ንትዕግስቲ የሆዋ ተማስወሉዶ ኢኻ፧
1 የሆዋ ኣብዚ ዝሓለፈ 10, 20, ከምኡውን ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ትዕግስቲ ብምግባር ተወሳኺ ምስክርነት ክወሃብ እንተ ዘይፈቅድ ነይሩ ሓቂ ምሰማዕካዶ፧ ብዙሓት ሰባት “ናብ ንስሓ ኺበጽሑ” ብምፍቃዱስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስዎ። እንተዀነ ግን: እታ ናይ የሆዋ ዓባይ መዓልቲ ፍርዲ “ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ።” (2 ጴጥ. 3:9, 10) ስለዚ ትዕግስቲ ኣምላኽ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ንምምጻእ ከም ዘደንጐየ ገይርካ ብጌጋ ክውሰድ የብሉን።—ኣን. 2:3
2 ንሰባት ደንግጸሎም:- ዓቕሊ የሆዋ ካብቲ ክንርድኦ እንኽእል ንላዕሊ ሰፊሕ ኢዩ። ዕላምኡ ክንስሕቶ የብልናን። (ዮና. 4:1-4, 11) የሆዋ ነቲ ዘደንግጽ ኵነታት ደቅሰብ ይርእዮ: ይርሕርሓሎም ድማ ኢዩ። የሱስ እውን ተመሳሳሊ ስምዒት ኣለዎ። እቶም ዝሰብከሎም ዝነበረ ብዙሓት ህዝቢ ስለ ዘደንገጽዎ: ብዙሓት ዘለኣለማዊ ህይወት ክረኽቡ ኣጋጣሚ ምእንቲ ክኽፈተሎም እቲ ዕዮ ወንጌላውነት ክሰፍሕ ደለየ።—ማቴ. 9:35-38
3 ሓደጋታትን ባህርያዊ ዕንወትን ከጋጥም ከሎ: ነቶም ሓቂ ዘይፈልጡ ሰባት ኣይንድንግጸሎምንዶ ኢና፧ ሎሚ ሰባት ነዚ ሕንፍሽፍሽ ናይዛ ዓለም እዚኣ ክዋጽኡሉን ክግንዘብዎን ሓርኮትኮት ኣብ ዝብሉሉ ዘለዉ እዋን “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ” ኢዮም ኰይኖም። (ማር. 6:34) ነቲ ብስራት ብቕንኢ ብምስባኽ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ነጸናንዖም: ንትዕግስቲ የሆዋ ዘሎና ሞሳ ድማ ነርኢ።—ግብ. 13:48
4 ዕዮና ህጹጽ ኢዩ:- ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 323,439 ዝኣኽሉ ሰባት ተጠሚቖም: ኣብ በዓል ዝኽሪ ኸኣ ልዕሊ 14,000,000 ተኣከብቲ ነይሮም ኢዮም። እዝስ ካብ ጥፍኣት ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ከምልጡ ዝኽእሉ ብዙሓት ሰባት ከም ዘለዉ ዘርኢ ከመይ ዝበለ መርትዖ ኰን ኢዩ! እቶም “ዓቢ ጭፍራ” ብዝሖም ክንደይ ከም ዝኸውን ኣይንፈልጥን ኢና። (ራእ. 7:9 NW ) ናይ ስብከት መዝነትና ብሕጂ ክንደይ ከም ዝጸንሕ እውን ኣይንፈልጥን ኢና። የሆዋ ግን ይፈልጥ ኢዩ። እቲ ብስራት ንዕኡ ብዘዕግብ መገዲ ክስበኽ ኢዩ: “ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።”—ማቴ. 24:14
5 እቲ ዘመን ሓጺር ኢዩ: መዓልቲ የሆዋ ድማ ኣዝያ ቀሪባ ኢያ። (1 ቈረ. 7:29፣ እብ. 10:37) ‘ምድሓንና ካብቲ ዝኣመንናሉ ግዜ ሕጂ ኣዝዩ ቐሪቡ ከም ዘሎ’ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ሮሜ 13:11) ዕላማ ናይቲ መለኮታዊ ትዕግስቲ ኣይንስሓቶ። ኣብ ክንድኡስ: ብዙሓት ጽድቂ ሃረር ዝብሉ ሰባት ነቲ ዓቢ ምሕረት የሆዋ ምእንቲ ከስተማቕሩ ብህጹጽ ንስበኽ።