ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ሰነ:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ወይ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ናይ ቤት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ ጻዕሪ ግበሩ። ሓምለን ነሓሰን:- ካብዚ ዝስዕብ 32 ገጽ ዘለዎ ብሮሹራት ዝዀነ ይኹን ምጥቃም ይከኣል ኢዩ:- ንዘልኣለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ!፣ ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧፣ እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም፣ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧፣ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት። በጃኹም ካብዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ብሮሹራት እኹል ኣዝዙ። መስከረም:- ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ።
◼ ንናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተዓዘብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ተማሃሮ ኸም ብሓድሽ ክምዝግቡ ኸም ዘየድልዮም ከነዘኻኽሮም ንፈቱ። ሓደ ተማሃራይ ሓንሳእ ምስ ተመዝገበ: ካብታ ጉባኤ እንተ ዘይግዒዙ ወይ ካብቲ መዝገብ ክሕከኽ እንተ ዘይደልዩ ምዝጉብ ኰይኑ ኢዩ ዝቕጽል። ብተወሳኺውን ልክዕ ከምቲ ኣብታ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 10 ተገሊጹ ዘሎ: ክፍልታት እንተወሓደ ቕድሚ ሰለስተ ሰሙን ብጽሑፍ ክወሃብ ኣለዎ። ኣብዚ መዳይ እዚ ነቲ “ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክፍሊ መውሃቢ” ወረቐት (S-89) ክትጥቀምሉ ኣለኩም።
◼ ኣብ መኽዘን ክመጽእ እንጽበዮ ሓደስቲ:- ፈረንሳይኛ:- ናይ 2001 ዓመት መጽሓፍ።
◼ ኣብ መኽዘን ዘሎ ሓደስቲ ጽሑፋት:- ኣምሓርኛ:- ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኢትዮጵያ—ኣፍቀርቲ ነጻነት (እዛ ብሮሹር እዚኣ ንሰባት እትዕደል ኣይኰነትን)።
◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ክመጽእ እንጽበዮ:- ዓረብኛ:- ኦል ስክሪፕቸርስ: ትንቢት ዳንኤል: ያንግ ፒፕል ኣስክ፣ እንግሊዝኛ:- ኦል ስክሪፕቸርስ: ማንካይንድስ ሰርች: ራእይ ፍጻሜኡ: ዓቢ ናይ መዝሙር መጽሓፍ: ትርጕም ሓዳስ ዓለም ንእሽቶ ዴሉክስ፣ ሲዲ:- ኪንግደም ሜሎዲስ 1, 3, 8፣ ኣውድዮ ካሴታት:- ግሬት ቲቸር: ኪንግደም ሜሎዲስ 1, 3, 5-8: ማቴዎስ።