ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ
ብሓቂ ሞገስ ኣምላኽ ረኺብና ኢና! ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ነቲ በይኑ ፈጣሪ ኣድማስ ከምኡውን ሓቀኛን ህያውን ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ምፍላጥ ጥራይ ዘይኰነስ: ብስሙ ናይ ምጽዋዕን ንዕኡ ናይ ምግልጋልን መሰል እውን ኣሎና። እዝስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዓቢ በረኸት ኰን ኢዩ!—ኢሳ. 43:12፣ እብ. 8:11
ናይ ድሕነት ተስፋ ኣሎና: ካልኦት ንየሆዋ ምእንቲ ኸምልኽዎን ከማና ተስፋ ምእንቲ ኽህልዎምን ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብከሎም መዝነት ተዋሂቡና ኣሎ። (ማቴ. 24:14፣ ሮሜ 10:13, 14፣ 1 ተሰ. 5:8) ፍቕርን ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝን ዝርከቦ ዓለምለኻዊ ሕውነት ስለ ዘለና እውን ሕጉሳት ኢና። እዚ ዅሉስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዓስቢ ዘለዎ ዀን ኢዩ!
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝብል ጻውዒት ምቕራቡ ዝግባእ ኢዩ:- “ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ተገዝእዎ: . . . ኣብ ደጌታቱ ብምስጋና: ኣብ ኣጸዱውን ብውዳሴ እተዉ: ኣመስግንዎ ንስሙ ኸኣ ባርኹ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ እሞ: ጸጋኡ ንዘለኣለም: እምነቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።” (መዝ. 100:2-5) ንየሆዋ ብሓጐስ ምግልጋል ምስቲ ምስኡ ዘሎና ድልዱል ብሕታዊ ርክብ ብቐጥታ ዝተሓሓዝ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ርክብ ንኽንምስርት መገዲ ኸፊቱልና ኣሎ: እዚ ድማ ዓቢ መሰል ኢዩ። እዚ ዓይነት ርክብ እዚ ምስ ዝህልወና: ክንሽገር ከሎና የሆዋ ወትሩ ንኽሕግዘናን ንኸበራትዓናን ድሉው ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ኣብዚ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ንዘጋጥመና ብድሆታት ንኽንዋጽኣሉ መንፈሳዊ ብርታዐን መምርሕን ከም ዝህበና ንተኣማመን ኢና። ጸቕጥታት ዘጋጥመና እኳ እንተዀነ: ኣብ ኣገልግሎትና ሕጉሳት ኢና፣ ከምቲ ቓል ኣምላኽ ዝብሎ ድማ የሆዋ ስለ ‘ዝሓልየልና’ ወትሩ ነመስግኖ ኢና።—1 ጴጥ. 5:7
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት የሆዋ ብርግጽ ኣብዚሑ ባሪኹና ኢዩ። ኣብቲ “ገበርቲ ቓል ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ: ክብርቲ እምነት ምስ ዘላቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኻልኦት ሰባት ሓቢርና ኽንዝምርን ካብቲ ኣብ መንፈሳዊ መኣዲ የሆዋ ዝቐረበልና ድግስ ክንምገብን ብምኽኣልና ተሓጒስና ኢና። ኣብ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ነታ እምነትና እተደልድል ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ መጽሓፍ ከነጽንዕ ክኢልና ኢና። ኣብ ርእሲ እዚውን: ጥራዝ 1 ናይታ ትንቢት ኢሳይያስ —ንዅሎም ደቅሰብ ዝኸውን ብርሃን! (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ ብምርካብና ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ብሓጐስ እተፈንጫሕና! ‘ጽዋእና ይጅርብብ ኣሎ።’—መዝ. 23:5
ብሚልዮናት እንቝጸር መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ንየሆዋ ሓቢርና ከነገልግሎ ምኽኣልናስ ኣየ ኸመይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! ምስ ግራት ኣገልግሎት ኣብ እተተሓሓዘ መዳይ ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ኽንርእስ ከመይ ዘተባብዕ ኰን ኢዩ! ኵነታት ዓለም ባህ ዘየብል እኳ እንተዀነ: ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት ጐይታ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ተኣከብቲ ብምንባሮም ተሓጒስና ኢና። ንዓለምለኻዊ ዕዮ ኣገልግሎት ክንርኢ ኸሎና ብሓቂ ‘ብዙሕ እኽሊ’ ኢዩ ዝሕፈስ ዘሎ። (ሉቃ. 10:2) ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብገምጋም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን 5,555 ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ህይወቶም ወፍዮምን ተጠሚቖምን ኢዮም። ኣብ ገሊኡ ክፍልታት ምድሪ ኻብቲ ኻልእ ዝበዝሕ እኽሊ እኳ ይሕፈስ እንተሎ: በቲ የሆዋ ዝገብሮ ዘሎ ግን ኵላትና ንሕጐስ ኢና። ነቲ ኣገልገልቱ ብሓባር ኰይኖም ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ይባርኾ ከም ዘሎ ዘርኢ ንጹር መርትዖ ንርኢ ኣሎና።
ህንጸት ሓደስቲ ኣደራሻት መንግስቲ እውን ዓቢ ሓጐስ ኣምጺኡልና ኢዩ! ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነዚ ዕዮ እዚ ብምሉእ ልቦም ዝገብርዎ ዘለዉ ደገፍ ባህ ኢዩ ዝብለና። በቶም ግቡእ ስልጠና እተዋህቦም ጕጅለታት ናይ ክፍሊ ህንጻ ኣደራሽ መንግስቲ ብኣማእታት ዝቝጸር ኣደራሻት መንግስቲ ድሮ ተሃኒጹ ኣሎ። እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ካብ ሓንቲ ጉባኤ ናብ ካልእ እናተንቀሳቐሱ ኣብ ፕሮጀክትታት ኣደራሽ መንግስቲ መሪሕነት ይወስዱ ኣለዉ። ገና ብኣሽሓት ዝቝጸር ኣደራሻት መንግስቲ ኽህነጽ ስለ ዘድሊ: ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኣብዚ ዕዮ እዚ ዝካፈሉ ዝያዳ ወለንተኛታት የድልዩ ኣለዉ። ኣብዘን ፕሮጀክትታት ኣደራሽ መንግስቲ ዝካየደለን ዘሎ ሃገራት ትነብር እንተሊኻ: ወለንተኛ ዄንካ ኽትዓዪ ትኽእልዶ ኢኻ፧ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ኣምልኾኦም ንምክያድ ዝእከቡሉ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣደራሽ መንግስቲ ኽረኽቡስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ዘማስዉሉ! ካብቲ ዓለምለኻዊ ሕውነት ነዚ ዕዮ እዚ ዘድሊ ቝጠባዊ ሓገዝ ብምርካቦምከ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ዘመስግኑ!
ኣብ ሕጋዊ ጕዳያት ክንዕወት ከሎና ባህ ኢዩ ዝብለና። ገና ግን ኣብ ብዙሓት ቦታታት ንኣምልኾ የሆዋ ከጥፍኡ ዝደልዩ ተሰማዕነት ዘለዎም ሰባት ኣለዉ። ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ከጋጥመና ኸሎ ንየሆዋ ብዝሒ ተጻረርቲ ኸም ዘይዓጅቦ ወይ ክሳዕ ክንደይ ንሓደጋ እተቓላዕና ንምሰል ንኽሕግዘና ኸም ዘየጸግሞ ንተኣማመን ኢና። (2 ዜና 14:11) ኣሕዋትን ኣሓትን ጸኒዕኩም ኣብ ሓቀኛ ኣምልኾ ብምቕጻልኩም ብሓቂ ኽትነኣዱ ዝግብኣኩም ኢኹም።
እምነትኩም ብቐጻሊ ኣደልድሉ: ክርስትያናዊ ሓላፍነታትኩም ብሓጐስ ምእንቲ ኽትፍጽሙ ድማ መምርሒ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ተወከሉ። (ምሳ. 3:5, 6) ጸላእትና ኽገብርዎ እተፈቕደሎም ብዘየገድስ እንጃጅወሉ ምኽንያት የብልናን። ኤልሳእ ነቲ ተጨኒቑ ዝነበረ ጊልያኡ ዝሃቦ መተባብዒ ዘክርዎ:- “ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ እዮም እሞ: ኣይትፍራህ።” (2 ነገ. 6:15-17) ሎሚ እውን ከምቲ ብግዜ ኤልሳእ ዝነበረ: ሰማያዊ ሰራዊት የሆዋ ንንጹህ ኣምልኾ ዝጠቅም ስጕምትታት ንምውሳድ ድሉዋት ኢዮም። ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዘጋጥም ነገራት ብምትእምማን ኢና እንጽበ። የሆዋ ደስ ዝበሎ ኽገብር ሓይሊ ኣለዎ። ኣህዛብ ክዳረግዎ ኣይክእሉን ኢዮም። ንወዱ ምሉእ ናይ ምምሕዳር ስልጣን ብምሃብ ኣንጊስዎ ኢዩ። “ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ዅሎም ብጹኣን እዮም።”—መዝ. 2:1-6, 12
ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን: ወትሩ ብዛዕባኹም ከም እንሓስብ ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ። ነፍሲ ወከፍኩም “ምሉኣትን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኴንኩም ደው ክትብሉ” ልባዊ ጸሎትና ኢዩ።—ቈሎ. 4:12
ኣሕዋትኩም
ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር