ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብዙሕ ኣብ ዘይተዓየ ዞባታት ናይ ቀደም መጽሔታት ተጠቐሙ። ተመላሊስካ ምብጻሕ ዝግበረሎም ሰባት ተገዳስነት ከም ዘለዎም እንተ ኣርእዮም: ኵንትራት ክኣትዉ ዕድመ ክቐርበሎም ይኽእል ኢዩ። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ነታ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ወይ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ምዕዳል ይከኣል ኢዩ። ሰነ:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ወይ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ናይ ቤት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ ጻዕሪ ግበሩ። ሓምለ:- ካብዚ ዝስዕብ 32 ገጽ ዘለዎ ብሮሹራት ዝዀነ ይኹን ምጥቃም ይከኣል ኢዩ:- ንዘልኣለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ!፣ ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧፣ እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም፣ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት።
◼ ካብ ሓምለ ጀሚሩ: ንናይ 2001 ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝኸውን ባጅ ምስ ጽሑፋት ክለኣኽ ኢዩ። ባጅ ምእዛዝ ኣድላዪ ኣይኰነን። ጉባኤታት ተወሳኺ ባጅ እንተድኣ ደልየን: በቲ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ቕጥዒ (S-14) ገይረን ክሓታ ኣለወን። ኣብታ ጉባኤ ናይ ባጅ መትሓዚ ፕላስቲክ ዝደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ምስ ዝህሉ ኽትእዝዙ ትኽእሉ ኢኹም።
◼ ኣብ “ናይ 2001 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ” ዘሎ ክፍሊ ቍ. 4 ካብ መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) ኢዩ ዝወሃብ። ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ሕጡብ ጽሑፍ ክትቈጽሩ ኸለኹም እቲ እትዉ ኢሉ ዘሎ ጥራይ ኢዩ ዝሕሰብ።
◼ ማሕበር ናይ ኵሎም ኣወሃሃድቲ ተዓዘብትን ጸሓፍትን ኣድራሻን ቍጽሪ ቴለፎንን ክትሕዝ ትደሊ ኢያ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ለውጢ እንተልዩ: እቲ ጸሓፊ ነቲ ናይ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ/ጸሓፊ ለውጢ ኣድራሻ ዝሕብር ቅጥዒ (S-29) መሊኡ ናብ ማሕበር ብቕልጡፍ ክልእኾ ኣለዎ።
◼ ናይ ጉባኤ ጸሓፍቲ እኹል ቀረብ ናይቲ ስርዓታዊ ፓይነር ንምዃን መመልከቲ ቅጥዒ (S-205) ከምኡውን ሓጋዚ ፓይነር ንምዃን መመልከቲ ቅጥዒ (S-205b) ክሕዙ ኣለዎም። እዚ ብናይ ጽሑፋት መሕተቲ ቕጥዒ (S-14) ገይርካ ክእዘዝ ይከኣል ኢዩ። እንተ ወሓደ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ሓዙ። ነቲ ስርዓታዊ ፓይነር ንምዃን መመልከቲ ቅጥዒ ቕድሚ ምልኣኽኩም ብግቡእ ከም እተመልአ ኣረጋግጹ። እቶም ኣመልከትቲ ንእተጠመቕሉ ዕለት ብልክዕ ክዝክርዎ ዘይክእሉ እንተድኣ ዀይኖም: ብግምት መዓስ ምዃኑ ኽመልኡ: ነታ ብግምት ዝጸሓፉዋ ዕለት ድማ ኽምዝግብዋ ኣለዎም።
◼ ብጕዳይኩም ናብ ገለ ዓዲ ምስ እትገሹ: ኣብቲ ቦታ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ: ወይ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኽትካፈሉ ምስ እትደልዩ: እዚ ኣኼባታት መዓስን ኣበይን ከም ዝግበር ንምፍላጥ ኣብታ ሃገር ዝግበር ዕዮ ስብከት ንእተወሃህድ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ሕተቱ። ኣድራሻታት ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈት ኣብ ናይ መወዳእታ ገጽ ኣብዚ ዓመት እዚ ዝወጸ ዓመት መጽሓፍ ክርከብ ይከኣል ኢዩ።
◼ ኣብ መኽዘን ክመጽእ እንጽበዮ ሓደስቲ:- ዓረብኛ:- ክሪኤተር፣ ትራክት:- T-21፣ እንግሊዝኛ:- ናይ 2001 ዓመት መጽሓፍ።
◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ክመጽእ እንጽበዮ:- እንግሊዝኛ:- ክሪኤተር: ናብራ ስድራቤት: ፍልጠት: ንዘለኣለም ምንባር (ንእሽቶ): መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት: ዘ ባይብል—ጎድስ ዎርድ ኦር ማንስ፧: ያንግ ፒፕል ኣስክ: ኮንኮርዳንስ: ኢንደክስ 1930-1985: ትርጕም ሓዳስ ዓለም (ንእሽቶ ምልኩዕ)፣ ብሮሹራት:- ብምንባር ተሐጎሱ: ስላሴ፣ ዓመት መጽሓፍ 1977: 1994: 1997-99፣ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ጥሙር ጥራዛት 1955: 1956: 1981-85: 1992፣ ናይ ንቕሑ! ጥሙር ጥራዛት 1983: 1994፣ ካሴታት:- ዘፍጥረት: ዘጸኣት: ምሳሌ: ዳንኤል: ግብሪ ሃዋርያት: ሮሜ: እብራውያን፣ ኪንግደም ሜሎዲስ 2 ከምኡውን 4: ሲንጊን ኪንግደም ሶንግስ (ዘመርቲ ዘለዉዋ ሓንቲ ካሴት)፣ ንኪንግደም ሜሎዲስ ዝኸውን ጥርሑ ኣልቡም፣ ናይ ድራማ ካሴት:- ጂሆቫስ ጃጅመንት፣ ሲዲ:- ኪንግደም ሜሎዲስ 6 ከምኡውን 7።