እንገብሮ መደብ ኣብ ምንታይ ከተኵር ኣለዎ፧
1 ኵላትና ብዛዕባ ናይ መጻኢ መደባትና ንሓስብ ኢና። እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ኣብታ ኣምላኽ ዘመሓድራ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ንኽነብሩ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ። እንተዀነ ግን: ነዚ ኣብ ልብና ዘሎ ተስፋ ኽምንዝዓና ዝኽእል ጽልዋታት ኣሎ። ህይወትና ኣብ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንኸተኵርን ብፍትወት ስጋ ተሳሒብና መገድና ኸይንስሕትን ዕቱብ ጻዕሪ ኽንገብር የድልየና።—1 ዮሃ. 2:15-17
2 ዓለም ነቲ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ዘውጽእዎ ሸቶታት ክትርድኦ ኣይትኽእልን ኢያ። (1 ቈረ. 2:14) ካልኦት ሰባት ዝና: ስልጣን: ወይ ሃብቲ ኽረኽቡ ኽጽዕሩ ኸለዉ: ንሕና ግን መንፈሳዊ መዝገብ ንምግባር ኢና እንጽዕር። (ማቴ. 6:19-21) ከምቲ ዓለም ብዛዕባ መጻኢ ዘለዋ ኣረኣእያ ኽህልወና እንተድኣ ፈቲንና: መንፈሳዊ ሸቶታትና ኽንወቅዕ ንኽእልዶ ኢና፧ ዓለማዊ ነገራት ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ንኣልባብና ኽቈጻጸሮ ኢዩ። ነዚ ብኸመይ ከነወግዶ ንኽእል፧
3 ‘ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ልበስዎ’:- መጻኢና ኣብ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ዘተኰረ ምዃኑን ዘይምዃኑን ካብ ዘፍልጠና መገድታት ሓደ ዝርርባትና ኢዩ። ወትሩ ብዛዕባ ስጋውን ዓለማውን ነገራት ዲና እንዛረብ፧ ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ ልብና ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ዘለዎ ኣትኵሮ ይቕንስ ከይህሉ ኽንምርምር ኣሎና። ‘ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ደኣ ኽንለብሶ እምበር: ነቲ ሓልዮት ስጋ መለዓዓሊ ትምኒት ኸይንገብሮ’ ኽንጥንቀቕ የድልየና ይኸውን።—ሮሜ 13:14
4 መንእሰያት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጽመድሉ ግዜ ኣቐዲሞም ብምምዳብ ‘ንክርስቶስ ክለብስዎ’ ይኽእሉ ኢዮም። ሓደ ስርዓታዊ ፓይነር ክኸውን ዝደሊ ዝነበረ መንእሰይ: ብቝጠባ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ኽበጽሕ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ኸባቢ ዓበየ። በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ንግዲ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዝጠሓለ: ኣብ ኣኼባታትን ስብከትን ዝገብሮ ተሳትፎ ኻብ ልቡ ዘይኰነስ ከም ልምዲ ጥራይ ገይሩ ሓዞ። ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ኣብተን ኣብ ማቴዎስ 6:33 ዘለዋ ቃላት የሱስ ትውክልቲ ኽገብር ጀመረ እሞ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ዓለማዊ ዋኒን ጠንጠኖ፣ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እውን ተጸምደ። ሕጂ ኣብ ሕልንኡ ሕርኽርኽ ዝብሎ ነገር የብሉን: ከምቲ ባዕሉ ዝበሎ ድማ ‘ብዘለዎ ዓቕሚ’ ኢዩ ንየሆዋ ዘገልግል ዘሎ።
5 መጽሓፍ ቅዱስ ንመጻኢ መደብ ምግባር ጥበባዊ ምዃኑ ይገልጽ ኢዩ። (ምሳ. 21:5) ኵላትና ንፍቓድ ኣምላኽ ቀዳምነት ብምሃብ ከምኡ ንግበር።—ኤፌ. 5:15-17