ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/00 ገጽ 1
  • ብስራት ኢና እንሰብኽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብስራት ኢና እንሰብኽ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ሰናይ ምብሳር’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ነቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ምሰሎ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • “ብስራት”!
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ንዅሎም ሰባት ዜድልዮም ብስራት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 3/00 ገጽ 1

ብስራት ኢና እንሰብኽ

1 ኣወጅቲ እቲ ‘ሰናይ ብስራት’ ብምዃንናስ ኣየ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ መሰል ኰን ኢና ረኺብና ዘሎና! (ሮሜ 10:⁠15) ነቶም ብህውከትን ተስፋ ምቝራጽን እተኸቡ ሰባት ዘሐድስ መልእኽቲ ሒዝና ኣሎና። ሰባት ‘ሰናይ ብስራት’ ሒዝና ከም ዘሎና ንኽፈልጡ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)​—⁠ኢሳ. 52:⁠7

2 ኣወንታዊ መልእኽቲ ከተቕርብ ተዳሎ:- ኣብ ዝሃንጽ ነገራት እንተ​ድኣ ኣተኲርና እቲ ኣብ ኣገልግሎት እንገብሮ ዝርርብ ጽቡቕ ጽልዋ ክህልዎ ኢዩ። ስለዚ: ኣቀራርባ ክንዳሎን ነቲ እንዕድሎ ጽሑፍ ክንምርምሮን ከሎና: ናይቲ መልእኽቲ ኣወንታዊ ጐንታት ከነጕልሕ ኣሎና። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋና ብምትእምማንን ብውዕዉዕ ስምዒትን ምስ እነካፍል: ዘተባብዕ ፍረ ክንጽበ ንኽእል ኢና።​—⁠ምሳ. 25:⁠11

3 ሰባት በዚ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ዓለም ክሳዕ ክንደይ ከም እተተንከፉ ክገልጹልና ከለዉ እንድንግጸሎም እኳ እንተ​ዀንና: ንሽግር ደቅሰብ ናይ ሓቂ መፍትሒ እተምጽእ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃና ክንሕብሮም ኣሎና። ብዛዕባ እታ እትመጽእ ዘላ “መዓልቲ ሕነ” የሆዋ ክንመያየጥ ከሎና: እዚ ብኸመይ “ንትሑታት ብስራት” ከም ዝዀነ ክንገልጸሎም ኣሎና። (ኢሳ. 61:⁠1, 2) ኵሉ እቲ የሆዋ ዝገብሮ ነገራት ኣብ መወዳእታ ዝዓበየ ሓጐስን ዝበለጸ ውጽኢትን ከም ዘምጽእ ንሰማዕትና ከነረጋግጸሎም ንኽእል ኢና።

4 ንሓቂ ብልባዊ ሓጐስ ኣቕርባ:- ሰባት ነቲ ፍሕሹው ገጽናን ምትእምማን ዝመልኦ ቃና ድምጽናን ምስ ዝዕዘቡ ዝያዳ ናብ ምስማዕ የተኵሩ ኢዮም። ብሩህ ኣረኣእያ እንተ​ድኣ ኣንጸባሪቕና: ሰማዕትና ‘በቲ ተስፋ ከም እንሕጐስ’ ክርድኦም ኢዩ። (ሮሜ 12:⁠12) ስለዚ ኸኣ ነቲ ብስራት ምላሽ ንምሃብ ዝያዳ ይድረኹ ይዀኑ። ኣብ ኵሉ መዳያት ኣገልግሎትና ኵሉ ሳዕ ኣወንታውን ባህ ዘብልን ኣረኣእያ ንኸነንጸባርቕ ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘሎና እተረጋገጸ ኢዩ።

5 ከም ኣገልገልቲ ናይቲ ብስራት መጠን ሓበሬታ ጥራይ ኣይኰንናን እንህብ። ስብከትና ብዛዕባ እቲ ሕጂ ዘሎን ኣብ መጻኢ ዝህሉን ዝሓሸ ህይወት ዝገልጽ ኢዩ። (1 ጢሞ. 4:⁠8) ምስ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክንዛረብ ከሎና ኣወንታዊ ኣረኣእያና በቲ እንብሎ ነገራት ይንጸባረቕ ኢዩ: እዚ ኸኣ ሰባት ነቲ ብስራት ንኽቕበልዎ ይሕግዞም። እንታይ ከም እንብልን ብኸመይ ከም እንዛረብን ጥንቃቐ ብምግባር: ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ነቲ እንሰብኮ ዘደንቕ ብስራት ንኽቕበልዎ ነለዓዕሎም!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ