ሓይሊ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ተወከል
1 ኣብ የሆዋ ንኽንውከል ዝገብረና ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። ነቲ ብስራት “ኣብ ብዘላ ዓለም” ምስባኽ በዳሂ መዝነት ኢዩ። (ማቴ. 24:14) ምስዚ ዘይፍጹም ስጋና ዘየቋርጽ ቓልሲ ኣሎና። (ሮሜ 7:21-23) ኣብ ርእሲ እዚውን “ቕልስና . . . ምስ [ልዕለ-ሰብኣዊ] ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለም . . . እዩ።” (ኤፌ. 6:11, 12) ብርግጽ እምበኣር ሓገዝ የድልየና ኢዩ። ካብ የሆዋ ሓይሊ ኽንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ብጸሎት:- የሆዋ ነቶም ዝልምንዎ ኣገልገልቱ መንፈስ ቅዱስ ኣብዚሑ ይህቦም ኢዩ። (ሉቃ. 11:13) ካብ ቤት ናብ ቤት ወይ ኣብ መገዲ ኣብ ዝግበር ምስክርነት እኹል ክእለት ዘይብልካ ዀይኑ ይስምዓካ ድዩ፧ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ንምሃብ ትሓፍር ዲኻ፧ ኣብ ዞባኻ ዝርከቡ ሰባት ዘርእይዎ ዘይምግዳስ ንቕንእኻ ኣጕዲልዎ ድዩ፧ ኣብ እምነትካ ወይ ንጽህናኻ ንኽትለማመጥ ጸቕጢ እንተ ተገይሩልካ እንታይ ምገበርካ፧ ኣብ የሆዋ ተወከል። ሓይሊ ኽወሃበካ ኸኣ ጸሊ።—ፊል. 4:13
3 ብናይ ብሕቲ መጽናዕቲ:- ከምቲ ስጋዊ መግቢ ብምምጋብ ሓይሊ እንረክብ: ቃል ኣምላኽን እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዘዳልዎ ጽሑፋትን ብቐጻሊ ብምምጋብ እውን ብመንፈሳዊ መዳይ ንበራታዕ ኢና። (ማቴ. 4:4፣ 24:45) ሓደ ኣብ ቻይና ብዘይ መጽሓፍ ቅዱስ ንበይኑ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ሓደ ኽፍሊ እተኣስረ ስታንሊ ጆንስ ዝበሃል ሓው: ክጸንዕ ዝኸኣለ ብኸመይ ምዃኑ ምስ ተሓትተ “ኣብ እምነትና ክንጸንዕ ንኽእል ኢና። ልክዕ ኢዩ: ኣቐዲምና መጽናዕቲ እንገብር ክንከውን ኣሎና። መጽናዕቲ ዘይንገብር እንተድኣ ዄንና ውሽጣዊ ብርታዐ የብልናን” በለ።
4 ኣብ ኣኼባታት ብምክፋል:- ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ዝግበር ዝነበረ ክርስትያናዊ ኣኼባ: ይሁዳን ሲላስን “ነቶም ኣሕዋት ብብዙሕ ቃል መዐድዎምን ኣበርትዕዎምን።” (ግብ. 15:32) ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ኣብ ጉባኤ እንመሃሮ ነገራት ንየሆዋ ዘሎና ሞሳ የዕብዮ: እምነትና የደልድሎ: ንኸነገልግል ድማ የለዓዕለና ኢዩ። ኣኼባታት ምስቶም ‘ንመንግስቲ ኣምላኽ ምሳና ዘገልግሉ ንምጽንናዕውን ዝዀኑና’ ሰባት ብቐጻሊ የራኽበና ኢዩ።—ቈሎ. 4:11
5 ኣብዚ “ክፉእ ዘመን” እዚ ሓገዝ የድልየና ኢዩ። (2 ጢሞ. 3:1) ብዛዕባ እቶም ካብ የሆዋ ሓይሊ ዝረኽቡ “ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ: ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን: ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን” ዝብል መረጋገጺ ተዋሂቡና ኣሎ።—ኢሳ. 40:31