ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/00 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 14 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
  • 21 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
  • 28 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
  • 4 መስከረም እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 8/00 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

14 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 114

12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት። ብዛዕባ ናይታ ጉባኤ ናይ ግንቦት ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ሓሳባት ሃብ። ወርሒ ነሓሰ ንኽትውዳእ ክልተ ቀዳመ⁠-​ሰንበት ጥራይ ኢዩ ተሪፍዋ: ስለዚ ቅድሚ እታ ወርሒ ምውዳኣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ኣገልግሎት ክካፈል ኣተባብዕ። ኣብ ቀዳመ⁠-​ሰናብቲ ዝግበር ናይ ግራት ኣገልግሎት መደብ ግለጽ።

15 ደቒቕ:- “ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ኣብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ገጽ 44-5 ዘሎ መራሕቲ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ እኹል ዝዕየ ዞባ ከም ዘሎ ብምርግጋጽ ብኸመይ ንናይ ጕጅለኦም ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ከም ዝውድቡ ዝሕብር ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ። ንዝዀነ ይኹን ኣብ ኣገልግሎት ስርዓታዊ ኰይኑ ንምክፋልን ጸብጻብ ንምሃብን ብሕታዊ ሓገዝ ዘድልዮ እውን ቈላሕታ ይገብሩሉ ኢዮም።

18 ደቒቕ:- ትምህርቲ ብምኻድ ብኸመይ ከም እትጥቀም። ሓደ ኣቦ ንደቁ ዓለማዊ ትምህርቲ ጠቓሚ ዝዀነሉ ምኽንያት የረድኦም። (መጽሓፍ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታት [እንግሊዝኛ] ገጽ 133-9 ርአ።) ብዙሓት መንእሰያት ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ስርዓት ዘይብሉ ሕብረተሰብ ትምህርቲ ምኻድ በዳሂ ኰይኑ ይስምዖም። ብተወሳኺውን እቲ ዝመሃርዎ ብዙሕ ተግባራዊ ጥቕሚ ዘይብሉ ኰይኑ ስለ ዝስምዖም ይስልችዎም ኢዩ። እቲ ኣቦ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታትን ብቑዕ ምኽንያታትን ብምቕራብ እኹል ዓለማዊ ትምህርቲ ምርካብ ስለምንታይ ጥበባዊ ከም ዝዀነ ይገልጽ። ደቁ ብግቡእ ንኸጽንዑን ኣብ ክፍሊ ብኣትኵሮ ንኽከታተሉን የተባብዖም።

መዝሙር 127ን መዕጸዊ ጸሎትን

21 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 143

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ነታ “ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ ስለምንታይ ኢዩ ስቓይ ንነዊሕ እዋን ክቕጽል ዘፍቀደ፧” እትብል ሕቶ ብኸመይ ከም እትምልስ ዘርኢ ግቡእ ምድላው እተገብረሉ ናይ ግራት ኣገልግሎት መርኣያ ኣቕርብ። (መጽሓፍ ምምርማር [እንግሊዝኛ] ገጽ 395-6) ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ኣብ ዝቕጽል ቀዳመ⁠-​ሰንበት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንኽካፈል ኣተባብዕ።

10 ደቒቕ:- እንነብረሉ ዘሎና ግዜ ፍሉይ እዋን ኢዩ። ኣብ ናይ 15 ሕዳር 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 22-3 ተመርኲሱ ብሓደ ሽማግለ ዝቐርብ ዝርርብ።

25 ደቒቕ:- “ትጥቀምዶ ኣሎኻ፧” ሕቶን መልስን።

መዝሙር 152ን መዕጸዊ ጸሎትን

28 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 165

8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኵሎም ናይ ነሓሰ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽሮም። ናይ ኵሉ ሰብ ጸብጻብ ክሳዕ 6 መስከረም ምእንቲ ክምዝገብ መራሕቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ኣብ ጕጅለኦም ዝርከብ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ጸብጻብ ከም ዝሃበ ከረጋግጹ ኣለዎም።

17 ደቒቕ:- “ንቕዱስ ነገራት ተማስውሉዶ ኢኹም፧” ዝርርብን ናይ ድግማ ሕቶታትን።

20 ደቒቕ:- “ኣኼባታት ንመንእሰያት ይጠቅም ኢዩ።” ብሓደ ሽማግለ ብሕቶን መልስን ዝግበር ምይይጥ። ቍጽሪ 8 ክትመያየጠላ ከሎኻ ኣብ ኣኼባ ዝያዳ ኣትኵሮን ኣቓልቦን ንኽትገብር ዝሕግዝ ተግባራዊ ነጥብታት ኣቕርብ። (ናይ 22 መስከረም 1998 ንቕሑ! [እንግሊዝኛ] ገጽ 19-20 ርአ።) ወለዲ ጽኑዓት ብምዃን ንውሉዳት ስርዓታውያን ኰይኖም ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ከም ዝካፈሉ ንኽገብርዎም ኣተባብዓዮም።​—⁠ኣብ ናይ 1 መስከረም 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 25 ዘሎ ተመክሮ ርአ።

መዝሙር 176ን መዕጸዊ ጸሎትን

4 መስከረም እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 196

8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ሕቶ ሳጹን። ኣስፋሕቲ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክገብሩ ኸለዉ ዘጋጠሞም ኣወንታዊ ተመክሮታት ከም ዘዘንትዉ ግበር።

17 ደቒቕ:- “ነቲ ቕዱስ ቃል ጽን ኢልኩም ስምዑ።” ሕቶን መልስን። ቍጽሪ 3ን 4ን ይነበባ።

20 ደቒቕ:- “ትጽመምዶ ኣሎኻ፧” ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን። ኵሎም ብዛዕባ እቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ምጽማም ብምርኣይ ዝረኸብዎ ዓወት ከስተንትኑ ኣተባብዓዮም። ድኽመት እንተ ኣርኢና: ብመንፈስ ገዛእ ርእስና ከነበራትዕ የድልየና ኢዩ። ካብ ናይ 1 ጥቅምቲ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 20-1 ቍጽሪ 17-21 ዘሎ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ። ንነዊሕ ዓመታት ብተኣማንነት እተጸመሙ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣስፋሕቲ ጸኒዖም ክቕጽሉ ምእንቲ ክኽእሉ እንታይ ከም ዝገብሩ ንኸዘንትዉ ሕተቶም።

መዝሙር 206ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ