ሕቶ ሳጹን
◼ ሓንቲ ጉባኤ ናይ ዞባኣ ካርታ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ክትሰቅል ግቡእ ድዩ፧
እወ: ናይ ጉባኤ ናይ ዞባ ካርታ ኣብ ቬትሮ ኣትዩ ኣብ መንደቕ ናይ ኣደራሽ መንግስቲ ክስቀል ኣለዎ። እቲ ካርታ ኣብ ናይ ሓበሬታ ሰሌዳ ክልጠፍ የብሉን። ንወሰናስን ዶባት እታ ጉባኤ ከምኡውን ንናይ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ዶባትን ቍጽሩን ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ። ዶባት ናይተን ሓንቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ዝጥቀማ ጉባኤታት ኣብቲ ካርታ ምልክት ክግበረሉ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ንኣስፋሕትን ተገዳስነት ንዘለዎም ሓደስቲ ሰባትን ኣብ ዞባ ናይ ኣየነይቲ ጉባኤ ከም ዝነብሩ ንኽፈልጡ ይሕግዞም። ኣብቲ ካርታ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝግበረሉ ቦታታት ምምልካት: ናብ ኣየናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ክኸዱ ከም ዘለዎም ንኽፈልጡ ይሕግዞም ኢዩ። ዝዀነ ይኹን እተገብረ ለውጥታት ምስ ዝህሉ ኣብቲ ካርታ ክሕበር ኣለዎ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ካርታ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ምስቃል: ንዅሎም ኵነታቶም ዝፈቕደሎም ኣስፋሕቲ ናይ ብሕቶም ዞባ ንኽህልዎም ሰናይ መዘኻኸሪ ይዀኖም። ነቶም ኣብ ጥቓ ገዝኦም ዞባ ክወስዱ ዝደልዩ ኣስፋሕቲ እዚ ካርታ እዚ ሓጋዚ ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ዝመርሕ ሓው ንነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ኣስፋሕቲ ነቲ ከገልግልሉ እተመደብሉ ቦታ ብቕልጡፍ ንኽሕብሮም ስለ ዘኽእሎ ግዜ ንምቝጣብ ሓጋዚ ኰይኑ ክርከብ ይኽእል ኢዩ።
ብተወሳኺውን እቲ ካርታ ምህላዉ እታ ጉባኤ ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብምሉኡ እቲ እተመደበላ ዞባ ንምስባኽ እተመሓደረት ምዃና ዘረጋግጽ ኢዩ።—ሉቃ. 9:6