ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድግማ
ካብ 1 ግንቦት ክሳዕ 21 ነሓሰ 2000 ኣብ ዘሎ ሰሙናት ንዝዋሃብ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክፍልታት መጽሓፍ ከይገንጸልካ ዝግበር ድግማ። በቲ ተዋሂቡ ዘሎ ግዜ ብዝከኣለካ መጠን ናይቲ ሕቶታት መልሲ ንምጽሓፍ: መጽሓፊ ወረቐት ኣዳሉ።
[መተሓሳሰቢ:- ኣብ ግዜ ናይቲ ጽሑፋዊ ድግማ: ዝዀነ ይኹን ሕቶ ንምምላስ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኢዩ ምጥቃም ዝከኣል። ደድሕሪ እቲ ሕቶታት ዝስዕብ መሐበሪታት: ናይ ብሕትኻ ምርምር ንምግባር ዝሕግዘካ ኢዩ። ኵሉ እቲ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መሐበሪታት ቍጽሪ ናይ ገጽን ቍጽሪ ሕጡብ ጽሑፍን ዘይጠቅስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።]
ነዞም ቀጺሎም ዘለዉ ምሉኣት ሓሳባት ቅኑዕ ወይ ጌጋ ኢልካ መልስ:-
1. ነቲ ሰብ ኤፍሬም እተዛረብዎ ምኽንያታዊ ዘይኰነ ተሪር ቃላት ጊዴዎን ዝሃቦ መልሲ: ልኡምን ትሑትን ምንባሩ የርኢ: ስለዚ ኸኣ ነቲ ዘይርትዓዊ ነቐፌታኦም ኣንፈቱ ቀየሮ: ሰላም ድማ ኣስዓበ። (መሳ. 8:1-3) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ]
2. ማኖኣ “ንኣምላኽ ርኢናዮ ኢና” እኳ እንተ በለ: ከም ሓቂ ግን ንሱን ሰበይቱን ስጋ ለቢሱ ንዝመጸ ናይ ኣምላኽ ኣፈኛ ድኣ እምበር ንየሆዋ ኣይኰኑን ዝረኣይዎ። (መሳ. 13:22) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w88 15/5 (እንግሊዝኛ) ገጽ 23 ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ።]
3. እታ ኣብ መሳፍንቲ 5:31 እትርከብ “እቶም ዚፈትውዎ” እትብል መግለጺ ብትንቢት ነቶም 144,000 ወረስቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢያ እተመልክት። [si ገጽ 50 ቍ. 28]
4. ቍርጽራጻት ናይ መጽሓፍ ሩት ኣብ ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት ኣይተረኽበን። [si ገጽ 51 ቍ. 3]
5. መሳፍንቲ 21:25 ነቲ የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ብዘይገለ መምርሒ ዝገደፎም እዋን ኢያ እተመልክት። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w95 1/6 ገጽ 26 ቍ. 16 ርአ።]
6. እቲ ኣብ ታቦት ኪዳን ዝነበረ ምስሊ ኪሩቤል ንንጉሳዊ ህላወ ናይቲ “ኣብ ልዕሊ [ወይ “መንጎ:” NW እግረ-ጽሑፍ] ኪሩቤል ዚነብር” የሆዋ ኢዩ ዘመልክት። (1 ሳሙ. 4:4) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w80 1/11 (እንግሊዝኛ) ገጽ 29 ሕጡብ ጽሑፍ 2 ርአ።]
7. ሰራዊት ሳኦል ኣብ ኣጸጋሚ ኵነታት ደም በሊዖም ስለ ዘይተቐጽዑ: ህይወት ንኸተድሕን ኢልካ ንግዜኡ መለኮታዊ ሕጊ ሸለል ምባል ምኽንያታዊ ክኸውን ከም ዝኽእል የርኢ። (1 ሳሙ. 14:24-35) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w94 4 ገጽ 31 ሕጡብ ጽሑፍ 7-9 ርአ።]
8. ገሊኣቶም ነታ “ምርዳእ” ተባሂላ እትትርጐም “ፐርስወሽን ” እትብል ናይ እንግሊዝኛ ቃል ምስ ምትላልን ጕርሕን የተሓሕዝዋ እኳ እንተዀኑ: ከም ዝኣምን ምግባር ከምኡውን ጥዑይን ምኽንያታውን ዝዀነ መረድኢ ተጠቒምካ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ምምጻእ ብዝብል ኣወንታዊ መልክዕ ክንጥቀመላ ንኽእል ኢና። (2 ጢሞ. 3:14, 15) [w98 15/5 ገጽ 21 ሕጡብ ጽሑፍ 4]
9. እታ “ኸረጺት ህያዋን” ነቲ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ናይ ደም ገበነኛ ካብ ምዃን ምስ ዝሕሎ ዝረኽቦ ናይ ዕቝባን ድሕነትን መለኮታዊ ምድላው ኢያ እተመልክት። (1 ሳሙ. 25:29) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግ/ዘ 12/112 ገጽ 10 ቍ. 3 ርአ።]
10. እቲ ኣብ 2 ሳሙኤል 7:16 ተገሊጹ ዘሎ ምስ ዳዊት እተኣትወ ኪዳን መንግስቲ: ነቲ መሲህ ዝመጻሉ ዘርኢ ንጹር ከም ዝኸውን ገበሮ: ካብ ዘርኢ ዳዊት ሓደ ሰብ “ንዘለኣለም” ከም ዝገዝእ ከኣ ሕጋዊ ውሕስነት ዝህብ ነበረ። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግ/ዘ 3/2/110 ገጽ 7 ቍ. 21-22 ርአ።]
ነዞም ቀጺሎም ዘለዉ ሕቶታት መልሶም:-
11. መዝሙር 34:18 እንታይ መረጋገጺ ኢያ እትህበና፧ [w98 1/4 ገጽ 31 ሕጡብ ጽሑፍ 2]
12. ዮሴፍ: በርናባስ ተባሂሉ ምጽውዑ እንታይ ኢዩ ዝሕብር፧ (ግብ. 4:36) [w98 15/4 ገጽ 20 ሕጡብ ጽሑፍ 3: እግረ-ጽሑፍ]
13. ኤሊ ካብ ንየሆዋ ንላዕሊ ንደቁ ከም ዘኽበረ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገለጸ ስለምንታይ ኢዩ፧ (1 ሳሙ. 2:12, 22-24, 29) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w96 15/9 ገጽ 13 ቍ. 14 ርአ።]
14. መጽሓፍ ሩት ነቲ ኣብ መብጽዓታት ናይታ መንግስቲ ዘሎና ምትእምማን እተደልድሎ ስለምንታይ ኢያ፧ [si ገጽ 53 ቍ. 10]
15. ብመሰረት 1 ሳሙኤል 1:1-7 ስድራቤት ሳሙኤል ከመይ ዝበለ ብሉጽ ኣብነት ኢዮም ዝገደፉ፧ [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w98 1/3 ገጽ 16 ቍ. 12 ርአ።]
16. ‘ሃብቲ መዐሸዊ [ኢዩ]’ ክበሃል ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ (ማቴ. 13:22) [w98 15/5 ገጽ 5 ሕጡብ ጽሑፍ 1]
17. ዮናታን ነቲ ብዕድመ ካብኡ ዝንእስ ብየሆዋ እተቐብአ ዳዊት ኣፍልጦ ከም ዝሃቦ ብኸመይ ኣርኣየ: እዚኸ ሎሚ ናይ ምንታይ ምሳሌ ኢዩ፧ (1 ሳሙ. 18:1, 3, 4) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግ/ዘ 1/1/110 ገጽ 20, 23 ቍ. 4, 13 ርአ።]
18. እዮብ “ፍጹምን ቅኑዕን” እኳ እንተ ነበረ: እዚ ክበሃል ከሎ ፍጹም ሰብ ነይሩ ማለት ከም ዘይኰነ መጽሓፍ እዮብ ብኸመይ ትሕብረና፧ (እዮ. 1:8) [w98 1/5 ገጽ 31 ሕጡብ ጽሑፍ 1]
19. እታ “ተጋደሉ” እትብል መግለጺ ንምንታይ ኢያ እተመልክት፧ (ሉቃ. 13:24) [w98 15/6 ገጽ 31 ሕጡብ ጽሑፍ 1, 4]
20. ምስ ካልኦት ክንዓዪ ከሎና ካብቲ ኣብ 2 ሳሙኤል 12:26-28 ተመዝጊቡ ዘሎ እንታይ ጠቓሚ ትምህርቲ ኢና ክንወስድ ንኽእል፧ [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w93 1/12 ገጽ 8 ቍ. 19 ርአ።]
ነዞም ቀጺሎም ዘለዉ ነፍሲ ወከፍ ሓሳባት: ብቓል (ብቓላት) ወይ ብሓረግ ገይርካ ምልኣዮም:-
21. የሆዋ ንኣምልኾ በዓል ብጽኑዕ ምዅናኑ: ካብዚ ሎሚ ዘሎ ምስ ኣምልኾ በዓል ዝመጣጠን _________________________: _________________________: ከምኡውን _________________________ ክንርሕቕ ክድርኸና ኣለዎ። (መሳ. 2:11-18) [si ገጽ 50 ቍ. 26]
22. ዘመን _________________________ ኣብቂዑ እቲ እስራኤላውያን ኣብ መወዳእታ ሞገስ የሆዋ ዘጥፍኡሉ ዘመን _________________________ እተጀመረ ብግዜ ሳሙኤል ነበረ። [si ገጽ 53 ቍ. 1]
23. እቲ የሆዋ ዝብል መለኮታዊ ስም “_________________________” ዝብል ትርጕም ክህልዎ ኸሎ: እዚ ድማ ________________ ___________________ ንኽፍጽም የሆዋ ገዛእ ርእሱ ከምቲ ዝደለዮ ዘኽውን ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ። [w98 1/5 ገጽ 5 ሕጡብ ጽሑፍ 3]
24. ኤሊ ስጕምቲ ንምውሳድ _________________________ ሳኦል ድማ _________________________ ስጕምቲ ስለ ዝወሰደ ክልቲኦም በዲሎም ኢዮም። [si ገጽ 57 ቍ. 27]
25. እቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ብጻይነት ዘርኣየ ሳምራዊ እተዛረቦ ምሳሌያዊ ዛንታ ከም ዘብርሆ ናይ ሓቂ ቕኑዕ ሰብ ዝበሃል እቲ _________________________ ኣምላኽ ዝእዘዝ ጥራይ ዘይኰነስ እቲ _________________________ እውን ዝቐድሕ ምዃኑ ኢዩ ዝሕብር። (ሉቃ. 10:29-37) [w98 1/7 ገጽ 31 ሕጡብ ጽሑፍ 2]
ኣብዞም ቀጺሎም ዘለዉ ምሉኣት ሓሳባት ነቲ ቕኑዕ መልሲ ምረጽ:-
26. እታ ሓለፍ ዝበለት (ጥበብ፣ ሓይሊ፣ ፍቕሪ) የሆዋ ነታ ቀደም ን(በዓል፣ ከሞሽ፣ ዳጎን) እተምልኽ ዝነበረት ድሓር ግን ናብ ሓቀኛ ሃይማኖት ዝመጸት እሞ እኖሓጎ የሱስ ክርስቶስ ዝዀነት ሞኣባዊት (ሩት፣ ናእሚ፣ ዖርጳ) ኣብ ምምራጽ ተራእያ ኢያ። (ማቴ. 1:3, 5, 16) [si ገጽ 51 ቍ. 1]
27. እቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ናይ መሳፍንቲ ዘመነ-መግዛእቲ (ሳሙኤል፣ ዳዊት፣ ሳኦል) ንጉስ ኰይኑ ምስ ተቐብአ ከምኡውን ብዙሕ ከይጸንሐ ብሓገዝ የሆዋ ን(ዓሞናውያን፣ ሞኣባውያን፣ ፍልስጥኤማውያን) ምስ ሰዓሮም ኣብቅዐ። (1 ሳሙ. 11:6, 11) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w95 15/12 ገጽ 9 ሕጡብ ጽሑፍ 2–ገጽ 10 ሕጡብ ጽሑፍ 1 ርአ።]
28. ጢሞቴዎስ ብሉጽ ሚስዮናውን ተዓዛብን ናብ ምዃን ደረጃ ዝበጽሐ ብ(ሃዋርያ ጳውሎስ፣ ኣቦኡ፣ ኣዲኡን ዓባዩን ) ካብ “ቅዱሳት ጽሑፋት” ስለ እተማህረ ኢዩ። (2 ጢሞ. 3:14, 15፣ ፊል. 2:19-22) [w98 15/5 ገጽ 8 ሕጡብ ጽሑፍ 3–ገጽ 9 ሕጡብ ጽሑፍ 4]
29. እቲ (ዳዊት፣ ሳሙኤል፣ ዮናታን) ብንእስነቱ ዝገበሮ ኣገልግሎት ነዞም ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ንኣገልግሎት ውፉያት ንኽዀኑ: ክሳዕ ዝመውት ኣብ ኣገልግሎት ምቕጻሉ ድማ ነዞም ብሰንኪ ዕቤት ዝደኸሙ ከበራትዖም ኣለዎ። [si ገጽ 58 ቍ. 30]
30. ካልኣይ ሳሙኤል እትሽፍኖ ግዜ ካብ (1077 ክሳዕ ከባቢ 1040፣ 1077 ክሳዕ ከባቢ 1037፣ 1070 ክሳዕ ከባቢ 1040) ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ይኸውን። [si ገጽ 59 ቍ. 3]
ነዞም ቀጺሎም ዘለዉ ጥቕስታት ምስቶም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ምሉኣት ሓሳባት ኣዛምዶም:-
መሳ. 11:30, 31፣ 1 ሳሙ. 15:22፣ 30:24, 25፣ 2 ነገ. 6:15-17፣ ያእ. 5:11
31. የሆዋ ከም ፍቓዱ ንህዝቡ ንምክልኻል ሰማያውያን ሰራዊቱ ከም ዝጥቀም መረጋገጺ ይህብ ኢዩ። [w98 15/4 ገጽ 29 ሕጡብ ጽሑፍ 5]
32. ሓድሓደ ግዜ ከቢድን ብዙሕ ዋጋ ዝሓትትን እውን እንተዀነ ናይ ጉባኤ ተዓዘብቲ ቃሎም ክሕልዉ ኣለዎም። [w99 15/9 ገጽ 10 ሕጡብ ጽሑፍ 3-4]
33. ኣብ ትሕቲ ፈተና ንጽህና ምሕላው: ብዙሕ ዓስቢ ከም እንዓጽድ ይገብረና። [w98 1/5 ገጽ 31 ሕጡብ ጽሑፍ 4]
34. ንኣምላኽ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ምህላው: መስዋእትታት ምቕራብ ጥራይ ዘይኰነስ ንመለኮታዊ መምርሒታት ምእዛዝ እውን ዝሓትት ኢዩ። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w96 15/6 ገጽ 5 ሕጡብ ጽሑፍ 1 ርአ።]
35. የሆዋ ነቶም ሎሚ ኣብ ማሕበሩ ሓጋዚ ዝዀነ ዕዮታት ብምዕያይ ዘገልግሉ ኣሕዋት ኣኽቢሩ ኢዩ ዝርእዮም። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w86 1/9 (እንግሊዝኛ) ገጽ 28 ሕጡብ ጽሑፍ 4 ርአ።]