ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ሕዳር:- ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ወይ ከኣ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ሰባት እዚ ጽሑፋት እዚ እንተ በጺሕዎም: ካብ ናይ ቀደም ጽሑፋት ክዕደል ይከኣል ኢዩ። ታሕሳስን ጥርን:- ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ። ለካቲት:- ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! ወይ ዝዀነ ይኹን ኣብ መኽዘን ናይታ ጉባኤ ዝርከብ ቀደም እተሓትመ 192 ገጽ ዘለዎ መጽሓፍ።
◼ እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሓው 1 ታሕሳስ ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ክምርምሮ ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ ደድሕሪ እቲ ኣብ ቀጻሊ ግዜ ዝህሉ ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ነታ ጉባኤ ምልክታ ይንገር።
◼ እቶም ኻብ መጋቢት ክሳዕ ግንቦት ግዝያዊ ፍሉይ ፓይነር ኴንካ ኣብ ዝግበር ናይዚ ዓመት እዚ ናይ ፍሉይ ዞባታት ወፈራ ኽካፈሉ ዝደልዩ ስርዓታውያን ፓይነራት ወይ ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ: ክሳዕ 31 ታሕሳስ 2001 ነዚ ዝስዕብ ዝርዝራት ኣብ A-4 ዝዓቐኑ ወረቐት ጽሒፎም ክልእኹ ኣለዎም:- 1) ስም፣ 2) ዕድመ፣ 3) ዕለት ጥምቀት፣ 4) ንጽል ወይስ በዓል ሓዳር: ቁጽሪ እትኣልዮም ሰባት፣ 5) ከተገልግለሉ እትኽእል ኣዋርሕ [መጋቢት-ግንቦት፧]፣ 6) እትፈልጦ ቋንቋ፣ 7) እቲ ኣመልካቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዝግበር ኣገልግሎት ስርዓታዊ ዀይኑ ይካፈል ድዩ ኣይካፈልን ይተሓበር። ድሕርዚ እቶም ናይታ ጉባኤ ናይ ኣገልግሎት ኮሚተ ምሕጽንታ ክውስኹሉን ክታም ከንብርሉን ኣለዎም።
◼ ኣብ መኽዘን ዘሎ ሓደስቲ ጽሑፋት:- እንግሊዝኛ:- T-71 ዳዝ ፌት ሩል ዮር ላይፍ፧፣ T-72 ዘ ግሬተስት ኔም (ንኣመንቲ ምስልምና)፣ T-73 ሁ ኣር ጂሆቫስ ዊትነስስ፧፣ T-74 ሄልፋየር—ኢዝ ኢት ፓርት ኦቭ ዲቫይን ጃስቲስ፧ ፈረንሳይኛ:- ጋይዳንስ ኦቭ ጎድ፣ ናይ 2000 ጥሙር ጥራዝ ንቕሑ!
◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ዝመጸ:- ዓረብኛ:- ፍልጠት: ብቕዓት። እንግሊዝኛ:- ባይብል—ጎድስ ዎርድ ኦር ማንስ: ትንቢት ዳንኤል: ፍልጠት: መጽሓፈይ: መንእሰያት ዝሓትዎ: ጅሆቫስ ዊትነስስ ኤንድ ኢዱኬሽን: ኢንደክስ 30-85: ትርጕም ሓዳስ ዓለም (bi12): ሳብሚሽን: ኣውድዮ ካሴታት:- ሓጐስ ስድራቤት: መጽሓፈይ፣ ዘፍጥረት: ዘጸኣት: 1 ሳሙኤል: 2 ሳሙኤል: 1 ነገስት: 2 ነገስት: 1 ዜና መዋእል: 2 ዜና መዋእል: እዝራ: ምሳሌ: ሮሜ: ሲንግ ፕረይዝስ (8 ካሴት ኣብ ሓደ ኣልቡም)፣ ሲንጊን ኪንግደም ሶንግስ: ጂሆቫስ ጃጅመንት፣ ሲዲ:- ኪንግደም ሜሎዲስ ቍ. 4, 6, 7፣ ቪድዮ ካሴታት:- ሪል ፍሬንድስ: ቱ ዘ ኤንድስ ኦቭ ዘ አርዝ። ፈረንሳይኛ:- ብቕዓት።