ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ግንቦት:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ተመላሊስካ ምብጻሕ ዝግበረሎም ሰባት ተገዳስነት ከም ዘለዎም እንተ ኣርእዮም: ኵንትራት ክኣትዉ ዕድመ ክቐርበሎም ይኽእል ኢዩ። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ነታ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ወይ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ምዕዳል ይከኣል ኢዩ። ሰነ:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ወይ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ናይ ቤት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ ጻዕሪ ግበሩ። ሓምለን ነሓሰን:- ካብዚ ዝስዕብ 32 ገጽ ዘለዎ ብሮሹራት ዝዀነ ይኹን ምጥቃም ይከኣል ኢዩ:- ንዘልኣለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ!፣ ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧፣ እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም፣ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧፣ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት። በጃኹም ካብዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ብሮሹራት እኹል ኣዝዙ። መስከረም:- ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ።
◼ እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሓው ኣብ 1 ሰነ ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ክምርምሮ ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ ደድሕሪ እቲ ኣብ ቀጻሊ ግዜ ዝህሉ ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ነታ ጉባኤ ምልክታ ይንገር።