ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
9 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 93
15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። ኣብ በዓል ዝኽሪ ኣብታ ጉባኤ ኽንደይ ተኣኪቦም ከም ዝነበሩ ግለጽ። እቶም ንመጀመርታ ግዜኦም ተዓዲሞም ዝመጹ ሰባት እተዛረብዎ ቃላት ሞሳ ንኽነግሩ ንተኣከብቲ ዓድሞም። ዅላቶም ነታ 23 ሚያዝያ ኣብ እትጅምር ሰሙን እንመያየጠላ ዘ ባይብል—ኢትስ ፓወር ኢን ዮር ላይፍ ዘርእስታ ቪድዮ ተዳልዮም ምእንቲ ኽመጹ ንኽርእይዋ ኣተባብዕ።
10 ደቒቕ:- ሕቶ ሳጹን። ብሽማግለ ዝቐርብ ዝርርብ። ትምህርቲ መጽሓፍ ዝግበረሉ ቦታታት ክምረጽ ከሎ ኣብ ግምት ዝኣቱ ረቛሒታት ወሲኽካ ኣቕርብ።—ኣብ ናይ ለካቲት 1983 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ዘላ ሕቶ ሳጹን ርአ።
20 ደቒቕ:- “ኣብ ኣገልግሎትኩም ‘ኣዚኹም ትሑዛት’ ኩኑ።”* ከምቲ ኣብ ቍጽሪ 3-5 ተገሊጹ ዘሎ ገይሮም ንኻልኦት ብምሕጋዝ ዝረኸብዎ ተመክሮ ንኸዘንትዉ ንኽልተ ወይ ሰለስተ ኣስፋሕቲ ዓድም።
መዝሙር 80ን መዕጸዊ ጸሎትን
16 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 145
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ክልተ ቀዳመ-ሰናብቲ ጥራይ ኢየን ተሪፈን ዘለዋ: ስለዚ እዛ ወርሒ ቕድሚ ምውዳኣ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ኣብ ኣገልግሎት ክሳተፍ ኣተባብዕ።
15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።
20 ደቒቕ:- “ቀሊል ኣቀራርባ እቲ ዝበለጸ ኢዩ።”* ካብታ “ኣሕጽር ኣቢልና ንንገሮም!” ዘርእስታ ኣብ ናይ ሓምለ 1999 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 4 ዝወጸት ዓንቀጽ ገለ ሓሳባት ኣቕርብ። ኣሕጽር ኣቢልካ ሓደ ወይ ክልተ ቕልል ዝበለ ኣቀራርባ ብመርኣያ ኣቕርብ።
መዝሙር 146ን መዕጸዊ ጸሎትን
23 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 163
5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- “እንገብሮ መደብ ኣብ ምንታይ ከተኵር ኣለዎ፧” ዝርርብ። ኣብ ናይ 1 ሕዳር 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 18-21 ዝርከብ ምስዚ ዝሰማማዕ ነጥብታት ወሲኽካ ኣቕርብ።
25 ደቒቕ:- “እታ ዘ ባይብል—ኢትስ ፓወር ኢን ዮር ላይፍ ዘርእስታ ቪድዮ እትገድፎ ጦብላሕታ።” ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ነቲ ኣብ ናይ 1997 ዓመት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 54 ሕጡብ ጽሑፍ 1 ዘሎ ናይ ማሕበር ቪድዮታት ብግቡእ ብዛዕባ ምጥቃም ዝገልጽ ሓሳባት ንምንታይ ዘይትጥቀመሉ፧ ኣብ ወርሒ ሰነ ነታ ጂሆቫስ ዊትነስስ ስታንድ ፈርም ኣጌንስት ናዚ ኣሶልት ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ክንመያየጠላ ኢና።
መዝሙር 202ን መዕጸዊ ጸሎትን
30 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 215
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ሚያዝያ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽሮም። ናይ ኵሉ ሰብ ጸብጻብ ክሳዕ 6 ግንቦት ምእንቲ ኽእከብ መራሕቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ኣብ ጐጕጅለኦም ዝርከብ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ጸብጻብ ከም ዝሃበ ከረጋግጹ ኣለዎም።
15 ደቒቕ:- “ጥዑይ ጐረቤት ብምዃን ምስክርነት ሃብ።”* ብጠባይና ምስክርነት ክንህበሉ እንኽእል ካልእ መገድታት ጥቐስ።—ናይ 1 ሕዳር 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 18 ቍጽሪ 16 ርአ።
20 ደቒቕ:- ፓይነራት ንኻልኦት ኣስፋሕቲ ይሕግዙ ኣለዉ። ብናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዝቐርብ ዝርርብን ቃለ-መጠይቓትን። ነቲ ኣብ ናይ መስከረም 1998 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኣብ ገጽ 6 ዝወጸ ‘ፓይነራት ንኻልኦት ኣስፋሕቲ ይሕግዙ’ ዝብል ፕሮግራም ግለጽ። ኣብ ጉባኤኹም እተፈጸመ ዝሃንጽ ተመክሮ ግለጽ። ነቲ ሓገዝ ዝሃበ ፓይነርን ነቲ ሓገዝ እተገብረሉ ኣስፋሕን ቃለ-መጠይቕ ግበረሎም። ክልቲኦም ኣብ ኣገልግሎት ሓቢሮም ብምግልጋሎም ብኸመይ ከም እተጠቕሙ ግለጽ። ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ኣዋርሕ ካልኦት ካብዚ ምድላው እዚ ኽጥቀሙ ዓድሞም።
መዝሙር 216ን መዕጸዊ ጸሎትን
7 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 84
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- “ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከአሎ እዩ።”* ነቲ ኣብታ ፕሮክለይመርስ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 443 ተገሊጹ ዘሎ ብ1935 ዝግበር ዝነበረ ዕዮ ስብከት ምስ ኣብ ናይ 2001 ዓመት መጽሓፍ ወጺኡ ዘሎ ጸብጻብ ብምውድዳር ኣሕጽር ኣቢልካ ሓሳባት ሃብ። እዚ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ዓቢ ዕዮ ብኸመይ ከም ዘስፋሕፍሐ ሓብር።
20 ደቒቕ:- ስድራቤትና ብኸመይ ቅድስና ኸተርኢ ትኽእል፧ ሓደ ሽማግለን ስድርኡን ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 17-20 ተመርኲሶም ይመያየጡ። ኣብ ቤት: ምስ ኣዝማድ ክራኸቡ ኸለዉ: ኣብ ጉባኤ: ምስ ጐረባብቶም: ከምኡውን ኣብ ቤት ትምህርትን ስራሕን ቅድስና ከርእይሉ ዝኽእሉ መገድታት ይመያየጡ።
መዝሙር 70ን መዕጸዊ ጸሎትን
*ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር።