ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ኻብ ምሃብ ኣይተቋርጽ
1 ቍጠባዊ ጸቕጥታት ወይ ካልእ ጸገማት ከጋጥመና ኸሎ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ምሃብን ቀዳመይ ቦታ ሒዛ ኸም እትቕጽል ምግባርን ቀሊል ኣይኰነን። ጸገማት እናኣጋጠመና ኸሎ ከመይ ገይርና ኢና ንመንግስቲ ኣምላኽ ብዘይምቍራጽ ቀዳማይ ቦታ ኽንህባ እንኽእል፧ ካብ ኣኼባታት ከም እነብኵር ዝገብር ወይ ንኣገልግሎትና ዕንቅፋት ዝኸውን ስራሕ እንተ ረኸብና እንታይ ኢና እንገብር፧ ኣብቲ ግዜ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ካልኣይ ቦታ ድያ ኽትሕዝ ዘለዋ፧
2 ድልድልቲ እምነት ተድሊ:- ብኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እምነትና ምስ እትፍተን: ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ደሊና መለኮታዊ ሓገዝ ከም እንረክብ የሆዋ ዝኣተዎ መብጽዓን የሱስ ዝሃበና መረጋገጽን ክንርስዖ የብልናን። (መዝ. 37:25፣ ማቴ. 6:31-34) ዓለማዊ ጽልዋታትን ጸቕጥታትን ንኣረኣእያና ኸጸልምቶን ነታ መንግስቲ ቐዳምነት ከም ዘይንህብ ክገብረናን ይኽእል ኢዩ። ገሊኣቶም ኣብ ስራሕ ዝለዓለ ቦታ ምሓዝን ቍጠባዊ ረብሓታት ምርካብን ናይ ህይወቶም ቀንዲ ሸቶ ገይሮሞ ኢዮም። ይኹን እምበር: ከም ጳውሎስ እቲ ኣብ ህይወት ናይ ሓቂ ዋጋ ዘለዎ እንታይ ምዃኑ ኸነመዛዝን ኣሎና።—ፊል. 3:7, 8
3 ምትዕርራይ ክትገብር የድልየካዶ፧ ሓንቲ ኣስፋሒት ከምዚ በለት:- “ልበይ ኣብ ስርሐይ ኢዩ ነይሩ: እወ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኢየ ዝፈትዎ ነይረ። ዝበዝሕ ግዜይ ንስራሕ እናኣውዓልኩ ገና ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ክቕጽል እኽእል ኢየ ዝብል ስምዒት ነበረኒ።” እንተዀነ ግን: ንየሆዋ ንምግልጋል ዝያዳ ኽትገብር ከም እትኽእል ዘየቋርጽ ስምዒት ሓደራ። ድሕሪ ግዜ: እቲ ንመንፈሳዊ ዕቤታ ዕንቅፋት ኰይንዋ ዝነበረ ስርሓ ገደፈቶ። ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ውፍይቲ ምስ ኰነት ድማ “ሕጂ ህይወተይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዕዉትቲ ኸም ዝዀነት ይስምዓኒ: እዚ ኸኣ ኢዩ እቲ ብሓቂ ዘገድስ” በለት።
4 ብዙሓት ኣስፋሕቲ ንዓለማዊ ስርሖምን ብዙሕ ገንዘብ ክረኽቡሉ ዝኽእሉ ዝነበሩ ኣጋጣሚታትን ብምግዳፎም: ንናብርኦም ቀሊል ብምግባሮም: ከምኡውን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብምጅማሮም ዝነኣዱ ኢዮም። ኣብ ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ እተኻፈሉ ንጽል መንእሰያት ኣገልገልቲ ጉባኤን ሽማግለታትን ነዚ ገይሮሞ ኢዮም: ስለዚ ኸኣ ዘደንቕ መሰላት ኣገልግሎት ረኺቦም ኣለዉ። ነቲ ጳውሎስ ዝገደፈሎም ብሉጽ ኣብነት ብምቕዳሕ በቲ መሰረታዊ ነገራት ዕጉባት ኢዮም።—1 ቈረ. 11:1፣ 1 ጢሞ. 6:6-8፣ እብ. 13:5
5 ነቲ ብዛዕባ ህይወት ዘሎና ኣረኣእያ ዓለም እተላግጸሉ እኳ እንተዀነት: ንሕና ግን በረኸት የሆዋ ኣሎና። (1 ቈረ. 1:26-31) የሆዋ ዓቕምና ብዝፈቕዶ ምሉእ ብምሉእ ኽጥቀመልናን ዕዮኡ ንምፍጻም ኽሕግዘናን ምዃኑ ምፍላጥና ዘተባብዕዶ ኸይኰነ፧ እዚ ሕጂ ረኺብናዮ ዘሎና ብዛዕባ እታ ቘይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምእዋጅ ኣጋጣሚ ዘይድገም ዕዮ ኢዩ። ስለዚ ከየቋረጽና ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ እንህበሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ።