ነቲ ብስራት ኣጸቢቕካ ተረዲእካ ምስባኽ
1 ኣብ መጀመርታ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን የሱስ ክርስቶስ ነቶም ሰዓብቱ ብስራት ናይታ መንግስቲ ንኽሰብኩን ‘ካብ ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ንኽገብሩን’ መዘዞም። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20 NW ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ መምርሒ እዚ ኣርዚኖም ኢዮም ዝርእይዎ: ስለዚ ኸኣ ኣብ መወዳእታ ናይ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ክርስትያናዊ ሕውነትና ኣብ 234 ሃገራት ናብ ልዕሊ 5,900,000 ደቀ መዛሙርቲ ወሰኽ ገይሩ ኣሎ። ኣየ እዝስ ንሰማያዊ ኣቦና ዝግበር ከመይ ዝበለ ብርቱዕ ናይ ውዳሰ ጭድርታ ኰን ኢዩ!
2 ሕጂ ናብ መበል 21 ክፍለ-ዘበን ኣቲና ኢና። እቲ ተጻራሪና ብውዲት ገይሩ ነቲ ቀንዲ ዕዮ ስብከት ናይታ መንግስትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ክዓናቕፎ ይጽዕር ኣሎ። ኣቓልቦና ንምስራቕ: ግዜና ንምጥፋእ: ከምኡውን ሓይልና ብእተፈላለየ ኣድላዪ ዘይኰነ ሓልዮትን ጭንቀትን ንምጽንቃቕ ካብዚ ኣገባብ እዚ ጸቕጢ የውርደልና ኢዩ። እዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ህይወት ኣገዳሲ ነገር እንታይ ምዃኑ ክመርሓና ኣብ ክንዲ እንፈቕደሉ: ፍቓድ የሆዋ ምግባር እቲ ዝለዓለ ነገር ምዃኑ ካብ ቃል ኣምላኽ ኣረጋጊጽና ኢና። (ሮሜ 12:2) እዚ ድማ ነቲ ቅዱስ ጽሑፍ ‘ብግዜኡን ብዘይግዜኡን ክንሰብኽን ኣገልግሎትና ክንምልእን’ ዝሃበና ምሕጽንታ ምእዛዝ ማለት ኢዩ።—2 ጢሞ. 4:2, 5
3 ዓሚቝ ምርዳእ ኣማዕብል:- ክርስትያናት ‘ምሉኣትን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኰይኖም ደው ክብሉ’ የድልዮም ኢዩ። (ቈሎ. 4:12) እታ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ‘ምርዳእ’ ተባሂላ ዘላ “ኮንቪክሽን ” እትብል ናይ እንግሊዝኛ ቃል “ድልዱል እምንቶ ምሕዳር ወይ ኣርጊጽካ ምእማን፣ ክትኣምን ኣብ እትኽእለሉ ኵነት ምህላው” ዝብል ትርጕም ኣለዋ። ከም ክርስትያናት መጠን ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ርግጽ ከም ዝዀነን ሕጂ ኣብቲ ዝጽንቀቕ ዘሎ ናይ መወዳእታ ግዜ ንነብር ምህላውናን ክንኣምን ኣሎና። ከምቲ እቲ ብስራት “ንዚአምን ዘበለ ዅሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ” ዝበለ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበረቶ ዓይነት ጽንዕቲ እምነት ክትህልወና ኣለዋ።—ሮሜ 1:16
4 ድያብሎስ በቶም እናሰሓቱ ካልኦት ንኽስሕቱ ጽልዋ ዝገብሩ እኩያት ሰባትን ጠበርትን ይጥቀም ኢዩ። (2 ጢሞ. 3:13) ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ ስለ እተዋህበና ኣብ ሓቂ ዘሎና ምርዳእ ንምድልዳል ስጕምቲ ንወስድ ኢና። ናብራ ዘምጽኦ ጭንቀት ንቕንእና ከቕህሞ ከይፈቐድና ንረብሓታት ናይታ መንግስቲ ኢና እነቐድም። (ማቴ. 6:33, 34) መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ገና ኢዩ ኢልና ብምሕሳብ: ናይዚ ግዜ ህጹጽነት እውን ክንርስዖ ኣይንደልን ኢና። እቲ ግዜ እናቐረበ ኢዩ ዝመጽእ ዘሎ። (1 ጴጥ. 4:7) ነቲ ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት ድሮ ተዋሂቡ ዘሎ ምስክርነት ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ብስራት ምዝርጋሕ ብዙሕ ፍረ ዘይብሉ ኰይኑ እኳ ክስመዓና ዝኽእል እንተዀነ: እቲ መጠንቀቕታ ናይ ምሃብ ዕዮ ግን ክቕጽል ኣለዎ።—ህዝ. 33:7-9
5 ኣብዚ እዋን መወዳእታ ዝለዓል ኣገዳሲ ሕቶታት እዚ ዝስዕብ ኢዩ:- ‘ነቲ የሱስ ደቀ መዛሙርቲ ንኽገብር ዝሃበኒ መዝነት ኣርዚነ እርእዮዶ ኢየ፧ ነቲ ብስራት ክሰብኽ ከለኹ እታ መንግስቲ ናይ ሓቂ ምዃና ኣጸቢቐ ከም ዝኣመንኩሉ አርኢዶ ኢየ፧ ኣብዚ ህይወት ናይ ምድሓን ኣገልግሎት ብእተኻእለኒ መጠን ዓቢ እጃም ክህልወኒዶ ቈሪጸ ኢየ፧’ ናብ ግዜ መወዳእታ ክሳዕ ክንደይ ቀሪብና ከም ዘሎና ብምግንዛብ: ንገዛእ ርእስና ከምኡውን ነቲ ናይ ስብከትን ትምህርትን መዝነትና ክንጥንቀቕ ኣሎና። ከምዚ ብምግባር ንገዛእ ርእስናን ነቶም ዝሰምዑናን ከነድሕን ኢና። (1 ጢሞ. 4:16) ኵላትና ከም ኣገልገልቲ መጠን ዘሎና ምርዳእ ከነዕምቖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
6 ንሰብ ተሰሎንቄ ምሰሎም:- ሃዋርያ ጳውሎስ እቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝርከቡ ኣሕዋት ዝጸዓርዎ ነገር ብምዝካር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም:- “ኣባኻትኩምን ምእንታኻትኩምን ከመይ ከም ዝነበርና: ከምቲ እትፈልጥዎ: እቲ ወንጌልና ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን ብብዙሕ ምርዳእን ከኣ እዩ እምበር: ብቓል ጥራይ ኣይመጸኩምን። ንስኻትኩምውን ብብዙሕ ጭንቂ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስ ነቲ ቓል ብምቕባልኩም ሰዓብትናን ሰዓብቲ ጐይታናን ኰንኩም።” (1 ተሰ. 1:5, 6 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እወ: ሰብ ተሰሎንቄ ብዙሕ ጸበባ እኳ እንተ ነበሮም ብቕንእን ብዓሚቝ ምርዳእን ስለ ዝሰበኹ ጳውሎስ ነኣዶም። ከምዚ ክገብሩ ዘኽኣሎም እንታይ ኢዩ፧ ብዓቢኡ: እቲ ኣብ ሃዋርያ ጳውሎስን መተዓይይቱን ዝረኣይዎ ቅንእን ምርዳእን ኣብኦም ኣወንታዊ ጽልዋ ስለ ዝነበሮ ኢዩ። ብኸመይ፧
7 ናይ ጳውሎስን መጋይሽቱን ናብራ ክርአ ኸሎ: መንፈስ ኣምላኽ ከም ዝነበሮምን ነቲ ዝሰብክዎ ዝነበሩ ነገር ብምሉእ ልቦም ይኣምኑሉ ከም ዝነበሩን የረጋግጽ። ጳውሎስን ሲላስን ናብ ተሰሎንቄ ቅድሚ ምኻዶም ኣብ ፊልጲ ግፍዒ ወሪድዎም ኢዩ። ብዘይፍርዲ ተዘቢጦም: ተሓቢሶም: ከምኡውን ኣብ ጕንዲ ተኣሲሮም ኢዮም። እዚ ፈታኒ ተመክሮ እዚ ግን ነቲ ኣብቲ ብስራት ዝነበሮም ቅንኢ ኣየቕሃሞን። ሳላ መለኮታዊ ጣልቃ ምእታው ከኣ ካብ ማእሰርቶም ተፈትሑ: ምስቲ ሓላው እሱራትን ስድራቤቱን ክዘራረቡ ከኣሉ: ከምኡውን ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣሕዋቶም ኣገልግሎቶም ክቕጽሉ መገዲ ጸረጉሎም።—ግብ. 16:19-34
8 ጳውሎስ መንፈስ ኣምላኽ ብዝሃቦ ሓይሊ ናብ ተሰሎንቄ ከደ። ኣብቲ ቦታ እቲ ዘድልዮ መሰረታዊ ነገራት ንምርካብ ይዓዪ: ንሰብ ተሰሎንቄ ሓቂ ኣብ ምምሃር ከኣ ገዛእ ርእሱ ምሉእ ብምሉእ ይውፊ ነበረ። ነቲ ብስራት ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ካብ ምእዋጅ ድሕር ኣይበለን። (1 ተሰ. 2:9) እቲ ጳውሎስ ብዓሚቝ ምርዳእ ዝፍጽሞ ዝነበረ ስብከት ገለ ኣብቲ ዓዲ ዝነበሩ ሰባት ንጣኦታት ምምላኽ ሓዲጎም ኣገልገልቲ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ: የሆዋ: ክሳዕ ዝዀኑ ሓያል ጽልዋ ገይሩሎም ኢዩ።—1 ተሰ. 1:8-10
9 ነዞም ሓደስቲ ኣመንቲ መስጐግቲ ነቲ ብስራት ካብ ምስባኽ ኣይዓገቶምን። ሰብ ተሰሎንቄ በቲ ሓድሽ ዝረኸብዎ እምነት ስለ እተደረኹን ዘለኣለማዊ በረኸት ከም ዝረኽቡ ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛታት ስለ ዝነበሩን ነቲ ብውዕዉዕ ስምዒት እተቐበልዎ ሓቂ ንምእዋጅ ተደፋፍኡ። ብዛዕባ እምነትን ቅንእን ኣባላት እታ ጉባኤ ኣብ ካልእ ክፍልታት መቄዶንያ አረ ኣብ ኣካይያ ከይተረፈ ክሳዕ ዝስማዕ: ኣዝዮም ንጡፋት ኢዮም ነይሮም። ስለዚ: ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ ናይ መጀመርታ መልእኽቱ ክጽሕፈሎም ከሎ: ድሮ እቲ ሰናይ ግብሮም ኣጸቢቑ ተፈሊጡ ነበረ። (1 ተሰ. 1:7) እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ኣብነት ኰን ኢዩ!
10 በቲ ንኣምላኽን ንሰባትን ዘሎካ ፍቕሪ ምድራኽ:- ሎሚ ልክዕ ከም ሰብ ተሰሎንቄ ነቲ ብስራት ክንሰብኽ ከሎና ብብሕትና ዓሚቝ ምርዳእ ሒዝና ክንቅጽል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ጳውሎስ ብዛዕባኦም ክገልጽ ከሎ “ነቲ ግብሪ እምነትኩምን ጻዕሪ ፍቕርኹምን . . . ዅሉ ሳዕ እናዘከርናኩም” ብምባል ጸሓፈ። (1 ተሰ. 1:3 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ንየሆዋ ኣምላኽን ነቶም ዝሰብኩሎም ሰባትን ዓሚቝን ልባውን ፍቕሪ ከም ዝነበሮም እተረጋገጸ ኢዩ። ንጳውሎስን ብጾቱን ነቶም ሰብ ተሰሎንቄ ‘ወንጌል ጥራይ ዘይኰነስ ገዛእ ነፍሶም’ ከካፍልዎም ዝደረኸቶም እዛ ዓይነት ፍቕሪ እዚኣ ኢያ።—1 ተሰ. 2:8
11 ብተመሳሳሊ: ንየሆዋን ንብጾትናን ዘሎና ዓሚቝ ፍቕሪ ኣብቲ ኣምላኽ ዝሃበና ዕዮ ስብከት ምሉእ ብምሉእ ንኽንካፈል ይድርኸና ኢዩ። ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ እንተድኣ ኣላትና ነቲ ብስራት ምዝርጋሕ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ዝሃበና ሓላፍነት ምዃኑ ኣፍልጦ ክንህበሉ ኢና። ንዅሉ እቲ የሆዋ ናብ “ናይ ሓቂ ህይወት” ምእንቲ ክመርሓና ኢሉ ዝገበሮ ነገር ብኣወንታን ብሞሳን ምስ እነስተንትነሉ: ነዚ ብምሉእ ልብና እንኣምነሉ ዘደንቕ ሓቂ ንኻልኦት ሰባት ንኽንነግሮም ንድረኽ ኢና።—1 ጢሞ. 6:19
12 ኣብ ዕዮ ስብከት ትሑዛት እናዀንና ብዝኸድና መጠን: እቲ ኣብ የሆዋን ሰባትን ዘሎና ፍቕሪ ብቐጻሊ ክዓቢ ናይ ግድን ኢዩ። ከምዚ እንተድኣ ዀይኑ: ኣብቲ ካብ ቤት ናብ ቤት እንገብሮ ኣገልግሎት ብንጥፈት ንኽንቅጽልን ዝዀነ ይኹን ክፉት ዝዀነልና ዓይነት ምስክርነት ንኽንጥቀምን ክንለዓዓል ኢና። ንኣዝማድን ጐረባብትን እንፈልጦም ሰባትን ንምምስካር ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ክንጥቀመሉ ኢና። መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ብስራት እኳ እንተ ነጸግዎ: ገሊኣቶም እውን ነቲ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ዝንገር ኣዋጅ ክዓናቕፉ እኳ እንተ ጸዓሩ: ንሕና ግን ውሽጣዊ ሓጐስ ነስተማቕር ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ንምምስካርን ሰባት ድሕነት ክረኽቡ ንምሕጋዝን ዝከኣለና ከም ዝገበርና ስለ እንፈልጥ ኢና። የሆዋ ኸኣ ነቲ ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ንምርካብ እንገብሮ ጻዕሪ ክባርኾ ኢዩ። ኣብ ህይወት ዘጋጥም ጸቕጥታት እኳ እንተ ኣጽበበልና ከምኡውን ሰይጣን ሓጐስና ከጥፍኣልና እኳ እንተ ጸዓረ: ዓሚቝ ምርዳእን ንኻልኦት ንምምስካር ዘሎና ቅንእን ሒዝና ኽንቅጽል ንኽእል ኢና። ኵላትና እጃምና እንተድኣ ኣበርኪትና: ልክዕ ከምታ ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበረት ጉባኤ ጽኑዓትን ቅንኢ ዝመልአንን ጉባኤታት ክፈርያ ኢየን።
13 ፈተና ከጋጥም ከሎ ፈጺምካ ኣይትተሓለል:- እተፈላለየ ፈተናታት ከጋጥመና ኸሎ ምእንቲ ክንዋጽኣሉ ዓሚቝ ምርዳእ ክህልወና የድሊ። (1 ጴጥ. 1:6, 7) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ሰዓብቱ እንተ ዀይኖም “ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት” ከም ዝዀኑ ብንጹር ነጊርዎም ኢዩ። (ማቴ. 24:9) ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ፊልጲ ኸለዉ ነዚ ተመኲሮምዎ ኢዮም። እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 16 ዝርከብ ጸብጻብ: ጳውሎስን ሲላስን ናብ ውሽጣዊ ክፍሊ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝኣተዉን ኣብ ጕንዲ ከም እተኣስሩን ይሕብር። ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት እቲ ቐንዲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ወሰን ወሰን እቲ ቀጽሪ ዝርከብ ኰይኑ ብዙርያኡ ብርሃንን ኣየርን ዝኣትዎ ንኣሽቱ ክፍልታት ዘለዎ ነበረ። እቲ ውሽጣዊ ቤት ማእሰርቲ ግን ብርሃን ዝበሃል ዘይኣትዎን እተወሰነ ኣየር ጥራይ ዝረክብን ኢዩ። ጳውሎስን ሲላስን ነቲ ጸልማት: ሙቐት: ከምኡውን ሕማቕ ጨና ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ክጻወሩ ነበሮም። ሕቘኦም ብሰንኪ እቲ መዝበጥቲ ተተልቲሉን ደም ቲፍቲፍ ኢሉን ከሎ ኣብ ጕንዲ ተኣሲሮም ዘሕለፍዎ ስቓይ ኣብ ኣእምሮኻ ክትስእሎ ትኽእልዶ፧
14 ጳውሎስን ሲላስን እዚ ፈተናታት እዚ እኳ እንተ ኣጋጠሞም እሙናት ኰይኖም ኢዮም ቀጺሎም። ዓሚቝ ምርዳእ ከም ዝነበሮም ኣርእዮም ኢዮም: እዚ ኸኣ ፈተና እኳ እንተ ኣጋጠሞም ንየሆዋ ንኸገልግሉ ኣበርትዖም። ጳውሎስን ሲላስን እዚ ምርዳእ እዚ ከም ዝነበሮም ኣብ ምዕራፍ 16 ቍጽሪ 25 ጐሊሑ ይርከብ: ኣብኡ “ንኣምላኽ እናለመኑ ብዜማ የመስግኑ” ከም ዝነበሩ ይገልጽ። ኣብ ውሽጣዊ ክፍሊ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ እኳ እንተ ነበሩ: ስምረት ኣምላኽ ከም ዘለዎም ርግጸኛታት ብምንባሮም ግን ካልኦት እሱራት ክሳዕ ዝሰምዕዎም ዓው ኢሎም ይዝምሩ ነበሩ! ኣብ እምነትና ፈተናታት ከጋጥመና ኸሎ ተመሳሳሊ ዓሚቝ እምንቶ ክህልወና ኣለዎ።
15 ሰይጣን ዘምጽኣልና ፈተናታት ማእለያ የብሉን። ንገሊኣቶም ካብ ስድራቤቶም መስጐጕቲ የምጽኣሎም። ንብዙሓት ኣሕዋትና ኸኣ ሕጋዊ ብድሆታት የጋጥሞም። ካብ ከሓድቲ እውን ምጽራር ከጋጥም ይኽእል። ቁጠባዊ ጸገማትን ጭንቀት መነባብሮን ኣሎ። መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቶም ናይ መዛኑ ጸቕጢ የጋጥሞም ኢዩ። ነዚ ፈተናታት እዚ ብዓወት ክንዋጽኣሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ እምንቶ ከም ዘሎና ከነርኢ ምእንቲ ክንክእል እንታይ የድልየና፧
16 ቅድም ቀዳድም ምስ የሆዋ ዘሎና ጥብቂ ብሕታዊ ርክብ ክንዕቅብ ኣሎና። ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ውሽጣዊ ክፍሊ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ከለዉ: ንግዜኦም ብዛዕባ እቲ ኵነታት ብምምራር ወይ ብምስቍርቋር ኣየሕለፍዎን። ብኡንብኡ ናብ ኣምላኽ ጸለዩ: ብመዝሙር ገይሮም ድማ ወደስዎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ምስ ሰማያዊ ኣቦኦም ጥብቂ ብሕታዊ ርክብ ስለ ዝነበሮም ኢዩ። ንጽድቂ ክብሉ ይሳቐዩ ከም ዘለዉን ድሕነቶም ኣብ ኢድ የሆዋ ምዃኑን ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም።—መዝ. 3:8
17 ንሕናውን ሎሚ ፈተናታት ከጋጥመና ከሎ ናብ የሆዋ ክንጥምት ኣሎና። ጳውሎስ ከም ክርስትያናት መጠን ‘ድሌትና ዘበለ ኣብ ኣምላኽ ክፍለጥ’ ኢዩ ዘተባብዓና: ‘እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዝበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብናን ንሓሳብናን ክሕልዎ ኢዩ።’ (ፊል. 4:6, 7) የሆዋ ንዘጋጥመና ፈተናታት በይንና ክንዋጽኣሉ ከም ዘይሓድገና ምፍላጥስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ! (ኢሳ. 41:10) ብሓቂ ተረዲኡና እንተድኣ ኣገልጊልናዮ ኵሉ ሳዕ ምሳና ኢዩ።—መዝ. 46:7
18 ዓሚቝ ምርዳእ ከም ዘሎና ከነርኢ ዝሕግዘና ካልእ ኣገዳሲ ነገር ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዝ ምዃን ኢዩ። (1 ቈረ. 15:58) ጳውሎስን ሲላስን ነቲ ብስራት ኣብ ምስባኽ ትሑዛት ስለ ዝነበሩ ኢዮም ተኣሲሮም። ብሰንኪ እቲ ዝወረዶም ፈተናታት ካብ ምስባኽ ኣቋሪጾምዶ ኢዮም፧ ኣይፋልን: ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከለዉ እውን ከይተረፈ ምስባኽ ኣየቋረጹን: ምስ ተፈትሑ ኸኣ ናብ ተሰሎንቄ ከዱ እሞ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዮም ‘ብጽሑፋት ምሳታቶም ተዘራረቡ።’ (ግብ. 17:1-3) ኣብ የሆዋ ሓያል ምርዳእ ወይ እምነት እንተድኣ ኣሎና ዀይኑ: ሓቂ ከም ዝሓዝና ድማ እንተድኣ ንኣምን ኴንና: ዝዀነ ይኹን ነገር “ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና” ኣይክእልን ኢዩ።—ሮሜ 8:35-39
19 ድልዱል እምንቶ ዘለዎም ዘመናውያን ኣብነታት:- ኣብዚ ግዜና ከም ጳውሎስን ሲላስን ዓሚቝ ምርዳእ ከም ዘለዎም ዘርኣዩ ብዙሓት ዘደንቑ ኣብነታት ኣለዉ። ሓንቲ ኣብ መዳጐኒ ደምበ ኦሽዊትዝ ዝነበረት ሓብቲ ብዛዕባ እቶም ክምህ ዘይብል እምነትን ዓሚቝ ምርዳእን ዘርኣዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ከምዚ ብምባል ተዘንቱ:- “ኣብ እዋን መርመራ ሓደ በዓል ስልጣን ኢዱ ዓሚኹ ናባይ መጸ እሞ ከምዚ በለኒ:- ‘እንታይ ኢና ክንገብረኩም፧ እንተ ሓዝናኩም ኣይግድሰኩም። እንተ ኣሰርናኩም ዕጅብ ኣይብለኩም። ናብ መዳጐኒ ደምበ እንተ ሰደድናኩም ኣይትጭነቑ። ንሞት እንተ ፈረድናኩም ኣይትርበሹ። እንታይ ኢና ክንገብረኩም፧’ ” ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ኵነታት ኣሕዋትና እምነት ምርኣዮምስ ኣየ ከመይ ዝበለ ንእምነትና ዘበራትዕ ኣብነት ኰን ኢዩ! እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ንኽጻወርዎ ሓይሊ ምእንቲ ክዋሃቦም ኵሉ ሳዕ ናብ የሆዋ ኢዮም ዝጥምቱ ነይሮም።
20 እቶም ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ምስቲ እተላዕለ ቀቢላዊ ጽልኢ እተፋጠጡ ኣሕዋት ዘርኣይዎ ድልዱል እምንቶ ከም እንዝክሮ እተረጋገጸ ኢዩ። ኣብ ሓደገኛ ኵነታት እኳ እንተ ሃለዉ: እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ግን ብዛዕባ ናይ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን መንፈሳዊ መግቢ ናይ ምርካብ ጕዳይ ግዱሳት ኢዮም። ኵሎም በቲ ዘለዎም ዓሚቝ ምርዳእ እሙናት ኰይኖም ስለ ዝቕጽሉ ‘ንዖኦም ንምውጋእ ዝስራሕ ኣጽዋር ኵሉ ኣይክጠቅምን ኢዩ።’—ኢሳ. 54:17
21 ዘይኣማኒ ናይ መርዓ ብጻይ ዘለዉዎም ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ድልድልቲ እምነትን ምጽማምን ኣርእዮም ኢዮም። ሓደ ኣብ ጓዴሎፕ ዝነብር ሓው ካብ ዘይኣማኒት ሰበይቱ ሓያል ምጽራር ኣጋጠሞ። ንኸተሐልሎን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ካብ ምክፋል ንኽትዓናቕፎን ኢላ መግቢ ኣይተዳሉን ክዳውንቱ ኣይትሓጽበሉን: ኣይተስታርረሉን: ኣይትሰፍየሉን ነበረት። ንነዊሕ ግዜ ትስጕደመሉ ነበረት። እንተዀነ ግን: እዚ ሓው እዚ ንየሆዋ ምግልጋል ካብ ልቡ ከም ዝኣምነሉ ስለ ዘርኣየን ምእንቲ ክሕግዞ ድማ ብጸሎት ናብኡ ስለ ዝቐረበን ነዚ ክጻወሮ ከኣለ። ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ፧ ንዕስራ ዓመታት ኢዩ እተጻወረ፣ ድሕርዚ ሰበይቱ ልባ ቀስ ብቐስ ክልወጥ ጀመረ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ: ንተስፋ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ስለ እተቐበለት ብሓቂ ተሓጒሱ ኢዩ።
22 እቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኸዱ እሞ ካብ መዛኑኦም ዝመጾም ጸቕጥን ካልእ ብድሆታትን ዝጻወሩ መንእሰያት ኣሕዋትን ኣሓትን ዘርእይዎ ሓያል ምትእምማን ክንርስዕ የብልናን። ሓንቲ መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጥም ጸቕጢ ክትገልጽ ከላ ከምዚ በለት:- “ኣብ ቤት ትምህርቲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብመጠኑ ዓለወኛ ክትከውን ኢዩ ዘተባብዓካ። ምስ ዕልወት እተተሓሓዘ ነገራት ክትገብር ከሎኻ እቶም መንእሰያት ዝያዳ የኽብሩኻ።” ንመንእሰያትና ክሳዕ ክንደይ ሓያል ጸቕጢ ኰን ኢዩ ዘጋጥሞም ዘሎ! ንፈተና ንምቅዋም ኣብ ኣእምሮኦምን ልቦምን ዝሰረጸ ውሳነ ክህልዎም ኣለዎ።
23 ንመንእሰያትና ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠሞም መብዛሕትኦም ግን ንጽህንኦም ይሕልዉ ኣለዉ። ኣብ ፈረንሳ እትነብር ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ ኣብነት ክትኰነና ትኽእል ኢያ። ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ምሳሕ ገለ ኣወዳት ንኽትስዕሞም ከገድድዋ ፈተኑ: ንሳ ግን ጸለየት እሞ ኣበርቲዓ ተቓወመቶም: ስለዚ እቶም ኣወዳት ገዲፎምዋ ከዱ። ድሓር: ሓደ ካባታቶም ተመሊሱ ስለቲ ትብዓታ ከም ዝንእዳ ነገራ። ንሳ ኸኣ የሆዋ ካብቲ ናይታ መንግስቲ በረኸታት ክካፈል ንዝደሊ ዅሉ: ልዑል ስርዓታት ክሕሉ ከም ዝደልዮ ብምግላጽ ብዛዕባ እታ መንግስቲ ጽቡቕ ምስክርነት ክትህቦ ከኣለት። ኣብታ ዓመት እቲኣ ንብምሉኦም ደቂ ክፍላ ብዛዕባ እምነታ ገለጸትሎም።
24 ምስቶም የሆዋ ብዛዕባ ፍቓዱ ብዓሚቝ ምርዳእ ንኽዛረቡ ተሓጒሱ ዝጥቀመሎም ክንቍጸርስ ኣየ ከመይ ዝበለ ዓቢ መሰል ኰን ኢዩ! (ቈሎ. 4:12) እቲ ከም ኣንበሳ ዝዀነ ተጻራሪና ሰይጣን ድያብሎስ ከጥቅዓና ከሎ እውን ንጽህናና ንምሕላው ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኣሎና። (1 ጴጥ. 5:8, 9) የሆዋ እቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ነቶም እንሰብኮ ዘሎናን ነቶም ዝሰምዑናን ንምድሓን ከም ዝጥቀመሉ ኣይንረስዕ። እቲ እንገብሮ ውሳነታትን መዓልታዊ ናብራናን ነታ መንግስቲ ቀዳማይ ቦታ ከም ዝሃብናያ ዘረጋግጽ ይኹን። ነቲ ብስራት ብዓሚቝ ምርዳእ ከየባተኽና ንስበኽ!