ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም
ቀንዲ ኣርእስቲ ናይቲ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ኣገልግሎት ዝውሰድ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም “ንኣምላኽ ተገዝእዎ: ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ” ዝብል ድልዱል ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ዘለዎ ኢዩ። (ያእ. 4:7) እዚ ትምህርቲ እዚ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ዘድልየና ጥዑይ መምርሒ ኢዩ! ንትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላውና ምስ ሰይጣን ፊት ንፊት ከም እንጋጠም ኢዩ ዝገብረና። ካብዚ ፕሮግራም እዚ ነቲ ሰይጣን ዝኣለሞ ንእምነትና ኸጥፍኦ ዝኽእል እኩይ ውዲታት ብኸመይ ጸኒዕና ኸም እንቃለሶ ኽንማሃር ኢና። ካብዚ ኣሰምብሊ እንታይ መንፈሳዊ መዝገብ ኢና ኽንረክብ፧
እቲ ገያሺ ተዓዛቢ ኣብቲ “ከም ስድራቤት መጠን ንስርዓታት ኣምላኽ ንገዛእ” ዘርእስቱ ዝርርብ: ስድራቤታት ንስርዓታት ኣምላኽ ምስ ዝግዝኣ ካብ ዓለም ዝመጽእ ጸቕጥታት ብኸመይ ከም ዝዋጻኣሉ ኽገልጽ ኢዩ። እቲ በጻሒ ተዛራባይ በታ መዓልቲ እቲኣ ዘቕርቦ ናይ መጀመርታ ዝርርብ “ንድያብሎስ ምጽራር ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ዀይኑ: ሰይጣን መንፈሳውነትና ንምብልሻው ዝገብሮ ጻዕሪ ንምፍሻል ስለምንታይን ብኸመይን ወሳኒ ስጕምቲ ኽንወስድ ከም ዘሎና ዝገልጽ ኢዩ። ብፍላይ ክልተ ኽፍልታት ነቶም ካብ ፍሕሶ ሰይጣን ክጥንቀቑ ዘለዎም መንእሰያት ኢልካ እተዳለወ ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ዓበይቲ ሰባት ዝዀኑ ብዙሓት ክርስትያናት: ብግዜ ንእስነቶም ደድሕሪ ፍትወት ዓለም ኣይጐየዩን። ገለ ኻብዚኣቶም ተመክሮታቶም ከዘንትዉልና ኸለዉ ኽንሰምዕ ኢና።
ኵሎም ኣባላት ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ንስልጣን ክግዝኡ ኣለዎም። ስለዚ እቲ በጻሒ ተዛራባይ ኣብ መዛዘሚ ዝርርቡ ንስርዓታት ኣምላኽ ዘሎና ተገዛእነት እነርእየሉ ኣርባዕተ መዳያት ከጕልሕ ኢዩ። እዚ ድማ (1) ንመንግስታት: (2) ኣብ ጉባኤ: (3) ኣብ ዓለማዊ ስራሕ: ከምኡውን (4) ኣብ ስድራቤት ኢዩ። ከመይ ዝበለ ጠቓሚ ፕሮግራም ኰን ኢዩ ክኸውን!
እቶም ኣብቲ ኣሰምብሊ ኽጥመቑ ዝደልዩ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ንኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ኸፍልጥዎ ኣለዎም። ኵላትና ነታ መዓልቲ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕና ምልክት ክንገብረላን ኣብቲ ፕሮግራም ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ንኽንካፈል መደብ ከነውጽእን ኣሎና። ንየሆዋ ክሳዕ እተገዛእናዮ: ዘለኣለማዊ በረኸት ክንረክብ ኢና።