ኣብ እምነት ጽኑዓት ክንከውን ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧
1 ምስ ማሕበር የሆዋ ክንሓብር ካብ ዝጀመርናሉ ግዜ ኣትሒዙ: መንፈሳዊ ዕቤትና ምንጪ ሓጐስ ኰይኑና ኢዩ! እንተዀነ ግን: ‘ብእምነት ተሰሪትና: ተሃኒጽና: ከምኡውን ጽኑዓት’ ኴንና ንኽንቅጽል ቀጻሊ መንፈሳዊ ዕቤት የድልየና ኢዩ። (ቈሎ. 2:6, 7) ብዙሓት ሰባት ብመንፈስ እኳ እንተ በልጸጉ: ገለ ግን ‘ኣብ እምነት ጽኑዓት’ ክዀኑ ስለ ዘይከኣሉ ዘቢሎም ኢዮም። (1 ቈረ. 16:13) እዚ ንኸየጋጥመና ክንከላኸሎ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧
2 ቀጻሊ መንፈሳዊ ንጥፈታት:- መንፈሳዊ መደባትካ ምስ ማሕበር የሆዋ ይሰጕም። ንመንፈሳዊ ድሌትና ዘማልእ ኣኺሉ ዝተርፍ ነገራት ኣሎና። ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ኣሰምብሊታት: ከምኡውን ዓበይቲ ኣኼባታት ዝያዳ መንፈሳዊ ዕቤትን ጽንዓትን ንኽህልወና ይድርኸና ኢዩ: እዚ ዝኸውን ግን ኣብኡ ብቐጻሊ ንካፈል እንተድኣ ዄንና ኢዩ። (እብ. 10:24, 25) ንመጽሓፍ ቅዱስ: ንመጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ!: ነቲ ዕጹም ብልዒ ቃል ኣምላኽ ዝሓዘ መጻሕፍቲ ብቐጻሊ ነንብብ እንተድኣ ዄንና መንፈሳዊ ሱርና እናዓመቘን እናደልደለን ክኸይድ ኢዩ። (እብ. 5:14) ብብሕቲ መንፈሳዊ ሸቶታት ምግባር: ነቲ ሸቶታት ንምውቃዕ ከኣ ብትግሃት ምዕያይ ነባሪ ረብሓ የምጽእ።—ፊል. 3:16
3 ካብ ብሱላት ኣሕዋት ሓገዝ ምርካብ:- ምስቶም ኣብ ጉባኤኻ ዝርከቡ ብመንፈስ ብሱላት ኣሕዋት ዘሎካ ሕብረት እተስፍሓሉ መገዲ ኣናዲ። እቶም ብቐዳምነት ንኽንጸንዕ ክድግፉና ዝኽእሉ ሽማግለታት ስለ ዝዀኑ ቅረቦም። (1 ተሰ. 2:11, 12) ንዝህቡኻ ዝዀነ ይኹን ምኽሪ ወይ ሓሳባት ሓንጐፋይ ኢልካ ተቐበል። (ኤፌ. 4:11-16) ናይ ጉባኤ ኣገልገልቲ እውን ካልኦት ኣብ እምነቶም ጽኑዓት ንኽዀኑ ክሕግዝዎም ይደልዩ ኢዮም: ስለዚ ምትብባዕ ንምርካብ ናብዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ቅረብ።
4 ኣብ ኣገልግሎት ሓገዝ የድልየካዶ ኢዩ፧ ምስ ሽማግለታት ተዘራረብ: ሓገዝ እውን ሕተት። ምናልባት ካብቲ “ፓይነራት ንኻልኦት ኣስፋሕቲ ይሕግዙ” ዝበሃል ፕሮግራም ትጥቀም ትኸውን። ሓድሽ እተጠመቕካዶ ኢኻ፧ ንመጽሓፍ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ምጽናዕን ነቲ ሒዛቶ ዘላ ነጥብታት ኣብ ግብሪ ምውዓልን ናብ መንፈሳዊ ብስለት ንኽትበጽሕ ከነቓቕሓካ ኢዩ። ወላዲ ዲኻ፧ ንመንፈሳውነት ደቅኻ ብቐጻሊ ኣደልድል።—ኤፌ. 6:4
5 ኣብ እምነት ብምስራትን ብምጽናዕን ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ: ምስ ኣሕዋትና ኸኣ ምዉቕ ሕብረት ነስተማቕር ኢና። እዚ ድማ ነቲ ካብ ሰይጣን ዝወርደና መጥቃዕትታት ንኽንጻወሮ የኽእለና ከምኡውን ኣብ ናይ ዘለኣለማዊ መጻኢ ዘሎና ተስፋ የደልድሎ ኢዩ።—1 ጴጥ. 5:9, 10