ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/00 ገጽ 1
  • “ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል”
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቅኑዕ ንምግባር ዝግበር ቃልሲ
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • እቲ ብስራት ዚስበኸሉ ሜላታት
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ‘ብሰናይ ግብሪ ሃብትም’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ምብኣስ ግቡእ ድዩ፧
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 8/00 ገጽ 1

“ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል”

1 ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል” ኢሉ መዓዶ። (1 ጢሞ. 6:⁠12) ጳውሎስ እውን ምስዘን ቃላት እዚኣተን ተሰማሚዑ ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይወቱ: ብብሕቱ ሰናይ ገድሊ ከም እተጋደለ ርግጸኛ ዀይኑ ተዛሪቡ ኢዩ። (2 ጢሞ. 4:⁠6-8) ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወቱ ብድፍረት: ብትብዓት: ከምኡውን ብምጽማም ነቲ ኣገልግሎቱ ፈጺሙ ኢዩ። ንሕናውን ኣብነቱ ብምቕዳሕ ንክርስትያናዊ እምነትና ኣብ እንገብሮ ገድሊ ዝከኣለና ዅሉ ንገብር እንተ​ድኣ ኣሊና: ከምኡ ዝኣመሰለ ምትእምማን ከነሕድር ንኽእል ኢና።

2 ዘድሊ ጻዕሪ ግበር:- ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎቱ ኣበርቲዑ ይዓዪ ነበረ። (1 ቈረ. 15:⁠10) ንሕና እውን ኣብ ዞባና እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ከነናዲ ከሎና ከምኡ ንገብር ኢና። (ማቴ. 10:⁠11) ከምዚ ክበሃል ከሎ: ኣንጊህና ተሲእና ነቶም ኣብ መገዲ እንረኽቦም ሰባት ምስክርነት ምሃብ ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ወይ ድማ ሰባት ናብ ቤቶም ምስ ተመልሱ ንምርካብ ኣጋ ምሸት ምስባኽ የድልየና ይኸውን።

3 ኣብ ናይ ጕጅለ ትምህርቲ መጽሓፍና ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ክግበር ከሎ ኣብ ግዜና ንምብጻሕ ገዛእ ርእስና ክንቀጽዕን ጽቡቕ መደብ ከነውጽእን የድልየና ኢዩ። ንኣብነት: ገለ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ኣብ ቀዳመ⁠-​ሰናብቲ ምስተን እተመደቡለን ጉባኤታት ኣብ ኣገልግሎት ንኽካፈሉ ክኸዱ ጥራይ 60 ደቒቕ ይጓዓዙ። ብተወሳኺውን ገለ ኣብ ጉባኤና ዝርከቡ ንውሕ ዝበለ ርሕቀት ተጓዒዞም ኣብ ግዜኦም ዝበጽሑ ኣስፋሕትን ስድራ​ቤታትን ንንእዶም ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ትግሃትን ብብሕቲ እተመሓደርካ ናይ ምዃን ባህርይን ክቕዳሕ ዘለዎ ኣብነት ኢዩ።

4 ንዝረኸብናዮም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ኵሎም ምክትታል ንምግባር ክንድረኽ ኣሎና። ኣብ መገዲ ወይ ኣብ ናይ እግረ⁠-​መገዲ ምስክርነት ጽሑፋት ክንዕድል ከሎና እውን ከይተረፈ: ናይቲ ውልቀ⁠-​ሰብ ኣድራሻ ወይ ቍጽሪ ተሌፎን ንምርካብ ክንጽዕር ኣሎና። ብድሕሪኡ ድማ ተገዳስነቱ ንምዕባይ እንደገና ክንበጽሖን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንጅምረሉ ጻዕሪ ክንገብርን ንኽእል ኢና።

5 ኣብ ኣገልግሎት ስርዓታዊ ኹን:- ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎቱ ስርዓታውን ውፉይን ኢዩ ነይሩ። (ሮሜ 15:⁠19) ንስኻኸ ከመይ ኢኻ፧ ኣብ ኣገልግሎት ስርዓታዊ ኴንካ ትካፈልዶ ኢኻ፧ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኣገልግሎት ተሳትፎ ገይርካዶ ኢኻ፧ መራሕቲ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ጕጅለኦም ዝርከብ ኣስፋሒ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ኣገልግሎት ይካፈል ምህላዉ ክከታተሉ ኢዮም። ነዚ ንምግባር ክሕግዙኻ ኢዮም።

6 ነቲ ብስራት ምሉእ ብምሉእ ደገፍ ኣብ ምሃብ ኣብነት ጳውሎስ ብምቕዳሕ: ‘ጽቡቕ ገድሊ እምነት ምግዳል’ ክንቅጽል ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ