ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/01 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 11 ሰነ እትጅምር ሰሙን
  • 18 ሰነ እትጅምር ሰሙን
  • 25 ሰነ እትጅምር ሰሙን
  • 2 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
km 6/01 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

11 ሰነ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 85

10 ደቒቕ:- ናይ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። ነታ 25 ሰነ ኣብ እትጅምር ሰሙን ዝህሉ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ እትመያየጡላ ጂሆቫስ ዊትነስስ ስታንድ ፈርም ኣጌንስት ናዚ ኣሶልት ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ኵሎም ክርእይዋ ኣተባብዓዮም።

15 ደቒቕ:- “ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ።” ብሽማግለ ዝቐርብ ዘተባብዕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዝርርብ።

20 ደቒቕ:- “ልቢ ተማሃራይካ ተንክፍ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ሓደስቲ ሰባት ንየሆዋን የሱስን ምእንቲ ኸፍቅርዎምን እምነት ከሕ​ድሩሎምን ብኸመይ ክሕገዙ ኸም ዝኽእሉ ተግባራዊ ዝዀነ ሓሳባት ሃብ። ኣብ ናይ 15 ሓምለ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 14 ቍጽሪ 18-20 ዘሎ ቐንዲ ነጥብታት ተጠቐም።

መዝሙር 130ን መዕጸዊ ጸሎትን

18 ሰነ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 93

12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ንዀለፍቲ ዘረባ ምምላስ። ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ካብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን እትበሃል ጽሕፍቲ ኣብ ገጽ 7-9 ዝርከብ “ርእይቶታት” ኣቕርቦ። ካብቲ ኻብ ገጽ 7-12 ዝርከብ ኣብ ዞባኹም ዘጋጥም ተቓውሞ ገለ ምረጽ። ንተኣከብቲ ኣየናይ መልሲ ኣስላጢ ዀይኑ ኸም ዝረኸብዎን ምኽንያቱን ክገልጹ ዓድሞም።

18 ደቒቕ:- “ ‘እኹል’ ክርስትያን ዲኻ፧” ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 26-29 ተመርኲሱ ብሕቶን መልስን ዝቐርብ።

15 ደቒቕ:- ሓደ ሽማግለ ኣብታ “ንዝፍጠር ዘይምርድዳእ ብኸመይ ኢኻ እተደቅሶ፧” ዘርእስታ ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 23-25 እትርከብ ዓንቀጽ ተመርኲሱ ዘቕርቦ ዝርርብ።

መዝሙር 162ን መዕጸዊ ጸሎትን

25 ሰነ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 143

15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣብ ሓምለን ነሓሰን ዝዕደል ጽሑፋት ጥቐስ። ኣብ መኽዘንኩም ዝርከብ ክልተ ብሮሹራት ኣጕልሕ። ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ከም እተበርክተን ዘርኢ ግቡእ ምድላው እተገብረሉ መርኣያ ኣቕርብ። እተፈላለየ ሓሳባት ዘለዎ ኣቀራርባ ንምርካብ ኣብቲ ኻብ 1995 ክሳዕ 1998 ዝወጸ ዳሕረዋይ ገጽ ናይ ሓምለን ነሓሰን ሕታማት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ርአ።

30 ደቒቕ:- “ክጸንዕ ኢየ! ክጸንዕ ኢየ! ክጸንዕ ኢየ!” በቲ ኣብ ቍጽሪ 2 ዘሎ ሕቶታት ገይርካ ኣብታ ስታንድ ፈርም ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ዝግበር ምይይጥ። ብድሕሪኡ ቝጽሪ 3ን 4ን ኣቕርበን። ከም መደምደምታ ነቲ ኣብ 22 ሕዳር 1999 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 31 ዝርከብ ተመክሮ ኣዘንቱ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ ነታ ዘ ኒው ዎርልድ ሶሳይቲ ኢን ኣክሽን ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ክንመያየጠላ ኢና።

መዝሙር 43ን መዕጸዊ ጸሎትን

2 ሓምለ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 212

13 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ሰነ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽሮም።

15 ደቒቕ:- መንእሰያት​—⁠ሞያ ኣብ ምምራጽ ጥበበኛታት ኩኑ። እዚ ኽፍሊ እዚ: ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ብዛዕባ ተወሳኺ ትምህርቲ ምውሳድ እንታይ ከም ዝብል ዝገልጽ ኣብ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ኻብ ዝቐርብ ሰለስተ ኽፍልታት እቲ ናይ መጀመርታ ኢዩ። ገለ ክርስትያን መንእሰያት ዝለዓለ ትምህርቲ ብምውሳድ ዓለማዊ ሞያ ይስዕቡ ኣለዉ: እዚ ድማ ኣብ መንፈሳ​ውነቶም ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ። እዚ ኽፍሊ እዚ ክልተ ወለዲ ምስ ኣብ ዕድመ ኰተቴ ዝርከብ ወዶም ወይ ጓሎም ዝገብርዎ ምይይጥ ኢዩ። እቲ መንእሰይ ብዛዕባ መጻኢ ሸቶታቱ ኣገዳሲ ውሳነታት ክገብረሉ ኣብ ዝግብኦ ደረጃ ኢዩ ዝርከብ። ገሊኣቶም ቍጠባዊ ረብሓ: ዝና: ወይ ምቹእ ህይወት ክህልዎም ዝደልዩ እኳ እንተዀኑ: እቶም ኣባላት ስድራ​ቤት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዝብል ይምርምሩ። (ያንግ ፒፕል ኣስክ [እንግሊዝኛ] ገጽ 174-5፣ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 15 ነሓሰ 1997 ገጽ 21 ከምኡውን ናይ 1 መስከረም 1999 ገጽ 19-21 ቍጽሪ 1-3 ከምኡውን 5-6 ርአ።) እቲ መንእሰይ ንናይ መንግስቲ ኣምላኽ ረብሓታት ቀዳምነት ብምሃብ ንህይወቱ ዝጠቕሞ ቲኦክራሲያዊ ሸቶታት ምግባር ጥበብ ምዃኑ ይሰማምዓሉ።

17 ደቒቕ:- “ኣብ ዞባኻ ንዘለዉ ጸማማት ንምርካብ ትኩር ኩን።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር።

መዝሙር 32ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ