ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
14 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 143
6 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤን ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸን ምልክታታት።
25 ደቒቕ:- ብዘይ ደም ንዝግበር ሕክምና ሕጋዊ ምርጫ ምግባር። (ግብ. 15:28, 29) ሓደ ብቕዓት ዘለዎ ሽማግለ ዘቕርቦ ዝርርብ። ድሕሪ እዚ ኣኼባ እዚ እቶም እተጠምቁ ኣስፋሕቲ ሓድሽ ቅድመ-ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድ ክወስዱ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ዘይተጠምቁ ንኣሽቱ ቘልዑ ዘለዉዎም ወለዲ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ዝኸውን ወረቐት መንነት ክወስዱ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ካርድ እዚ ሎሚ ምሸት ኣይኰነን ዝምላእ። ኣብ ገዛ ብጥንቃቐ ክምላእ ኣለዎ: ክፍረመሉ ግን የብሉን። ክታም: ምስክርነት: ከምኡውን ዕለት ናይቲ ካርድታት ድሕሪ እታ ቐጺላ ዘላ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ: ኣብ ትሕቲ ተዓዛብነት ናይቲ መራሒ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ኢዩ ዝግበር። ክታም ቅድሚ ምንባርኩም እቲ ካርድ ከም እተመልአ ኣረጋግጹ። እቶም ከም መሰኻኽር ኰይኖም ዝፍርሙ እቲ ወናኒ ናይቲ ሰነድ ክፍርም ከሎ ክርእይዎ ኣለዎም። ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ካብዚ ካርድ እዚ ሓሳባት ብምውሳድ ምስ ናይ ገዛእ ርእሶም ኵነታትን ምርዳእን ብምስምማዕ: ንገዛእ ርእሶምን ደቆምን ዝኸውን መምርሒ ክጽሕፉ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም መራሕቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ኣብ ጕጅለኦም ዝርከቡ ኵሎም ኣሕዋት ነቲ ናይ ቅድመ-ሕክምናዊ መምርሕን ወረቐት መንነትን ኣብ ምምላእ እቲ ዘድሊ ሓገዝ ከም ዝረኸቡ ከረጋግጹ ኣለዎም።
14 ደቒቕ:- ሕቶ ሳጹን። ብሕቶን መልስን ተመያየጠላ። ኵሉ ብናይ ሓሶት ሃይማኖት እተበከለ ልምድታት ከነርሕቕ ከም እንደሊ ኣጕልሕ። ኣመንቲ ብጾት ብልምዲ ዝግበር ምርቓ ዘይኰነስ: ንሓድሕዶም ብጸሎት ሓደ ነቲ ሓደ ክዝክሮን ብመሰረት እቲ ንቡር ኣዘራርባ ሰናይ ትምኒቶም ክገልጹን ኣለዎም። ኣብ እዋን መርዓ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ኣዝማድ ብመሰረት ልምድና መርዑ ክምረቑ ኣለዎም ኢሎም ግዲ ዝብሉ እንተ ዀይኖም: እቲ መርዓዊ ኣቐዲሙ ኣረኣእያኡ ኽሕብሮም ኣለዎ፣ ክምረቕ እንተ ደልዩ ኸኣ ኣቐዲሙ እንታይ ቃላት ከም ዝዝረብ ከረጋግጽ ይግባእ።
መዝሙር 13ን መዕጸዊ ጸሎትን
21 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 113
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።
17 ደቒቕ:- “ዞባና ብተደጋጋሚ ተዓዩ ኢዩ!” ብናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዝቐርብ። (ብተደጋጋሚ ዘይተዓየ ዞባታት ዘለወን ጉባኤታት ነታ ኣብ ሚያዝያ 1998 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸት “መጽሔታት ነታ መንግስቲ ይእውጅ” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ክወስዳ ይኽእላ ኢየን) ዞባ ኽንዓዪ ኸሎና ምሉእ ብምሉእ ንምሽፋን እንታይ ከም ዘድሊ ግለጽ። ኣብ ናይ 1997 ዓመት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 204 ከምኡውን ናይ 15 ለካቲት 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 26 ዝርከብ ተመክሮ ኣዘንቱ። ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድ ከሎና ብጽቡቕ ምምዝጋብ: ነቶም ኣብ ቤቶም ዘይረኸብናዮም ምክትታል: ከምኡውን ብቕልጡፍ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ጽቐጠሉ።
18 ደቒቕ:- ሓደ ሽማግለ ኣብታ ኣብ ናይ 1 ለካቲት 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ካብ ጽንዓት ዝርከብ ዓወት” ዘርእስታ ዓንቀጽ ተመርኲሱ ዘቕርቦ ዝርርብ ከምኡውን ናይ ድግማ ሕቶታት።
መዝሙር 224ን መዕጸዊ ጸሎትን
28 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 85
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ግንቦት ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽሮም። ቲኦክራሲያዊ ዜና ኣቕርብ።
18 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።
17 ደቒቕ:- “ቃል ኣምላኽ መስለጢ ኢዩ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ብሕጽር ዝበለ ኣቀራርባ ብኸመይ ኣብ ቃል ኣምላኽ ከተተኵር ከም እትኽእል ዘርኢ ኽልተ ግቡእ ምድላው እተገብረሉ መርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 46ን መዕጸዊ ጸሎትን
4 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 212
12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታትን ናይ ግራት ኣገልግሎት ተመክሮታትን።
15 ደቒቕ:- “ኣብዚ ዕዮ ቐውዒ እዚ ምሉእ ተሳትፎ ይሃሉኻ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ኣብ ቍጽሪ 4 ምስ በጻሕካ ነቲ ገሊኣቶም ኣገልግሎቶም ዘስፍሑሉ ዘለዉ መዳያት ዘርኢ ኣብ ናይ 15 መስከረም 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 18 ቍጽሪ 10 ዝርከብ ተመክሮ ኣዘንቱ።
18 ደቒቕ:- “በቲ ብሉጽ መምሃሪ መሳርሒታትና ገይርና ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምምራሕ ንጥፈታትና ምምሕያሽ።” (ካብ ናይ ሰነ 2001 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝውሰድ) ንዅሉ ቍጽርታት ኣንብቦን ተመያየጠሉን። ሓደ ኣብ ገጽ 83 ናይ መጽሓፍ ፍልጠት ምስ በጽሐ እኩያት ብዘለኣለማዊ ስቓይ ኢዮም ዝቕጽዑ ኢሉ ትርር ዝበለ ጽንዓት ዘርኢ ሕጽር ዝበለ መርኣያ ኣቕርብ። ድሕሪኡ እቲ ዝመርሓሉ ነታ ንዘለኣለም ምንባር እትበሃል መጽሓፍ ይህቦ እሞ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ነቲ ኣብ ምዕራፍ 8 ዝርከብ ቀንዲ ነጥብታት ንኽመያየጥሉ ሓሳብ የቕርበሉ።
መዝሙር 187ን መዕጸዊ ጸሎትን