ናይ 2001 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ
1 ኵላትና ብእተኻእለና መጠን ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ክንሳተፈሉ ዘሎና እኹል ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያታት ኣሎና።—ምሳ. 15:23፣ ማቴ. 28:19, 20፣ ግብ. 15:32፣ 1 ጢሞ. 4:12, 13፣ 2 ጢሞ. 2:2፣ 1 ጴጥ. 3:15
2 ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ንነዊሕ እዋን መደብ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክወጽእ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ መደብ እዚ ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ገጽ ዝኸውን ንምንባብ እተዳለወ ኢዩ። ካብዛ ዓመት እዚኣ ጀሚሩ ናይ ጽሑፍ ድግማ ኣብ ዝውሰደሉ ሰሙን እውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክህሉ ኢዩ። እቲ ንዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት ተመዲቡ ዝነበረ ተወሳኺ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዛዚሙ ኢዩ። ካብቲ ተመዲቡ ዘሎ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበዝሕ ምዕራፋት ከተንብብ እንተድኣ ደሊኻ ግን ናይ ገዛእ ርእስኻ መደብ ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ።
3 ክፍሊ ቍ. 2 ንኣሕዋት ቃል ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ‘ንኸንብቡ’ ኢዩ ዘሰልጥኖም። (1 ጢሞ. 4:13) ናይ ንባብ ክፍሊ ክህልወካ ኸሎ: ብተደጋጋሚ ዓው ኢልካ ተለማመዶ።
4 ክፍሊ ቍ. 3 ኣብታ ዝዓበየ ሰብኣይ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) እተመስረተ ክኸውን ከሎ: ክፍሊ ቍ. 4 ኸኣ ኣብታ ኣብ ግራት ኣገልግሎትና ንኽንጥቀመላ እተዳለወትልና መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) እተመስረተ ኢዩ። እቲ ኽፍልኻ ካብቲ እተመደበልካ ግዜ ንላዕሊ ዝወስድ እንተድኣ ዀይኑ: ንጉባኤኻ ብዝያዳ ዝሰማማዕ ጥራይ መሪጽካ ኣቕርብ። ዝዀነ ይኹን ኣብ ዞባኻ ክትዓየሉ እትኽእል ኣቀራርባ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።
5 ንዅሉ ኣብዚ ቤት ትምህርቲ ዝወሃበካ ክፍልታት ንኸተቕርብ ዝከኣለካ ጻዕሪ ግበር። ንምድላው ግዜ መድብ: ካብ ልብኻ ድማ ተዛረብ። ንጉባኤኻ ምንጪ ምትብባዕ ክትከውን ኢኻ: ኣብቲ ናይ 2001 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብምሉእ ልብኻ ብምስታፍካ ድማ ክትጥቀም ኢኻ።