ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/01 ገጽ 7
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መሰናድዎ ጉባኤ መጽናዕቲ መጽሓፍ ብኸመይ ይሕግዘና፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ካብ ጕጅለ ኣገልግሎት ወፍሪ ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ትምህርታዊ ንጥፈታት የተባብዕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ንምንታይ የድልየና፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
km 4/01 ገጽ 7

ሕቶ ሳጹን

◼ ሓዳስ ጕጅለ ትምህርቲ መጽሓፍ ምቛም ዘድሊ መዓስ ኢዩ፧

ሓዳስ ጕጅለ ምቛም ዘድሊ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትምህርቲ መጽሓፍ: ዋላ እውን ኣብታ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ እትእከብ ጕጅለ: 15 ወይ ካብኡ ንታሕቲ ተኣከብቲ ምእንቲ ኽህልዉ ኢዩ። እዚ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

እቶም ኣብ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝካፈሉ ቍጽሮም ሒደት ምስ ዝኸውን: እቲ ዝመርሕ ሓው ንነፍሲ ወከፍ ኣብታ ጕጅለ ዝእከብ ሰብ ኣቓልቦ ኽገብር ይኽእል ኢዩ። ብተወሳኺውን: እምነትካ ኣብ ቅድሚ ሰባት ንምግላጽ ምቹእ ኣጋጣሚ ስለ ዝፈጥር: ኵላቶም እቶም ተኣከብቲ ሓሳባት ንኽህቡ እኹል ኣጋጣሚ ኣለዎም። (እብ. 10:⁠23፣ 13:⁠15) ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ሓያሎ ንኣሽቱ ጕጅለታት ምቛም ኣብ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍን ኣብ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባን ንምክፋል ዝቐለለ ይገብሮ። ብዙሓት ጕጅለታት ትምህርቲ መጽሓፍ ዘለወን ጉባኤታት: ኣብ ድምር ተኣከብቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ወሰኽ ኣርእየን ኢየን።

ዋላ እውን ሒደት ተኣከብቲ ይሃልዉ: ሓዳስ ጕጅለ ምቛም ኣድላዪ ዝዀነሉ ፍሉይ ኵነታት ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ርሕቕ ዝበለ ቦታ ዝርከቡ ኣስፋሕቲ እንተ​ልዮም ወይ እተን ቈይመን ዘለዋ ጕጅለታት ዝእከባሉ ቦታ እተጻበበ ወይ እኹል ኮፍ መበሊ ዘይብሉ እንተ​ድኣ ዀይኑ ሓዳስ ጕጅለ ምቛም የድሊ ይኸውን። ኣድላዪ እንተ​ድኣ ዀይኑ ብዕድመ ንዝደፍኡ: ንናይ ለይቲ ሰራሕተኛታት: ወይ ዘይኣመንቲ ሰብኡት ንዘለዉወን ኣሓት ክጥዕም ተባሂሉ ቀትሪ እትእከብ ጕጅለ ምቛም ይከኣል ኢዩ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ትምህርቲ መጽሓፍ: ብመንፈስ ድልዱላትን ንጡፋትን ኣስፋሕቲ ኽህልው: ብቕዓት ዘለዎ መራሕን ኣንባብን ድማ ኽምደቡ ኣለዎም። ኣሕዋት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ሓላፍነታት ንኽበቕዑ ኽመጣጠሩ ኣለዎም።

ሽማግለታት ንቝጽሪ ተኣከብቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ሚዛናዊ ኸም ዝኸውን: እቶም ተኣከብቲ መንፈሳዊ መግቢ ብግቡእ ከም ዝምገቡ: ከምኡውን ኣብ ዝምችእ ቦታታት ከም ዝእከቡ ብምግባር ኣብ ዕቤት እታ ጉባኤ ኣበርክቶ ኽገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። ኵላቶም ተኣከብቲ ካብዚ ፍሉይ መንፈሳዊ ምድላው እዚ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽጥቀሙ: እዚ ተግባራዊ ክዀነሉ ኣብ ዝኽእል ቦታታት ሓደስቲ ጕጅለታት ክቘማ ኣለወን። ቤትካ ትምህርቲ መጽሓፍ ንኽግበረሉ ፍቓደኛዶ ኢኻ፧ ብዙሓት ከምዚ ብምግባሮም መንፈሳዊ በረኸት ረኺቦም ኢዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ