እመኖ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
km 1/02 ገጽ 1

‘ከመይ ገይሮም ክሰምዑ ኢዮም፧’

1 የሱስ “ቅድም ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል ኪስበኽ ከኣ ብግዲ እዩ” ብምባል ኣትሪሩ ተዛሪቡ ኢዩ። (ማር. 13:10) ብርቱዕ ጻዕሪ እኳ እንተ ገበርና: ገና ብኣማእታት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ብብሕቲ ምስክርነት ዘይተዋህቦም ሰባት ኣለዉ። ገሊአን መንግስታት ንዕዮና ኣጊደንኦ ኣለዋ። ናይ ብዙሓት ሃገራት ብዝሒ ህዝቢ ቕልጡፍ ወሰኽ ይገብር ኣሎ። ስለዚ ‘ከመይ ገይሮም ክሰምዑ ኢዮም፧’​—⁠ሮሜ 10:⁠14

2 ኣብ የሆዋ እምንቶ ይሃሉኻ:- የሆዋ ንኣልባብ ሰባት ከም ዝፈልጦ ኽንዝክር ኣሎና። ኵነታት ሓደ ውልቀ⁠-​ሰብ ብዘየገድስ: ብቕንዕና ብዛዕባ ኣምላኽ ሓቂ ምእንቲ ኽፈልጥ እንተድኣ ሃሰስ ኢሉ ክረኽቦ ኢዩ።​—⁠1 ዜና. 28:⁠9

3 ኣብርሃም ኵነታት ተቐማጦ ሶዶምን ጎሞራን ኣተሓሳሲብዎ ነበረ። ኣምላኽ ግን ሶዶም ዓሰርተ ጻድቃን እኳ እንተ ተረኺቦማ ኸም ዘየጥፍኣ ኣረጋገጸሉ። (ዘፍ. 18:⁠20, 23, 25, 32) የሆዋ ንጻድቕ ምስቲ ረሲእ ኣጥፊኡ ኣይፈልጥን ኢዩ፣ እዚ ድማ ንሎጥን ኣዋልዱን ከድሕኖም ከሎ ተራእዩ ኢዩ።​—⁠2 ጴጥ. 2:⁠6-9

4 ሓደ ግዜ ኤልያስ ካብቶም ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዘገልግሉ ንሱ በይኑ ጥራይ ዝተረፈ መሲልዎ ነይሩ። የሆዋ ግን በይኑ ኸም ዘይተረፈን እቲ ንሱ ዝጀመሮ ዕዮ ድማ ኸም ዝፍጸምን ኣረጋገጸሉ። (1 ነገ. 19:⁠14-18) ብዛዕባ እዚ ግዜናኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧

5 ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ትሑዝ ኩን:- እዚ ዕዮ ስብከት ብሕጂ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝሰፍሕ ኣይንፈልጥን ኢና። ናይዚ ዕዮ እዚ ሓላፊ የሆዋ ኢዩ: ንመላእኽቱ ድማ ክዕዘቡ መዝነት ሂብዎም ኣሎ። (ራእ. 14:⁠6, 7) እቲ ምስክርነት ንዅሎም ኣህዛብ ክሳዕ ክንደይ ክወሃብ ከም ዘለዎ ዝውስን ንሱ ኢዩ። የሆዋ እንተ ደልዩ: ብዙሓት ተወሰኽቲ ሰባት “ቃል ወንጌል” ምእንቲ “ኪሰምዑን ኪአምኑን” ንሕና ብዘይ​ሓሰብናዮ መገዲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝዝርጋሕ ክገብር ይኽእል ኢዩ። (ግብ. 15:⁠7) የሆዋ ፈቃርን ጥበበኛን ፍትሓውን ኣምላኽ ብምዃኑ ዝገብሮ ተግባራት ምስ ባህርያቱ ምሉእ ብምሉእ ዝሰማማዕ ኢዩ።

6 ኵሉ ሰብ ነቲ ብስራት ክሰምዕ ዝከኣለና ዅሉ ብምግባር ምስ ፍቓድ የሆዋ ተሰማሚዕና ምዕያይ ዓቢ መሰል ኢዩ።​—⁠1 ቈረ. 9:⁠16

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ