ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
10 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት። ነቲ “ንደቅሰብ በጅነት ዘድልየሉ ምኽንያት” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ፍሉይ ዝርርብ ኣብ 16 ሚያዝያ ክቐርብ ምዃኑ ምልክታ ምንጋር ኣይትረስዕ። ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2000 ዝርከብ ካብ 14-19 ሚያዝያ ክንበብ እተመደበ ናይ በዓል ዝኽሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክስዕቡ ንዅሎም ኣተባብዓዮም። ነታ ኣብ ገጽ 4 ናይዛ እታው ዘላ “ንበዓል ዝኽሪ ዝኸውን መዘኻኸሪታት” እትብል ዓንቀጽ ኣቕርብ።
15 ደቒቕ:- “ንፍቕሪ ክርስቶስ ምላሽ ትህበሉዶ ኣሎኻ፧” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ካብ ናይ 1 ግንቦት 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 16-17 ቍጽሪ 12-13 ዘሎ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ። ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ: ሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ንምዕዳም ፍሉይ ጻዕሪ ክገብር ኣተባብዕ።
20 ደቒቕ:- “ሚያዝያ—ንሰናይ ግብሪ ቅንኢ እነርእየላ እዋን!” ሕቶን መልስን። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እንታይ ክንዓምም ከም እንደሊ ዝገልጽ ውዕዉዕ ምይይጥ። ኣብተን ናይ መወዳእታ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ደቓይቕ ነታ “ንብዙሓት ሰባት እተነቓቕሕ ቅንኢ” እትብል ዓንቀጽ ኣቕርባ።
መዝሙር 199ን መዕጸዊ ጸሎትን
17 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 25
13 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ካብ ወርሒ ሚያዝያ ክልተ ቀዳመ-ሰናብቲ ጥራይ ኢየን ተሪፈን ዘለዋ: ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ እዛ ወርሒ ቅድሚ ምውዳኣ ኣብ ኣገልግሎት ክካፈል ኣተባብዕ። ብእዋናውያን መጽሔታት ተጠቒምካ ሓጺር ኣቀራርባ ብመርኣያ ኣቕርብ።
16 ደቒቕ:- “ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ኣሎካዶ፧” ሕቶን መልስን። ነቲ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ቀዳማይ ቦታ ክንህቦ ኣሎና። ብመንፈስ ዝረብሓና ነገራት ምግባር ንኽንቅጽል ተበግሶን ርእስኻ ምግታእን ይሓትት። ካብ ናይ የሱስ ኣብነት እንታይ ክንማሃር ከም እንኽእል ግለጽ።—ኢንሳይት ጥራዝ 2 (እንግሊዝኛ) ገጽ 68 ሕጡብ ጽሑፍ 3-5 ርአ።
16 ደቒቕ:- ንመጽሔታት ኣብቲ ዝያዳ ውጽኢታዊ ዝዀነሉ ዓድሎ። ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን። መጀመርታ: ናይ ቀደም መጽሔታት ንኽዕደል ኣተባብዕ። ድሕሪኡ: ነቲ ኣብ ናይ 8 ጥሪ 1995 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 22-4 ዘሎ ሓሳባት ኣቕርብ። ነቲ ኣብ መጽሔታት ዝወጽእ ፍሉይ ዓንቀጻት ምላሽ ዝህቡ ሰባት ከነናዲ ዘሎና ስለምንታይ ምዃኑ ግለጽ። ካብ ዝሓለፈ ሕታማት ኣብነታት ኣቕርብ: ከምኡውን እቲ ዓንቀጻት ክጠቕሞም ዝኽእል ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ውልቀ-ሰባት: ናይ ንግዲ ትካላት: ወይ ማሕበራት ግለጽ። ኣስፋሕቲ በዚ ሜላ እዚ ብምጥቃም ጽቡቕ ውጽኢት ዝረኸብሉ ተመክሮ ከዘንትዉ ዓድሞም።
መዝሙር 71ን መዕጸዊ ጸሎትን
24 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣብ በዓል ዝኽሪ ኣብታ ጉባኤ ክንደይ ተኣኪቦም ከም ዝነበሩ ግለጽ። እቶም ንመጀመርታ ግዜኦም እተዓደሙ ሰባት ዝሃብዎ መግለጺታት ንኸዘንትዉ ንተኣከብቲ ዓድሞም።
17 ደቒቕ:- ሓደስቲ ሰባት ናብ ኣኼባታት ንኽመጹ ሓግዞም። ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ገጽ 161-3 ቍጽሪ 5-8 እተመስረተ ዝርርብ። ሓደስቲ ሰባት ንእተወሰነ እዋን ጽንዓት ምስ ገበሩ ናብ ኣኼባታት ክመጹ ኣድላዪ ኢዩ። ኣብ ኣኼባ ከም ዝመጹ ምግባር በዳሂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ድራኸ ንኸተሕድረሎም እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ እቶም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሑ ዘለዉ ነዚ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ዝርከብ ትምህርቲ ምስ ጽንዓታቶም ክመያየጡሉ: ብድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ሓቀኛ ኣምልኾ ምእንቲ ክሓብሩና ንምሕጋዝ ንጹር ምድላዋት ክገብሩ ኣለዎም።
18 ደቒቕ:- “ስርዓታዊ ኣዋጂ መንግስቲ ኣምላኽ ዲኻ፧” ብናይ ጉባኤ ጸሓፊ ዝቐርብ ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን። ናይ ግራት ኣገልግሎት ጸብጻብ ስለምንታይ ከም እንህብ ግለጽ። (መጽሓፍ ኣገልግሎትና [እንግሊዝኛ] ገጽ 106-8 ርአ።) ጸብጻብ ብቕልጡፍ እንተድኣ ዘይሂብና ዘጋጥም ጸገማት ግለጽ። እቶም ኣስፋሕቲ ጸብጻብ ኣብ ግዜኡ ንምሃብ እንታይ ከም ዝገብሩ ከዘንትዉ ዓድሞም። መራሕቲ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ብኸመይ ክሕግዙ ከም ዝኽእሉ ሓብር። ካብ ወርሒ ሚያዝያ ሓንቲ ቀዳመ-ሰንበት ጥራይ ኢያ ተሪፋ ዘላ: ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ኣብ ኣገልግሎት ክካፈልን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጸብጻብ ክህብን ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሕ።
መዝሙር 200ን መዕጸዊ ጸሎትን
1 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 213
12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኵሎም ናይ ሚያዝያ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽሮም። ናይ ኵሉ ሰብ ጸብጻብ ክሳዕ 6 ግንቦት ምእንቲ ክምዝገብ መራሕቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ኣብ ጕጅለኦም ዝርከብ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ጸብጻብ ከም ዝሃበ ከረጋግጹ ኣለዎም። ነታ ሕቶ ሳጹን ምስታ ጉባኤ ብዝሰማማዕ መገዲ ኣቕርባ።
15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።
18 ደቒቕ:- “ተመሊስካ ከም እትበጽሖም ርግጸኛ ኹን!” ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ተመላሊስካ ምብጻሕ ካብ ምግባር እንሰንፈሉ ምኽንያታት ግለጽ። ጽፉፍ መዘኻኸሪ ምሓዝን ተመሊስካ ንኽትከይድ ፍቓደኛ ምዃንን ስለምንታይ ኣድላዪ ከም ዝዀነ ግለጽ። ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ኣብ ሰሙን ገለ እዋን ንኽምድቡ ሓሳብ ኣቕርብ። ኣብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ገጽ 88-9 ተጠቒሱ ዘሎ ኣቕርብ። ኣብ ናይ 1995 ዓመት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 45 ዝርከብ ተመክሮ ኣዘንቱ።—1 ቈረ. 3:6, 7
መዝሙር 68ን መዕጸዊ ጸሎትን