ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/00 ገጽ 1
  • ትጽመምዶ ኣሎኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትጽመምዶ ኣሎኻ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ነቲ . . . እተጻወረ ኣስተብህሉሉ”
    “ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን”
  • “ተጻዋርነት ዕዮኣ ትፈጽም”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ምስ ውድብ የሆዋ ለጊብካ ንበር
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ንተጻዋርነት የሆዋ ቕድሓዮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 8/00 ገጽ 1

ትጽመምዶ ኣሎኻ፧

1 “እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዚመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዚዐቢ ሓጐስ የብለይን።” (3 ዮሃ. 4) ምጽማም ናይ መንፈሳውያን ውሉዳቱ ንዮሃንስ ዓቢ ሓጐስ ኣምጺኡሉ ኢዩ። ንሰማያዊ ኣቦና እውን ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ደቁ ንምዃን ተስፋ ዘለዎም ሰባት ‘ብሓቂ ክመላለሱ’ ክርእዮምሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዘሐጕሶ!​—⁠ምሳ. 23:​15, 16፣ 27:⁠11

2 ህዝቢ ኣምላኽ ብሓፈሻ ክርኣዩ ኸለዉ ብቕንኢ ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታቶም ጸኒዖም ይካፈሉ እኳ እንተለዉ: ገሊኣቶም ግን ቀስ ብቐስ ዛሕቲሎም ኢዮም። እዚኣቶም መጀመርታ ሓቂ ክሰምዑ ከለዉ ህርኩታት እኳ እንተ ነበሩ: ዓመታት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ግን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ብዙሕ ተሳትፎ ዘይብሎም ወይ ሳሕቲ ጥራይ ዝካፈሉ ኰይኖም ኢዮም።

3 ገሊኣቶም ብምኽንያት ኣካላዊ ጸገማትን እርጋንን ንጥፈታቶም እንተ ቐነሱ ኣየገርምን ኢዩ። በቲ ዘርእይዎ ምጽማም ግን ክነኣዱ ኣለዎም። ዝከኣሎም ኢዮም ዝገብሩ ዘለዉ። እንተ​ዀነ ግን ነፍሲ ወከፍ ህይወቱ ንኣምላኽ ዝወፈየ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ገዛእ ርእሱ ክሓትት ኣለዎ:- ‘ኣብ ናይ ብሕተይ ዋኒን ዝያዳ አተኵር ስለ ዘለኹ እቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ረብሓታት ኣብ ህይወተይ ንእሽቶ ቦታ ድዩ ዝሕዝ ዘሎ፧ “ልብጥ ዝበለ” ድየ ዀይነ ወይስ ‘እጋደል’ ኢየ ዘለኹ፧’ (ራእ. 3:⁠15, 16፣ ሉቃ. 13:⁠24) የሆዋ “ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዅሉ . . . ግርማን ክብርን ሰላምን ኪወሀቦ እዩ” ኢሉ ከም እተማባጽዐ ኣብ ግምት ብምእታው: ኵላትና ነቲ እንገብሮ ዘሎና ነገር ብጸሎት ንሕሰበሉ: ከምቲ ዝድለ ድማ ምምሕያሽ ንግበር።​—⁠ሮሜ 2:⁠10

4 ብኸመይ ከም እትጽመም:- ንየሱስ ክጽመም ዝሓገዞ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ጳውሎስ ‘ሕፍረት ንዒቑ: ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል ተዓገሰ: ኣብ የማን ኣምላኽ ከኣ ተቐመጠ’ ኢሉ ገለጸ። (እብ. 12:⁠1-3) እቲ ኣብ ቅድሚ የሱስ ዝነበረ ሓጐስ: ካብቲ ከሕልፎ ዝነበሮ ፈተናታት ኣጸቢቑ ይዓቢ ነበረ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሜና ተነቢሩ ዘሎ ሓጐስ ምሕሳብ ንኽንጽመም ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። (ራእ. 21:⁠4, 7፣ 22:⁠12) ብሕታዊ መጽናዕቲ ብምግባር: ኣብ ኣኼባ ስርዓታውያን ኴንና ብምክፋል: ከምኡውን ከየባተኽና ብምጽላይ የሆዋ ሓይሊ ንኽህበና ናብኡ እንተ​ድኣ ጠሚትና: ኣብቲ ዝሃበና ዕዮ ጸኒዕና ክንቅጽል ኢና።

5 የሆዋ በቲ እቶም እሙናቱ ዘርእይዎ ምጽማም ይሕጐስ ኢዩ። ስለዚ: ብቐጻሊ ‘ብሓቂ ብምምልላስ’ ንሓጐሱ ንወስኸሉ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ