ንኣደራሽ መንግስትኹም ኣብ ምክንኻን ዘሎካ ግደ
1 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ዝርከብ ኣደራሽ መንግስቲ ልክዕ ከም ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ዝርከብ ልሙዕ ቦታ: መንፈሳዊ ምሕዳስ ዝርከበሉ ቦታ ኢዩ። እተፈላለየ ናብራ ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ንኽማሃሩ ናብዚ ህንጻ እዚ ይመጹ ኢዮም። ንኣምልኾ የሆዋ ኣምላኽና ምሉእ ብምሉእ እተወፈየ “ቤት” ገይሮም ከኣ ኢዮም ዝርእይዎ። ንስኻኸ ንኣደራሽ መንግስቲ ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ድዩ ዘሎካ፧ ናብ ኣኼባታት ክትከይድ: ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ክትራኸብ: ከምኡውን ኣብቲ ኣብኡ ዝግበር ንጥፈታት ክትሕግዝ ትህንጠዶ ኢኻ፧
2 ኣደራሽ መንግስቲ ኣብ ሰሙን ብተደጋጋሚ ስለ እንጥቀመሉ: ክጸርን ክጽገንን የድልዮ ኢዩ። ንኣደራሽ መንግስቲ ኣብ ምጽራይ ንኽትሕግዝ ዘሎካ መሰል ተማስወሉዶ ኢኻ፧ ኣደራሽ መንግስቲ ከከም ኣጠቓቕማኡን ኣድላይነቱን ስሩዕ መደብ ወጺሉ ክጸሪ ኣለዎ። ኵሉ ሰብ ዋላ እውን ቈልዑ ከይተረፉ ኣብዚ ክካፈሉ ይኽእሉ ኢዮም። በዚ ኸምዚ ኵሎም ንኣደራሽ መንግስቲ ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ከም ዘለዎም ክግንዘቡ ይኽእሉ: ዝያዳ ሞሳ ድማ የርእዩ። ንሕና ንኹን ሓደስቲ ዕዱማት ጽሩይን ጽፉፍን ኣደራሽ መንግስቲ ክንርኢ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ባህ ዘብለና!—1 ቈረ. 14:40
3 መብዛሕትኡ ግዜ መደብ ጽሬት ንጕጅለታት ትምህርቲ መጽሓፍ በብተራ ከም ዝበጽሐን ገይርካ ኢዩ ዝዳሎ። ኵሎም ነቲ ኣደራሽ ኣብ ምክንኻን ግደ እንተለዎም: እቲ ጾር ኣብ ሒደት ሰባት ኣይወድቕን ኢዩ። እቲ ኣደራሽ ክጸሪ ኸሎ ዝግበር ዝርዝር ነገራት ዝገልጽ ወረቐት ክልጠፍ ወይ ምስቲ መሪሕነት ዝወስድ ሓው ክግደፍ ይከኣል ኢዩ። እቲ ዝርዝር ነገራት ንመሳዅቲ ምውልዋል: ደሮና ምንጋፍ: ዓይኒ ምድሪ ምጽራይ: ምድሪ ቤት ምውልዋል: ኣድላዪ ክኸውን ከሎ ድማ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ነገራት ስምዒ ምልካይ ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንጽሬት ዘድልዩ ነገራትን ኣቝሑን ከምኡውን ስምዒ ክቕረብ ኣለዎ። ኣደራሽ መንግስቲ ንምክንኻን: መደባት ንምውጻእ: ዘድሊ ነገራት ንምእዛዝ: ከምኡውን ጽገና ከድሊ ኸሎ ንምቍጽጻር ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ ክምዘዝ ኣለዎ።
4 ትርኢት ናይቲ ኣደራሽ መንግስቲ ምክትታል ክግበረሉ ኣለዎ። ቀለም ኣብ ዝልከየሉ እዋን: ድሙቕ ሕብሪ ምልካይ ጽቡቕ ኣይኰነን። ጽገና ዘድልየሉ ግዜ እውን ኣሎ። ኣብ ኮፍ መበሊ በሊሕ ነገር ወይ ዝወጸ ምስማር እንተድኣ ርኢኻ ስቕ ኣይትበል: ከመይሲ እዚ ብቐሊሉ ክዳውንቲ ክቐድድ ይኽእል ኢዩ። እቲ ቐጽሪ ወይ እቲ ማካይን ደው ዝብላሉ ቦታ ገለ ክንክን ደዀን የድልዮ ይኸውን፧ ሳዕሪ: ዕንባባታት: ወይ ናይ ሓጹር ተኽሊ እንተድኣ ኣለኩም ኰይኑ ስሩዕ ክንክን ክግበረሉ ኣለዎ። ኣብ ዓመት ክልተ ወይ ሰለስተ ሳዕ ነቲ ሳዕሪ ምቕምቃም እኹል ኣይኰነን: ምኽንያቱ ንብዙሕ ኣዋርሕ እቲ ቐጽሪ መልክዑ ተበላሽዩ ክጸንሕ ኢዩ። ብተወሳኺውን: ዝዀነ ይኹን ምህርቲ ዝሕፈሶ ኣዝርእቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ኣምልኾ ቦታ ክትከል የብሉን። ነቲ ኣደራሽ መንግስቲ ዝከናኸኖ ሰብ ኣብኡ ዝነብር እንተድኣ ዀይኑ ኣብቲ ቐጽሪ መሳርሒታቱ ዛሕዛሕ ኣቢሉ ክገድፍ የብሉን: ምኽንያቱ እዚ ንመልክዕ ናይቲ ህንጻ የበላሽዎ ኢዩ። እታ ጉባኤ ብዓቕማ ንውሽጢ ናይቲ ኣደራሽ ከተጸባብቖ ትኽእል ኢያ። መብዛሕትኡ ግዜ ንመልክዕ ናይቲ ኣደራሽ ዘጸብቖ ብተዛማዲ ክቡር ዘይኰነ ንኣሽቱ ነገራት ክግበር ይከኣል ኢዩ። ጽሩይ: ብጽቡቕ ኣቝሑ ዝመልአ: ከምኡውን ግቡእ ክንክን ዝግበረሉ መአከቢ ቦታ ንየሆዋን ህዝቡን ጽቡቕ ገይሩ ከም ዘንጸባርቕ ኣይትረስዕ።
5 ኵሉ ሰብ ኣቝሑ ንኸይሰብር ወይ ንኸየበላሹ ዝጥንቀቕ እንተድኣ ዀይኑ ብዙሕ ጽገና ኣየድልን ኢዩ። ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ገለ ነገር ንኽትዓዪ ኢልካ ብፕላስቲክ ወይ ድልዱል ብዘይኰነ ነገራት ኣብ እተሰርሐ ኮፍ መበሊ ምድያብ ብተደጋጋሚ ዝርአ ግጉይ ተግባር ኢዩ። መብዛሕትኡ ኮፍ መበሊ ነዚ ዕዮ እዚ ኣይተሰርሐን: ብተደጋጋሚ ብጌጋ ኣብ መዓላ እንተ ውዒሉ ኸኣ ክህሰ ይኽእል ኢዩ። ማስቲካ ክትጕሕፍ እንተ ደሊኻ እውን ኣብ ትሕቲ እቲ ኮፍ መበሊ ክትልጥፎ የብልካን። ማስቲካ ኣብ ኣቝሑ ምልጣፍ ወይ ኣብ ምድሪ ቤት ምድርባይ: ወረቓቕቲ ወይ ካልእ ነገራት ኣብ ፈቐድኡ ምብታን: ብረሳሕ ኢድካ መናድቕ ምሓዝ: ወይ ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ክትኣቱ ከሎኻ ጫማኻ ከየጽረኻ ምእታው ንኻልኦት ተወሳኺ ስራሕ ከም ዝፈጥረሎም በጃኻ ኣይትረስዕ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጥንቁቕ እንተድኣ ዀይኑ ኵሎም ነዚ ከማስዉሉ ኢዮም።
6 ቈልዑ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ክንርእዮም ባህ ይብለና ኢዩ። ምስ ወለዶም ኮፍ ኢሎም ካብ ቃል የሆዋ መምርሒታት ክማሃሩ ኣለዎም። ወለዲ ንደቆም ናይ ምሕላውን ምቍጽጻርን ሓላፍነት ኣለዎም። ቈልዑ ኣብ ኣቝሑ ናይ ጉባኤ ክሓናጽጹ ወይ ክጽሕፉ የብሎምን። ቅድሚ ወይ ድሕሪ ኣኼባታት ምጽዋት ዘይግቡእ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣብ ካልኦት ሰባት ጕድኣት ከውርድ ወይ ኣቝሑ ክበላሾ ይኽእል ኢዩ። ስርዓት ዘይብሎም ‘ስዲ ዝኸዱ’ ቈልዑ ዘሕፍሩ ኢዮም ዝዀኑ። (ምሳ. 29:15) ሽማግለታት እቲ እንእከበሉ ቦታ ንጽሩይ ኣምልኾ የሆዋ ክብሪ ዘምጽእ ክኸውን ስለ ዝደልይዎ: ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ምስ ዘዘራርቡኻ ዝብሉኻ ሰሚዕካ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ: ኣመስግኖም እውን። ነዚ መዘኻኸሪታት እዚ ምስ እንስዕብ: ንኣደራሽ መንግስትና ንኸይንሓድግ እጃምና ከነበርክት ኢና።—ነህ. 10:39