ንፍቕሪ ክርስቶስ ምላሽ ትህበሉዶ ኣሎኻ፧
1 ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ ናይ ጐይታኡ ኣነባብራ ክገልጽ ከሎ “የሱስ . . . ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም” ኢሉ ጸሓፈ። (ዮሃ. 13:1) በዓል ዝኽሪ ኣብ ዝግበረሉ ወቕቲ ኣብቲ ካብ ኵሉ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ ክርስቶስ ኢና ምሉእ ኣቓልቦ እንገብር። ኣብቲ በጅነት እምነት ብምግባር: ከም የሱስ ኣብ ዕዮ ስብከት ብቕንኢ ብምክፋል: ከምኡውን “ኽሳዕ መወዳእታ” ብምዕጋስ ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ምላሽ ክንህበላ ንኽእል ኢና።—ማቴ. 24:13፣ 28:19, 20፣ ዮሃ. 3:16
2 ንፍቕሪ ክርስቶስ ምላሽ ምሃብ:- የሱስ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ምድራዊ ህይወቱ ኣዝዩ ንጡፍ ነበረ። (ማቴ. 21:23፣ 23:1፣ 24:3) ንሕና እውን ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ መጠን: እታ ዘላትና ፍቕሪ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ‘ንኽንጋደል’ ትድርኸና ኢያ። (ሉቃ. 13:24) ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ኣገልግሎት እተሕልፎ ግዜ ብምውሳኽ: ነቲ ዝያዳ ናይ ምስክርነት ንጥፈታት ንኽህሉ እተገብረ ምድላዋት ክትጥቀመሉ ትኽእልዶ፧
3 ኣብዛ ዓመት እዚኣ: ድራር ጐይታ ረቡዕ ምሸት 19 ሚያዝያ ክውዕል ኢዩ። ኣብዚ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ እዚ ክንደይ ዝዀኑ ሰባት ኰን ክእከቡ ኢዮም፧ ብዓቢኡ ኣባና እተመርኰሰ ኢዩ። ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ክትዕድሞም ሓሲብካ ዘሎኻ ሰባት: ማለት ኣስማት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓታትካን ካልኦት ተገዳስነት ዘለዎም ሰባትን: ኣዝማድ: መሳርሕቲ: ከምኡውን መማህርቲ ጽሒፍካዶ፧ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ረኺብካ ልባዊ ዕድመ ኣቕሪብካሎምዶ፧ እቲ በዓል ዝኽሪ ሒደት መዓልትታት ምስ ተረፎ ከተዘኻኽሮምዶ ኢኻ፧ ናብቲ መአከቢ ቦታ ንኽመጹ ሓገዝ የድልዮምዶ ኢዩ፧ እቶም ሽማግለታት እውን ንዅሎም እቶም ኣብ ኣገልግሎት ዝዛሕተሉ ኣሕዋት ክዕድምዎም ኢዮም። እዛ በዓል ዝኽሪ እዚኣ እትበዓለላ ምሸት ኣብ መንጎ ሰሙን ድኣ እምበር ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ብዘይምዃና ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኸይካፈል ምኽንያት ኣይኰኖን ኢዩ።
4 ተዳሊኻ ምጻእ:- በዓል ዝኽሪ ንምኽባር ክንእከብ ከሎና ተዳሊናን ግቡእ ኣተሓሳስባን ሒዝና ምምጻእ ኣድላዪ ኢዩ። ጳውሎስ ንኣመንቲ ብጾቱ ናይዚ ኣጋጣሚ እዚ ርዝነት ክሓስቡሉ መዓዶም። (1 ቈረ. 11:20-26) ኣብ ናይ ስድራቤት መጽናዕትኹም ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 13 ክሳብ 17 ብምንባብ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራቤት መስዋእቲ የሱስ ንዕኡ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ክገልጽ ይኽእል ኢዩ። ነቲ ኣብ ናይ በዓል ዝኽሪ ሰሙን ዝህሉ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣይትረስዕዎ!
5 ንክርስቶስ ዘሎና ዓሚቝ ፍቕሪ ኣብ 19 ሚያዝያ ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ ንዘለኣለም ከነርኢ ቈሪጽና ኢና! ናይዛ ዓመት እዚኣ በዓል ዝኽሪ ነዚ ውሳነ እዚ ንምድልዳል ክትሕግዘና ኢያ።