ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/00 ገጽ 6
  • ሓናኽ ዲኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓናኽ ዲኻ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 15 ስለምንታይ ኢየ ኣዝየ ዝሓፍር፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • ምስ ሰብ ሕዉስ ዘይኰንኩ ስለምንታይ ኢየ፧
    ንቕሑ!—2000
  • ምስ ሰብ ሕዉስ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧
    ንቕሑ!—2000
  • የሆዋ ኼበርትዓካ እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 7/00 ገጽ 6

ሓናኽ ዲኻ፧

1 ንእሽቶ ቘልዓ ብድሕሪ ኣዲኡ ወይ ኣቦኡ ተሓቢኡ ስርቕ ኣቢሉ ክጥምተና ከሎ ምስ እንርኢ ኣይንግረምን ኢና። ኣብ እዋን ቍልዕነት ሕንኪ ባህርያዊ ኢዩ። አረ ብዙሓት በጽሕታት እውን ብባህሪኦም ሓናኻት ኢዮም። ሕንኪ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎካ ተሳትፎ ዝትንክፎ እንተ​ድኣ ዀይኑ: እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

2 ንሕንኪ ምስናፉ:- ናብ ‘ሕቡእ ናይ ልቢ ሰብ’ ኣቓልቦ ምግባር ኣገዳሲ ኢዩ። (1 ጴጥ. 3:⁠4) ንየሆዋን ንሰባትን ዘሎካ ፍቕሪ ኣደልድል። ናይ ስብከት መዝነት ምፍጻም ሓደ ካብቲ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዘለዋ ፍቕሪ ብዝበለጸ መገዲ እትንጸባረቐሉ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ እመን። ብሕታዊ መጽናዕቲ ኣብ ምግባርን ጉባኤ ኣብ ምክፋልን ጽቡቕ ልማድ ይሃሉኻ። ብፍላይ ንኽሕግዘካ ከየባተኽካ ናብ የሆዋ ጸሊ። ኣብኡ ጽኑዕ እምነትን ትውክልትን ምግባር ምትእምማን ከም ዝህልወና ይገብር ከምኡውን ‘ብዘይ​ፍርሃት ቃል ኣምላኽ ንምንጋር ድፍረት’ ይህበና።​—⁠ፊል. 1:⁠14

3 ነቲ ብቕዓት ከም ዘይብልካ ኰይኑ ዝስምዓካ ስምዒት ተቓለሶ። ጢሞቴዎስ ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ክቃለስ ዝነበሮ ኢዩ ዝመስል። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ‘ኣምላኽ መንፈስ ሓይሊ እምበር መንፈስ ፍርሃት ከም ዘይሃበና’ ብምዝኽኻር: ‘ንንእስነቱ ሓደ እኳ ከይንዕቓ’ ኣተባብዖ። (2 ጢሞ. 1:⁠7፣ 1 ጢሞ. 4:⁠12) የሆዋ ንጢሞቴዎስ ምሉእ ብምሉእ ተጠቒምሉ ኢዩ፣ ንስኻ እውን ኣብኡ ምሉእ ትውክልቲ ብምግባር ክትመሓየሽ እንተ ጽዒርካ ክጥቀመልካ ኢዩ።​—⁠መዝ. 56:⁠11

4 ሓንቲ ሓናኽ ብምዃና ነቲ ተጻራሪ ሰብኣያ እትፈርህ ዝነበረት ሓብቲ: ንኸም ማቴዎስ 10:⁠37 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ምስትንታና ሓገዛ። ከይተሓለለት ምስ ጸዓረት ኣገልግሎት እናቐለላ ከደ: ኣብ መወዳእታ ድማ ሰብኣያ: ኣዲኣ: ከምኡውን ኣሕዋታ ሓቂ ተቐበሉ!

5 ምድላው ኣድላዪ ኢዩ:- ንኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ እንተ​ድኣ ተዳሊኻ: ዘሎካ ምትእምማን ክውስኽ ኢዩ። ካብ መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) ወይ ካብ ዝሓለፈ ሕታማት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ሓደ ቀሊል ኣቀራርባ ተዳሎ: ኣጽንዓዮ: ከምኡውን ተለማመዶ። ባዕልኻ ዘየድሊ ጭንቀት ኣብ ክንዲ ምፍጣር: ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ይሃሉኻ። ምስ ካልኦት ጠቢቕካ ብምግልጋል ትብዓት ኣጥሪ። እቶም ካብ ቤት ናብ ቤት ክትከይድ ከሎኻ እትረኽቦም መብዛሕትኦም ሰባት ከማኻ ሓናኻት ምዃኖም ኣይትረስዕ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክሰምዕ የድልዮ ኢዩ።

6 ሓናኽ እንተ​ድኣ ዄንካ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ነዚ ክትዓየሉ ክትጽዕር ከሎኻ: ፍረ ዘለዎ ሰባኺ ናይቲ ብስራት ንኽትከውን የሆዋ ክሕግዘካ ኢዩ። ድሕርዚ ኣብ ኣገልግሎትካ ሓጐስ ክህልወካ ኢዩ።​—⁠ምሳ. 10:⁠22

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ